2011-08-06 09:29:57

4ይ ሰንበት ዘክረምት ዘጊሜ 17 ሓምለ 2003 ዓ.ም. (24 ሓምለ 2011)


መዝሙር፡ በቀዳሚ ገብረ . . . . . . ።
ንባባት፡ 2ቆሮ 9፡1~ፍ፥ 2ጴጥ 3፡15~ፍ፥ ግ.ሓ. 27፡21~33፥ ማቴ. 24፡36~ፍ።
ምስባክ፡ ዘያበቁል ሣዕረ ለእንስሳ፥ ወሓመልማለ ለቅኔ እጓለእምሕያው፥ ከም ያወጽእ እክለ እምድር። “ካብ ምድሪ ምግቢ ምእንቲ ክርከብ ፥ ንእንስሳ ዝኸውን ሣዕሪ ዘብቁል፥ ንጥቕሚ ሰብ ከአ ተኽሊ አብቆልካ” መዝ. 14፡14~15።
መዝሙር፡ አብ መጀመርያ እግዚአብሔር ሰማይን ምድርን ፈጠረ ብሰንበት ንኹሉ ፈጢሩ አዕረፈ፥ ንኖኅ እትድሕነሉ ታቦት ግበር በሎ፥ ምስኻ ንዘለዓለም ኪዳን ክአቱ እየ ንምድሪ ካልአይ ጊዜ ብማይ አይኂ ከየጥፍአ። ንምድሪ ሣዕርን ጠለትን ክረምትን ሓጋይን ዘርእን ፍረን ክህባ እየ። እዚ ኸአ እዩ ጸጋ እግዚአብሔር ንሱ ንዝበሎ ቃሉ አይሕስውን እዩ።
ናይ ሎሚ ሰንበት ምስማክን መዝሙርን ሓልዮት አምላኽ ንፍጡሩ ይገልጹልና። እዋናት ክረምቲ ኩሉ ፍጡር ይጥቀመሉ እንስሳ ሰብ ኩሉ በቲ ዝወረደ ዝናብ ፍሉይ ለውጢ አብ ዕለታዊ ሕይወቶም የርእዩ። ናይ ተፈጥሮ ጽባቐ ናይ አምላኽ ግርማን ሓልዮትን ይገልጹልና። ኩሉ ፍጡር በቲ አምላኽ ዝሃቦ ከምስግን ይርአ። ዝናም ምልክት ጸጋ ምሕረት ዕርቂ አምላኽ ገርና ንርእዮ። ከምኡ ዘራእቲ ጽቡቅ ክኸውን እንከሎ ፍሉይ ሓጎስ ይህበና ሓረስታይ ፍሉይ ሓጎስ አብ ገጹ ይርኤ። ብሓጺሩ ክረምቲ ምስ አምላኽ እነሕልፎ ጊዜ እዩ እንተባህለ ዝተጋነነ አይኮነን።
ናይ ሎሚ ወንጌል ብኹሉ ስንድዋት ኮና ክንጸንሕ ይነግረና። አብዚ እዋናት ሰባት ንብዙሕ ጊዜ ክሰናደዉ ሸበድበድ ክብሉ ንርኢ። ገለ ንመርዓ ገለ ንመገሻን ዕረፍትን አብ ዓዲ ኸአ ሓረስታይ ንክረምታዊ ማእቶቱ ክጓየ ንርእዮ፥ ኩሉ ንሓደ ፍሉይ ነገር ክጓየ ንርኢ።ገለ ሰባት ንትምህርቲ ንመርመራ ዝሰናደዉ፥ ገለ ኸአ ንሞት ዝሰናደዉ አለዉ፥ ገለኸአ አብ ስድርኦም ሓዲስ ሕይወት ክፈጥሩ ክሰርሑ ንርኢ። ሕይወት አብ መንጎ እዚ ዝመጽእን ዝኸይድን ክትሓልፍ ክትመጽእ ንርእያ።
አብ ጊዜ ኖኅ ኩሉ ሰብ አብ ነናብራኡ ይጓየ እዩ ነሩ፥ይበልዑ ይሰትዩ፥ ሓዲስ ርክባት ይፈጥሩ ገለ ኸአ ዘይቅይሩ ከም ቀደሞም ዝኸዱ። አብ መንጎ እዞም ኩሎም አብ መንጎ እዚ ዕግርግር ዝመልኦ ሕብረተ ሰብ፥ ሓደ ምስ ስድርኡ አብ ምስራሕ መርከብ ምስ ስድርኡ ተጸሚዱ ዝነበረ ሰብ ነሩ። እታ ዝሰርሓ ዝነበረ መርከብ ከም ሓቂ እንተ ረኤና አበይ ከም እትንሳፈፍ ወላ ሓንቲ አፍልጦ አይነበሮን ትእዛዝ ጥራሕ እዩ ተቐቢሉ። አብ መጨረሽታ እቲ ሓደ ተሰናድዩ ነቲ ዝወረደ ማይ አይኂ ዝጸንሐ ንሱ ጥራሕ እዩ ምኽንያቱ ንሱ ጥራሕ እዩ ካብ ካልኦት ንበይኑ ነቲ ዝመጽእ ጥፍአት ሓበረታ ተዋሂብዎ ዝሰናዶ ዝነበረ።
ተሰናዲኻ ምጽናሕ
ሎሚ አብ ዓለምና ዘፍርሕ ዘሎ ብማይ አይኂ ዝመጽእ ጥፍአት አይኮነን እንታይ ደአ ናይ ኑክልየር ውግእ እዩ። ነዚ ተሰናድዮም ኩሉ ጊዜ ዝጸንሑ እንተ አለዉ ወተሃደራትን መራሕቲ ሰራዊትን ጥራሕ እዮም። አብ ኩለን ኑክልይር ዝሓዛ ሃገራት አዘዝቲ ወተሃደራት አብ ተጠንቀቕ ነቒሖም ይሕልዉን ይከታተሉን እዮም። አብ አመሪካ ምዕራባዊ ናይ ምኽልኻል ክፍሊ ኩሉ ጊዜ አብ ተጠንቀቕን ሓለዋን ክኸውን ኩሉ ጊዜ ብጽኑዕ ትእዛዝ ይቕበል። ኖኅ ካብ ጥፍአት ማይ አይኂ ክድሕን መርከብ ተጠቒሙ እንተኾነ ካብ ጥፍአት ኑክለየር ክንድሕን ዘክእል እንጥቀሞ ነገር የለን። ካብቲ ዝትኮስ ጩራ ኑክለየር ክሕባእ ዝኽእል የለን። ክንሃድመሉ እንኽእል ቦታ የለን። ዓሚቕ መሓብኦ ክንረኽበሉ እንኽእል የለን። እንተኾነ ሓደ ነገር አሎ ነዚ ኹሉ ክልውጦ ዝኽእል ንሱ ኸአ አብክንዲ ናይ ወግእን ኑክለራዊ መሳርያታት ክትሓዝ ዝጽዓር ደቂ ሰባት አብ ሰላም አብ ምዕባሌን ክነድህብ እሞ ነቲ አብ ውግእን ንውግእ ምኽንያት ዝኾነና ነገር ክንሓድጎ። እዚ ነቲ ፍራሓትን ስግአትን ክንሓድግ ይሕግዘና። ሓደ እዋን ለስተር ፒየርሰን ዝተባህለ ናይ ካናዳ ጠቕላሊ ምኒስቴር ዝነበረ ናይ ኖቤል ሽልማት ክቅበል እንከሎ አብ ዘስምዖ መደረ ከምዚ ይብል፥ “ ንውግእ ከም ዓቢ ነገር እሞ ምሉእ አፍልጦ ዘሎና ገርና ንሰናዶ፥ ንሰላም ግን ከም ሓደ ስንኩል ወይ ንእሽቶይ ሓይሊ ዘይብሉ ኮና ንስርሕ” ይብል። አብ ሰላም አብ ፍቕሪ ምህናጽ እነሕልፎ ምስቲ አብ ጥርአት ሰባት እነሕልፎ ክወዳደር እንከሎ አይወዳደርን። ሰብ ንልምዓት ንሕንፈት ክወፍር እንከሎ ጥራሕ እዩ ዕግበት ስዝምዖ።
ንመርከብ ኖኅ እንተ ርኤና ንሕና ሎሚ ከምቲ ኖኅ ዝተሓቶ ነገራት አይኮናን እንሕተት ዘሎና። ከምቲ ኢሳያስ ዝብሎ (2፡1~5) ንአምላኽ ክንሰምዕ እዩ ዝድለ ዘሎ፥”ንሱ ፍቓዱ ክምህረና እዩ፥ ንሕና ኸአ ኸም ፍቓዱ ኽነብር ኢና”። ንጽሑፍ ኢሳያስ እንተ አንበብና ወላ ሓደ እኳ አብዚ ዘመና ነታ ሕርይቲ መዓልቲ አምላኽ አብ ሕይወቱ ዝርእያ የለን “ንሳቶም ከአ አስያፎም ንማሕረሻታት ኲናውቶምውን ንገዘሞታት ኪሠርሕዎ እዮም፥ ሕዝቢ አብ ሕዝቢ ሰይፊ አይከልዕልን እዩ፥ ደጊምስ ውግእ አይኪምሃሩን እዮም”። እዚ ማለት ዘሎናዮ ሕይወትን ሰባት አብ ልዕሊ ሰባት ዝግጽምዎ ዘለዉ መንግስታት አብ ልእሊ መንግስታት ዝፍጽምዎ እንተ ረኤና ትንቢት ኢሳያስ ጌና ካባን ርሒቑ ከምዘሎ ኢና እንርኢ። አብ ወንጌል እንተ ረኤና ኢየሱስ ከም ዝብሎ ውግእ አብ ሕይወት ወድሰብ ኩሉ ጊዜ ከምዘሎ እዩ ዝነግረና። ታሪኽ እንተ ረኤና እውን ነዚ ሓቂ እዩ ዝምስክር። ትያትር ውግእ አብ ሕይወት ደቂ ሰብ ብዝተፈላለየ መልክዑ ክቐርብ እሞ ከም ሓደ መሳጢ ነገር ኮይኑ ክቐርብ ኢና እንርእዮ። ብዛዕባ ወግእ አቀራርብኡ ይኹን ዘቕረቦ ይኹን ብዘየገድስ ከምኡ ዝሓለፈ ይኹን ዘሎ ኩሉ ጊዜ ፍረ ውግእ ሓደ እዩ፥ ውጽኢቱ ዕንወት እዩ። ብውግእ ዝመጽእ ጽቡቕ ነገር የለን። ኩሉ ጊዜ ንሕና ደቂ ሰብ ሳዕበን ውግእ ንርስዖ።
ነቲ ጎይታና ዝብሎ ኩሉ ጊዜ ጽን ክንብሎ ይግብአና። ቅዱስ አጎስጦኒስ ናይ ሕይወቱ ምቕያር ክገልጽ እንከሎ አብቲ ኑዛዜ ዝብል 13 መጻሕፍቱ ከምዚ ይብል፥ አብቲ ዘይቅሱን ሕይወት አብ ዝነበረሉ እዋን ምስ ሓደ ብጻዩ አሊፕዩስ ዝብሃል ብሓንሳብ ብሓሳብ ተዋሒጦም ከስተንትኑ ከለዉ አጎስጢኖስ አብ ጎረበቶም ድምጺ ሓደ ቆልዓ ዝሰምዕ ዘሎ ኮይኑ ተሰሚዕዎ። “ውሰዶ እሞ አንብቦ” ዝብል ቃል ሰሚዑ። ሽዑ አብ መልእኽታት ጳውሎስ ግንጽል እንተበለ ሮሜ 13፡13 ገንጺሉ ከምዚ ዝብል አንቢቡ “ነቲ ጊዜ ፍለጥዎ ካብ ድቃስ እትበራበሩሉ እዋን በጺሑ እዩ” እናበለ ነቶም አብ ሮማ ዝነበሩ ክርስትያን ካብኦም ግብሪ ጸልማት ክድርብዩ፥ አፅዋር ብርሃን ክለብሱ፥ ብጓይላን ስኽራንን ብምንዝርናን ዕብዳንን፥ ብባእስን ቅንአትን ዘይኮነስ ከም ብምዓልቲ ብቕንዕና ክነብሩ ንጎይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ደአ ልበስዎ እምበር ንዊንታ ሥጋኹም ከተርውዩ ኢልኩም አይትሕሰቡ”ዝብል አንቢቡ ። ቅዱስ ጳውሎስ ዝብሎ ብልቡ ከስተንትን ጀሚሩ በዚ ኸአ ነቲ ለቢሶም ዘለዉ ሕይወትን እምነትን አስተንቲኖም ክኽእሉ ይነግሮም ከምዘሎ ክርዳእ ክኢሉ። አጎስጢኖስ ነዚ ምሰ አንበበ አብ ሕይወቱ ሓጺር ውሳኔ ወሲዱ ጥምቀት ከም ዝሓተተ ነንብብ። ሰባት ብኽፍአት ወይ አብ ዘይቅኑዕ ሕይወት ምስ ነበሩ ዓለሞም ዘድልያ ነገራት ክርእዩ የጸግሞም እዩ። ንርእሶም እውን ክርእዩ ይኸብዶም እሞ ከም ዕዉራት ኮይኖም ይነብሩ። ቤተክርስትያን ነዚ ናይ ጳውሎስ ቃል ከም መቀራረቢ ክንጥቀመሉ ትነግረና። ኢየሱስ አብ ዓለምና ሥጋና ምስ ለበሰ መጺኡና ሎሚ ኸአ ብጸጋ ክመጽአና ይደሊ። አብ መጨረሽታ ዓለም ከአ ከም ፈራዲ ክመጽአና እዩ። ምጽአቱ ንኹሉ ጸልማት ቀንጢጥዎ ሎሚ እውን ንኹሉ ዝጓነፈና ጸልማት ክቕንጥጦ አብ መንጎና አሎ። ክርስትያን ኩሉ ጊዜ ነቚሕና ክነብር ዝክአለና ክንገብር አሎና። ቅ. አጎስጢኖስ ቀጺሉ ከምዝብሎ “ናይ ነፍስና ምድቃስ ንአምላኽ አብ ምዝንጋዕ የምርሕ፥ ኩሉ ጊዜ እትነቅሕ ነፍሲ ፈጣሪአ መን ምዃኑ አይትዝንግዕን፥ ከምቲ ሓደ አብ ድቃስ ዝርከብ ወላ እውን ፀሓይ ምብራቓ እንተ ኾነ መሬት ሃርሩ እንተሎ ንሱ ግን ጌና ጸልማት እዩ ዝብል ምኽንያቱ ስለ ዘይነቕሔ ነቲ ሓዲስ ዕለት ክርኢ አይክእልን ከምኡ ገለ ሰባት ንክርስቶስ ዘይርእዩ ጌና ዝድቅሱ አለዉ” ይብል። ስለዚ ሕይወትካ ባህርኻ ኩሉ አብ ክርስቶስ ክነቅሕ ይግባእ፥ ሽዑ እቶም ዘይአመንትን ደቂሶም ዘለዉን ዘንጊዖም ዘለዉን ክበራበሩ ይኽእሉ።
ምንቃሕ ክብሃል እንከሎ እምነትካ ምስ አምላኽ ዘሎካ ርክብ ከምቲ ሓደ እምኑን ክርስትያን ዝነብሮ ክትከውን ስንዱው ምኻን እዩ። ዝነቕሔ ጸላኢ ክመጽእ ንከሎ ስለ ዝፈልጥ ብቐሊል አይማረኽን። ነቒሑ ዝጉዓዝ መገዲ አይጋገን። ነቒሑ ዝዛረብ ብምስትውዓል ስለ ዘውጽኦ ቃላቱ አይጋገን። አብ ምድራዊ ሕይወትና ብዝንጉዓትና ክነብር አይክአልን እዩ። ሰባት ስለ ዝኾና ምስትውዓል ይሓተና ከመሎኹ አበሎኹ እንታይ እብልን እገብርን አሎኹ እናበልና ሕይወትና ክንምርምር ግቡእ እዩ።
ኢየሱስ ክርስቶስ አብ ናይ ሎሚ ወንጌል ነቲ ዳግማይ ምጽአቱ ፈሊጥና አብዚ እዋና ዘሎ ጸገማት ሓላፍነት ክንለብስ ይደልየና። እታ ሓንቲ መገዲ ንዘይተጸበናዮ ነገር ስንድዋት ክንከውን እትሕግዘና ነገር እንተላ ነዚ ሕጂ እንነብረሉ ዘሎና ጊዜ ናይ እምነት ናይ ፍቕሪ ጊዜ እንተገበርናዮ ጥራሕ እዩ። ነዚ እንተ ገበርና ንፈርሖ ነገር የብልናን። አብ ወንጌል ኢየሱስ ቅድሚ ሕማማቱ ምኽሪ ይህበና። ንሱ ጊዜ ከምዘይብሉ ገሩ እዩ ዝነግረና፥ ንእዋን ቃንዛ ስቓይ አቐዲምና ተሰናዲና ክንጸንሕ ነዚ ናይ ሎሚ ጊዜና ክመ መቀራረቢ ክንጥቀመሉ ይነግረና።
አብ ቅድሚ አምላክ ትማሊ ጽባሕ ዝብል ትርጉም የብሉን ሕጂ እዩ እቲ ዘድሊ። ሕጂ ከምሎ ኩነታተይ አብ ጸጋ አምላኽዶ ወይስ ካብኡ ወጺኤ አብ ካልእ እሕምብስ አሎኹ። ኢልና ሕልናና ክንሓትት ይግብአና። ሰባት ስለ ዝኾና አብ ገለ እዋን እንጉዓዞ መገዲ ግዝያዊ ዕግበት ይህበና ይኸውን እንተኾነ ነባሪ ስለ ዝይኮነ ብክፉእ ግብርና አምላኽ ከይክወለና ተጊህና ሕይወትና ሎሚ አብዚአ ሰዓት ምስ ኢየሱስ አሎኹ ንበል።
ንመጻኢ ዋሕስ ዘለኦ ሕይወት ክነብር እንተኾና አብዚ ሕጂ ዘሎናዮ ሕይወት ክንግደስ አሎና። ኩልና ነዚአ እንነብረላ ዓለም ሓላፍነታ አሎና። ንሕና ግዳያት ጥራሕ ኮይና ንዝወርደና ነገራት እንጽበ አይኮናን። ገለ ነገር እንተ ዘይገበርና ንዓለም ክንወቅስ ወይ ክነማርር አይንኽእልን ኢና። ሰላም ሰባት ገለ ጸግም ብስም ዘይመጽኦም አይኮነን ዝርከብ። ብባዕሉ ዝኸውን ነገር ብዛዕባ ሰላም የለን። ንዓለምና ፈሊጥና ዓይንና ክርኢ የድሊ። ሎሚ ንጽቡቕን ክፉእን ዝርኢ ዓይኒ ተሳኢኑ አሎ። ጎይታና ኢየሱስ ኩሉ ጊዜ ንቝሓት ኮና ክነብር እሞ ነቲ በብእዋኑ ዝጓነፈና ክንወጽኦ ይሕብረና።
ሒዝናዮ ዘሎና እዋናት አብ ተስፋ አብ ፍረ ክንበጽሕ ዘዘኻኽረና ስለ ዝኾነ ኩልና አፍረይቲ ጸጋ አምላኽ ይግበረልና ቃሉ አብ ልብና ተዘሪኡ ክዓቢ እሞ ፍረ ከፍሪ ኩልና ልብና ንኽፈተሉ። ኦ አምላኽ አብ ሕይወተይ ክረኽበካ እሞ ምሳኻ ክነብር ሓግዘኒ አብ ዝወደቕክሉ ሓጋዚኤይ ኮንካ ክትርከብ እልምነካ አሎኹ ንበሎ። ነዚ ኸአ ይሓግዘና።

ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ









All the contents on this site are copyrighted ©.