2011-08-05 08:30:09

ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንእሰያት 2011 ማድሪድ


ብሓልዮት እንተ ላእለ ኵሉ ቤተ ክርስያን በቢ ዓመቱ ዝካየድ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንሰያት ለብዘበን ብውሳኔ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ካብ ዕለት 16 ነሓሰ ክሳብ ዕለት 21 ነሓሰ 2011 ዓ.ም. ኣብ ስፐይን ርእሰ ከተማ ማድሪድ ክካይድ ከምእተወሰነ ክዝከር እንከሎ፣ ብዛዕባ እቲ መበል 26 ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንሰያት ኣመልኪቶም ናይ ኮሙኒዮነ ኤ ሊበራዚዮነ ውኅደትን ነጻነትን እተሰምየ ናይ ካቶሊክ መንፈሳዊ ምቅስቃስ ሊቀ መንበር ኣባ ኹሊያን ካሮን ጆርጂያ ኢኖሰንቲ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ፣ ብዙሓት ምስቲ ክርስቶስ ምርኻብ ዝብል ናይ እምነት ተመኩሮ ዘነቓቕሕ ካቶሊክ ምንቅስቃስ መንሰያት ኣባላት ኣብቲ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንሰያት ንምስታፍ ምድላዋት የሳልጡ ከምዘለዉ ሓቢሮም፣ ናይ እምነት ተመክሮ ንምክፋልን ምስ ካልኦት ብሓባር ምንባርን ምምስካርን እምነት ዘነጽርን ዘጻርይን ኢዩ ቢሎም፣ ናይቲ ካቶሊክ ምንቅስቃስ መሥራቲ ነፍሰ ኄር ኣባ ጁሳኒ እቲ ናይ እምነትና መርትዖን ወይ ድማ ተራትዖ ብሓቂ ኣብ ክርስቶስ ዝተሠርተ ክኸውን ኣለዎ ዝብል ብዙሕ ጊዜ እምነት ብርትዓዊ ኣገባብ ክንጸርን ከይሰሓት ከምዘለዎ ኣሚኖም፣ ስለዚህ ምስ እዚ ዓይነት እምነት ብዝገራጨው መገዲ ኣብ ዝጓዓዝ ዓለም ናይ እምነት ተራትዖ ምቕራብ ኣዚዩ ኣገዳሲ ኢዩ፣ እዚ ኢዩ ድማ እቲ ዓቢ ብድሆ ክርስትናን ክርስትያን ምእመናንን፣ ቅዱስ ኣቦና ብተደጋጋሚ ብዛዕባ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንሰያት ኣመልኪቶም ኣብ ዘተሓላለፍዎም መልእኽትታትን ኣስተምህሮታትን ኣትሪሮም ዘተሓሳሰብዎ እውን ኢዩ ኢሎም።

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. እቲ ኣብ ማድሪድ ዝካየድ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንእሰያት መልእኽቲ ቅድስ ጳውሎስ ናብ ሰብ ቆላሲያስ ምዕራፍ 2 ፍቕዲ 7 “ኣብ ክርስቶስ ተሠሪትኩምን ተሓኒጽኩምን ብምስጋና መሊእኩምን ከምቲ ዝተመሃርኩምዎ ኣብ እምነት ጽንዑ” ብዝብል ቃለ ሓድሽ ኪዳን ክምራሕ ዝሃብዎ ውሳኔ ብሓቂ ኣብ መንጎ እምነትን ምርምርን ዘሎ መስበርቲ ክጽገንን ዘሎ ምርሕሓቕ ንምስናፍን ናይ እምነትና ተራትዖ ክንጸርን ክግለጽን ኣሚቶም ብፍላይ ድማ መንእሰይ ናይዚ እምነት ተመክሮ ከኻዕብት እምነትና ጎበዝን ብሱልን ኮይኑ ብመርትዖን ምኽንያትን ክንነብሮን ክርስቶስ ዝገለጾ ዘተኣታተዎ ዘደንጽው ኅዳሴ ሓድሽ ትርጉም ሕይወት መሠረት ነዚ ዓይነት ክብሪ ክንንበርን ሕይወትን ኮይኑ ንዝዕደለና ክርስቶስ ዘሎና ተምሳጥ ዘቃልሕ ናይ እምነት ተመክሮ ተሓንጊጥና እንፍጽሞ ምስ ክርስቶስ ንኽንራኸብ መንፈሳዊ ንግደት ኢዩ እንክብሉ ዝሃብዎ ቃለ ምልልስ ደምደሙ።








All the contents on this site are copyrighted ©.