2011-08-05 08:31:08

ቀርኒ ኣፍሪቃ፦ ደርቅን ስእነት መግብን


ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ በቲ ተኸሲቱ ዘሎ ደርቂ ልዕሊ 13 ሚሊዮን ዝግመት ሕዝቢ ንሞት ሓደጋ ተቓሊዑ ከምዘሎን ነቲ ብስእነት መግቢ ዝሳቐ ዘሎ ሕዝቢ ሰብኣዊ ደገፍ ዘባጽሕ ዘሎ ፓም- ዓለም ሓቆፍ ናይ መግቢ መርሃ ግብሪ ካብ ዘቕረቦ ጸብጻብ ክፍለጥ እንከሎ፣ ሕቡራት መንሥታት ኣመሪካ ነቲ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ብፍላይ ድማ ኣብ ሶማሊያ ብጥምየት ዝሳቐ ዘሎ ሕብዚ መግባዊ ርድኤ ክበጽሕ ንዝተወሰነ እዋን ኣብ ልዕሊ ኣብታ ሃገር ኣብ ዝንቀሳቐስ ዕጡቓት ኃይሊ ኣል ሻባብ ወሲድዎ ዘሎ ማዕቀብ ክዘልቕ ውሳኔ ከምዘመሓላለፈ ተሓቢሩ።

ብዛዕባ እዚ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ተኸሲቱ ዘሎ ደርቂን ሳዕቤናቱን ኣመልኪቶም ኣብ ኣፍሪቓ ናይ ሕክምን ኣገልግሎ ክሰፍሕን ናይ ክንክን ጥዕና ጉዳይ ዝሓሊ ግብረ ሠናይ ካብ ልዕሊ 50 ዓመት ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዘገልግል ዘሎ ኣምረፍ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ዘይ መንግሥታዊ ናይ ግብረ ሠናይ ማኅበር ሊቀ መንበር ማሪዮ ራፋኤሊ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ፣ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ብፍላይ ድማ ኣብ ሶማሊያ ናይ ሰብኣዊ ረድኤት ንምብጻሕ ዝግበር ጻዕሪ በቲ ኣብቲ ከባቢ ዘሎ ዘይምርግጋእ ዓቢ መሰናኽል የጓንፎ ከምዘሎን ገሊጾም፣ እቲ ኣብዚ እዋን ዝቐርብ ዘሎ ናይ ሰብኣዊ ረድኤት ካብቲ ቅድም ክብል ብዛዕባ ክቐርብ ዘለዎ ናይ ሰብኣዊ ረድኤት ዝምልከት ዝቐረበ ጸብጻብ ዝተሓተ እውን እንተኾነ ማኅበረ-ሰብ ዓለም ንናይ ቀርኒ ኣፍሪቃ ሕዝብ ድጋፍ ይንቀሳቐስ ኣሎ ኢሎም።

ዓለም ሓቆፍ ናይ መግብን ሕርሻን ማኅበር ኣብ ሮማ ብዛዕባ እቲ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ተኸሲቱ ዘሎ ደርቂ ዘስዕቦ ዘሎ ስእነት መግቢ ንምውጋድ ኣማእኪሉ ኣብ ዘካይዶ ኣኼባ ዝተኣትወ ናይ ሰብኣዊ ደገፍ ቃል ኣብ ግብሪ ንምውዓል ንምቅንብባርን ዝኣመተ ቀጻሊ ኣኼባ ኣብ ናይሮቢ ክካይድ ምዃኑ ኣዘኻኺሮም፣ ናይ ሶማልያ ጉዳይ ፍልይ ዝበለ ኢዩ፣ ብኣልቦ ማእከላይ መንግሥትን ኣልቦ ትሕቲ ቅርጽታትን ብዝኣመሰሉ ሽግራት ካብ ነዊሕ ዓመታት ዝተዓብለለት ኢያ፣ ኣቲ ኣብታ ሃገር ዝንቀሳቐስ ኣል ሽባብ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ናይ ዕጡቓት ኃይሊ ኣብ ሶማሊያ ዘይ መንግሥታውያን ናይ ግብረ ሰናይ ማኅበራት ከይንቀሳቐሳ ከልኪሉ ኢዩ፣ እዚ ድማ ኣብ ገለ ገለ ክፍሊ ሶማሊያ እቲ ኃይሊ ዕጡቓት ዝለዎ ተቐባልነት ክወርድ ከምዝገበሮን ስለዚህ እቲ ናይ ሰብኣዊ ረድኤት መደብ ምስ ናይ ከባቢ ኣካላት ምስ ዝግበር ስምምዕ ኣብ ግብሪ ይውዕል ኣሎ። ናይ ሰብኣዊ ረድኤት ምቕራብ ጥራሕ ዘይኮነ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ትሕቲ ቅርጽታት ምሕናጽን ብመግቢ ርእሰ ውሕስነት ከረጋገጽ ብዘኽእል ኣቕርቦት መሠረታዊ ደገፋት ዝተሰነየ ክኸውን ኣለዎ እንክብሉ ዝሃብዎ ቃለ ምልልስ ደምደሙ








All the contents on this site are copyrighted ©.