2011-08-02 13:58:22

ፍልሰታ ለማርያ “ፋሲካ እመ ኣምላክ”


ናይ ብዛንታይን ሥርዓት እትኽተል ካቶሊክ ቤተ ክርስትያንን ኦርቶዶስክ ቤተ ክርስትያን ትማሊ ብሓባር እቲ ዓሚዩቕ ማርያማዊ መንፈሳውነት ዝነበረሉ ወርሒ ንበዓለ ፍልሰታ ለማርያም ብናይ ቢዛንታይን RealAudioMP3 ሥርዓት ፋሲካ እመ ኣምላክ ዝብም መንፈሳውነት ዝነበረሉ ናይ ጸሎትን ጾሙን እዋን ከምእተጀመረ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።

ጸም ኣርብዓ ናብ ናይ ጎይታና ኢየሱስ በዓለ ትንሣሴ ዘሰጋግር ክኸውን እንከሎ ናይ ቢዛንታዊ መንፈስ ድማ ነዚ ሎሚ ዝጅመር ማርያማዊ መንፈሳውነት ንእሽተይ ጾመ ኣርብዓ ዝብም መጸውዒ ብምሃብ፣ ናብ በዓለ ትንሳኤ እመ አምላክ ወይ ድማ ፋሲካ እመ ኣምላክ ዘሰጋግር ምዃኑ ከምዘስተንትንን ከምዘስተምህርን ክፍለጥ እንከሎ፣ እዚ ካብ ዕለት 1 ነሓሰ ክሳብ ዕለት 14 ነሓሰ ዝፍጸመ ማርያማዊ መንፈሳውነት ሮማ ኣብ ዝርከብ ባሲሊካ ቅድስቲ ማርያም ኣብ ጎዳና ላታ ናይ ምሸት ካብ ሰዓት 9.30 ክሳብ ሰዓት 10.30 ብናይ ሚዛንታይን ሥርዓት መዝሙረ ዳዊት ብምድጋም መፍነሳውነት ጸጋ ዝመልኣ እኖ ኣምላኽ ዝጎልሓሉ ሊጡርጊያዊ ሥርዓት ከምዝፍጸም ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።

ዕለት 14 ነሓሰ ሮማ ኣብ ዝርከብ ጳጳሳዊ ባዚሊካ ሳንታ ማሪያ ማጆረ ብድጋምን ዜማን ዝተሰነየ ማርያማዊ መንፈሳውነት ዘጉልሑ መንፈሳውያን ንባባትን ጸሎት መዝሙረ ዳዊትን ክፍጸም ከዝምኾንነ፣ እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ብናይ ቢዛንታይን ሥርዓት ዓመታዊ ሥርዓት ሊጡርጊያ መዕጸዊ ክሳብ ዕለት 31 ነሓሰ 2011 ዓ.ም. ዘሎ እዋን ብዝተፈላለዩ ማያማዊ መንፈሳውነት ብዘንጸባርቑ በዓላት እውን ክስነ ምዃኖም ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።








All the contents on this site are copyrighted ©.