2011-08-02 15:12:50

ዝክረ ጻድቅ ይሄሉ ለዓለም። ዝክረ ዕረፍቲ መበል 150 ዓመት ቅዱስ አቡነ ያዕቆብ ዩስጢኖስ


ናይዞም አብ ዝሓለፈ ዘመን ናይ ኢትዮጵያን ኤርትራን ሰባኬ ወንጌል ናይ ዝኾኑ። መበል 150 ዓመት ዝኽሪ ዕረፍቲ። አብ ትውልዲ ዓዶም ሳን ፈለ ዝበሃል ክፍለ ሃገር ፖተንዛ ዓዲ ጣልያን ናይ ስብከተ ወንጌል ማኅበር ኃላፊ ብፁዕ አቡነ ፈርናንዶ ፊሎኒ በዘዕረግዎ መሥዋዕተ ቅዳሴ ትማሊ ተዘኪሩ ከምዝወዓለ ፊደስ ዝበሃል ናይ ዜና አገልግሎት አመልኪቱ፣
ነቲ ሥርዓት ዘሰናደዎ ሰበኻ መልፊ ራፖላ ቨኖዛ ኮይኑ ብፁዕ አቡነ ፈርናንዶ ፊሎኒ አብ ስብከቶም “እዛ ምድሪ እዚአ ብጀግንነታዊ ምስክርነት ቅዱስ አቡነ ያዕቆብ ዩስጢኖስ ዝጠጠዔት እያ፣ ስለዚ ነዚ ትእምርቲ ስብከተ ወንጌል ዝኾኑ ቅዱስ አቡነ ያዕቆብ ክንዝክር ከሎና ከማቲ አገልጋሊ እግዚአብሔር ር.ሊ.ጳ ጳውሎስ 6ይ ብዕለት 26 ጥቅምቲ አብ መዓልቲ ቅድስናኦም ዝበልዎ “ሐንቲ ጉድለት ጥራይ አላ ንሳ ኸኣ ብዙሕ ፍሉጥ ዘይምዃኖም” ድሕሪ ምባል ታሪኽ ሕይወት ቅዱስ አቡነ ያዕቆብ ዘርዚሮም።፣ ቅዱስ አቡነ ያዕቆብ ናብ ኢትዮጵያ አብ ዝተላእኩሉ ግዜ ብኩሉ ንአኦም መሲሎም ቋንቋኦምን ባህሎምን አጽኒዖም ንህዝቢ ሐበሻ ዓሚቊ ፍቅሮም ክገልጹ ዝኸአሉ ምዃኖም ገለጹ፣ ነዚ ከአ ምሉእ ግዜኦምን ኃይሎምን ነቲ ንሥርዓተ አምልኾን ቅዱሳት ጽሑፋትን ንባበ መለኮታዊ ባህሊ ሐብሻን ንምርዳእ ዝሕግዝ ቋንቋ ግዕዝ አብ ምጽናዕ አወፈይዎ፣ ናብ ስብከተ ወንጌል ንኢትዮጵያ ካብ ዝተላእኩሉ አብ ዓሥራይ ዓመቶም ሐዋርያዊ ኅየንተ ናይ ምድሪ ሐበሻ ብምዃን ብብፁዕ ካርዲናል ጉልየልሞ ማሳያ ቅብአ ጵጵስና ተቀበሉ፣ አብ ሐዋርያዊ አገልግሎቶም ንኲስኰሳ ውሉደ ክህነት ደቂ ዓዲ ቀንዲ አተኲሮ ብምሃብን ማእከላት ስብከተ ወንጌል ብምቋምን ዓቢ አበርክቶ ገይሮም፣ ክንዲ አብ ዓበይቲ ከተማታት ኣብ ሃገረ ሰባትን ድኻታትን ትሑታንን ሰባት አብ ዝነብርዎ ከባቢ ስብከተ ወንጌሎም አስፋሕፋሑ፣ ነዚ ኩሉ እንክገብሩ ግን ስደትን ጭንቅን መከራን አይተፈልዮምን፣ በዚ ከአ እዚኦም ዓቢ ቅዱስ ተሳቅዮም ጠምዮም ጸሚኦም አብ ቤት ማእሰርቲ እውን ማሲኖም፣” እንክብሉ ገድሊ ቅዱስ አቡነ ያዕቆብ ምስ ገለጹ አብዚ ግዝያት እዚ አብ ቀርኒ አፍሪቃ ወሪዱ ንዘሎ ደርቂ ብምዝካር ከኣ “አብዛ ቅዱስ አቡነ ያዕቆብ ብፍሉይ ዘፍቀርዋን ምሳአ ዝጠበቅዋን ምድሪ እዚአ ልዕሊ 12 ሚልዮን ብሐለንጊ ደርቅን ዓፀቦን ይሳቀ አሎ፣ ሕሱም ስእነት ሎሚ እውን አብ አፌፈት ታሪኽ ይኩሕኩሕ አሎ፣ ስለዝኾነ ከአ ቅዱስ አቦና ር.ሊ.ጳ በነዲክቶስ መበል 16 ነዞም 12 ሚልዮን ዝኾኑ ሰባት ብምዝካር ደጋጊሞም ርድኡ እናበሉ ዘዘኻኽሩና፣ ሀየኸስ ኩልና አብ መአዲ ዓለም ብሐንሳብ ንቀረብ ምስቶም ብስእነትን ድኽነትን ዝዋረዱ ዘለው ዘሎና ንካፈል፣” እንክብሉ ዘሎ ኩነታት ዘኪሮም፣ ንሕዝቢ ሳን ፈለ ከኣ ነቲ ወዶም ዝኾነ ቅዱስ አቡነ ያዕቆብ ብተግባር ዘምሃርዎም ሠናይ ውርሻ ብዓይኒ ስብከተ ወንጌል ተገንዚቦሞ ነዞም ናይ ዘመንና ማኅበረሰብ ዓለም ወትሩ ዝርስዕም መሳኺን ቈላሕታ ክገብሩ አተሓሳሲቦም፣
ፍረ ስብከተ ወንጌሎም ዝኾኑ ካህናት ካብ ጳጳሳዊ ኢትዮጵያዊ ኮለጅ ካብ ማኅበር ሲታውያን ካብ ማኅበር ልኡካን ወይ ላዛሪስት አብዚ በዓል ተሳቲፎም ከምዝነበሩ እውን ካብ ቦታኡ ዝመጸ ዜና አመልኪቱ።።








All the contents on this site are copyrighted ©.