2011-07-30 13:32:42

ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንእሰያትን መራኸቢ ብዙኃንን


ብሓልዮት እንተ ላእለ ኩሉ ቤተ ክርስትያን በቢ ዓመቱ ዝዳለው መደብ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንእሰያት ለብዘበ ካብ ዕለት 16 ነሓሰ ክሳብ ዕለት 21 ነሓሰ 2011 ዓ.ም. ኣብ ማድሪድ ክካይድ ምዃኑ ብተደጋጋሚ ከምእተሓበረ እንክዝከር ብዛዕባ እዚ መበል 26 ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንእሰያት ዝምልከት ዝተሓላለፍ ሓበሬታን ዝወሃቡ መግለጽታትን ዝካየዱ ዘለዉ መደብ ምቅርራባትን ብምዕባለ ኢደ ጥበብ ዝተራቑ መራኸቢ ብዙኃን እዚ ድማ ብዝስማዕ ናይ ድምጽን ምርኢትን RealAudioMP3 ዝተሰነየ መራኸቢ ብዙኃን ጥራሕ ዘይኮነስ በቲ ነዚ ድምጽን ምርኢትን ከምኡ ድማ ናይ ኢድ ቴሌፎን ስልኪ ኣልቦ ኣገልግሎት መርበብ ሓበሬታ ብዝጠቓለለ ማለት ብኣይፎን ብቐጥታ ንምክትታል ከምዝከኣል ትማሊ ካብ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜና ክፍሊ ማኅተም ዝተውሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።

እዚ ብማኅበር ደገፍ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ድላይ ዝቐረበ ሓሳብ ናይ ዓለማውያን ምእመናን ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ኃልዮት ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ኣጽዲቑን ኣብ ግብሪ ክውዕል ከምዝገበሮን ናይዚ ሜላ ተገልጋሊ ንምዃኑ ዝሓቶ ዋጋ 3,99 ኤውሮ ምዃኑ ክምልከት እንከሎ፣ ኣቲ ዝርከብ እቶት ነቶም ናብቲ ናይ ማድሪድ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንሰያት ክሳተፉ ድላይ ዘለዎም ክነሶም ዓቅሚ ኤኮኖሚ ንዘይብሎም ንምድጋፍ ዓሚቱ ዝተረጋገጸ መደብ ምዃኑ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜና ክፍሊ ማኅተም መግለጺ ይሕብር።

ብዛዕባ’ዚ መደብ’ዚ ኣመልኪቶም ማኅበር ደገፍ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ሊቀ መንበር ማርቸሎ በደስኪ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ፣ ኣቲ ብኃልዮት እንተ ላእለ ኵሉ ቤተ ክርስትያን በቢ ዓመቱ ዝዳለው ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንእሰያት፣ ንገዛእ ርእሱ ምዕራፍ ታሪኽ ቤተ ክርስትያንን ዓለምን እናኾነ ይኸይድ ከምዘሎን ብዛዕባ እዚ መደብ ዝተፈላለዩ ጨናፍር ሥነ ምርምርን ዝከታተልዎም መጽናዕቲ ዝገበረሉ እናኾነን ብዛዕባ መንእሰይ ኣብ ዝገበር ኩለ መዳያዊ መጽናዕቲ ዝውከስዎ ታሪኽ እናኾነ ይምዕብል እውን ስለ ዘሎ፣ ነዚ ኣብ ግምት ብምእታው ናይዚ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንእሰያት ሠረት መዋህለሊ ጭብጥታትን ጸብጻባትን ዘለዎ እናኾነ፣ ነቶም ተመራመርትን ብዛዕባ እዚ መደብ እንተ ላእለ ኵሉ ቤተ ክርስያን ክርድኡን ከጽንዑን ንዝደልዩ ዘድልይ ጭብጥታት ግቡእ ሓበሬታ ዘቕርብ ኮይኑ ከምእዝቖመን፣ ብዛዕባ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንስያት ቀጻሊ ሓበሬታ ዝቐርበሉን ናይ ዓለማውያን ምእመናን ዝሓሊ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ዘሳልጦም መደባትን ዘካይዶም ዓውደ መጽናዕታት እውን ዘደገፈ ሓበሬታን ጸብጻብን ዝቐረብሉ ክምዝኽውን ሓቢሮም፣ ነዚ ኹሉ ኣብ ግምት ብምእታው ብምዕባለ ኢደ ጥበብ ዝተራቀ መራኸቢ ብዙኃን እዚ ድማ ብዝስማዕ ናይ ድምጽን ምርኢትን ናይ ኢድ ቴሌፎንን ስልኪ ኣልቦ ኣገልግሎት መርበብ ሓበሬታ መራኸቢ ብዙኃን ብዝጠቓለለ መጋበርያ መሠረት ንምክትታል ዝሓቀነን እቲ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንሰያት ዘለዎ ዓቢይ ክቡር ዋጋ ግምት ዝሃበ መደብ ምዃኑ ገሊጾም ዝሃብዎ ቃለ ምልልስ ኣጠቓሊሎም።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ኣብቲ መበል 26 ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንእሰያት ብናይ ቪየና ሊቀ ጳጳስን ናይ ኦስትሪያ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ሊቀ መንበር ብፁዕ ካርዲናል ክሪስቶፍ ሹዩንበርን ናይ ኦስትሪያ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ናይ መንሰያት ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ዝከታተል ቤት ጽ/ፈት ሓላፊ ብፁዕ ኣቡነ ሽተፋን ቱርኖቭስክይ ብናይ ቅዱስ ፒዩልተን ሊቀ ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ክላውስ ኪዩንግን ከምኡ ኣውን ብብፁዕ ኣቡነ ፍራንዝ ላክነርን ብፁዕ ኣቡነ ፍራን ሻርል ዝተሰነዩ ልዕሊ 2500 መንሰያታ ኦስትሪያ ክሳተፉ ምዃኖም ብፁዕ ኣቡነ ቱርኖቭስክይ ዝሃብዎ መግለጺ ዝጠቐሰ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።








All the contents on this site are copyrighted ©.