2011-07-30 14:38:39

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ.፦ ምእንቲ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንእሰያት ክጽለ


ብሓልዮት እንተ ላእለ ኩሉ ቤተ ክርስትያን በቢ ዓመቱ ዝዳለው ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንእሰያት ለብዘበ ካብ ዕለት 16 ነሓሰ ክሳብ ዕለት 21 ነሓሰ 2011 ዓ.ም. ቅዱስ ኣቦና ብዝሃብዎ ውሳኔ መሠረት ኣብ ስፐይን ርእሰ ከተማ ማድሪድ ክካይድ ምዃኑ ቅድም ክብል ክምእተገልጸ እንክፍለጥ፣ እቲ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንእሰያት ኩሉ መንእሰይ ዓለም፣ ሕይወቱ ኣብ ክርስቶስ ከንብርን ከጽንዕን ዘብቕዖ ሓይሊ ዘጸግዎ ክኸውን መታን፣ ወርሒ ነሓሰ 2011 ዓ.ም. ኣብ ኩላዊት RealAudioMP3 ቤተ ክርስትያን ናይ ጸሎት ሓሳብ ክኸውን ከምዘተሓሳሰቡ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ እንከመልክት፣ ብዛዕባ እዚ ናይ ቅዱስ ኣቦና ናይ ጸሎት ሓሳብ ኣመልኪቶም ናይ ኢጣሊያ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ናይ መንእሰያት ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ዝሓሊ ቤት ጽ/ፈት ሓላፊ ኣባ ኒኰሎ ኣንሰልሚ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ፣ ቅድም ክብል ብድላይ ር.ሊ.ጳ. ብፁዕ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ቀጺሉ ብቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንእሰያት፣ ቅድሚ ዅሉ ተልእኾ ሓዋርያዊ ንግደት ምዃኑ ከምዘመልከቱ ኣንክፍለጥ፣ ቅዱስነቶም መንእሰያት ኵሎም ምስኦም ሓቢሮም ልኡካነ ወንጌል ክኾኑ ዓዲሞም፣ ኣብቲ ኣብ ስፐይን ዝፍጸምዎ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ከሰንይዎምን ምሳኦም ሓቢሮም ክጓዓዙን ከምዝተሓሳሰቡ ገሊጾም። ናይ መንእሰይ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ መራሕትን ሓነጽትን ሕይወት ኩሉ መንእሰይ ኣብ ክርስቶስ ክጸንዕን ክሥረትን ከገልግሉን እንክብሉ ቅዱስ ኣቦና ዘቕረብዎ ምዕዳን ድላይ እግዚኣብሔር ከምዝኾነን ስለዚህ ድማ ናይ መንእሰይ ጻዕሪ ዘይኮነ፣ መንእሰይ ሕይወቱ ኣብቲ ሓቀይና ሕይወት ከጽንዕ ዝጽውዕ ባዕሉ እቲ ሓቀይና ሕይወት ዝኾነ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኢዩ ኢሎም።

ቤተ ክርስትያን ኣብ ልዕሊ መንእሰይ ዘለዋ ግምት ዓቢ ኢዩ እንክብሉ ቅዱስ ኣቦና ንመንእሰይ ወለዶ ዝገለጽዎ ሓሳብ፣ መንእሰይ ናይቲ ንመንእሰይ ኣተኲይሩ ዝሕንጸጽ መደብ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ተቐባሊ ጥራሕ ዘይኮነስ፣ ንቁሕ ተዋሳኢ ናይቲ መደብ እውን ምዃኑ ዘነጽር ኢዩ። እዚ ድማ ኣብ ኩላዊት ቤተ ክርስትያን ሊጡርጊያን ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስን ብዝተፈላለየ መልእክዕን ሓላፍነትን ዝንበር ምዃኑ ሓቢሮም፣ ኣብ ቅጽሪ ቁምስናታት ዝሕጸር ዘይኮነስ ኣብ ማኅበራዊ ፖለቲካ እውን ዝንበር ኃላፊነት ኢዩ ኢሎም። ብፁዓን ጳጳሳት እውን ነዚ ናይ ቅዱስ ኣቦና ሓሳብ ዘማእከለ መንእሰይ ካቶሊክ ኣብ ማኅበራውን ፖለቲካውን ኤኮኖሚውን መዳይ ሱታፌኡ ክገልጾን ክነብሮን ከምዘተሓሳስቡ ክቡር ኣባ ኒኰሎ ኣንሰልሚ ሓቢሮም፣ መንእሰይ እምነቱ ኣብ ኵሉ መዳይ ክነብርን ዝጥቀመሉ ቋንቋን ኣነባብራኡን ኣብ ማኅበራዊ ጉዳይ ሱታፌኡን ወንጌል ኣብ ሕይወት ዝገልጽ ክኸውን ዘነቓቕሕ ኢዩ ቢሎም፣ መንእሰይ ወለዶ ከምቲ ንር.ሊ.ጳ. ብፁዕ ዮሓስን ጳውሎስ ዳግማዊ ጽን ቢሉ ምዕዳኖምን ሥልጣናዊ ኣስተምህሮታቶምን ክሰምዕ ዝደልዮ ዝነበረ ከምኡ እውን ናይ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ሥልጣናዊ ኣስተምህሮን ምዕዳንን ብዑምቀት ጽን ክብል ዓቢይ ሃረርታ ከምዘለዎ ሓቢሮም ዝሃብዎ ቃለ ምልልስ ደምደሙ።








All the contents on this site are copyrighted ©.