2011-07-30 13:34:21

መበል 150 ዓመት ዝኽሪ ዕረፍቲ ኣቡነ ቅዱስ ያዕቆብ ዩስጢኖስ


ናይ ኣሕዛብ ኣስፍሆተ ወንጌል ዝሓሊ ቅዱስ ማኅበር ኅየንተ ብፁዕ ኣቡነ ፈርናንዶ ፊሎኒ ብመበል 150 ዓመት ዝኽሪ ዕረፍቲ ኣቡነ ቅዱስ ያዕቆብ ዩስጢኖስ ኣብ ኢትዮጵያን ሰባኬ ወንጌል ምኽንያት ብዝተፈላለየ RealAudioMP3 ናይ ኣስተምህሮን መንፈሳውን ባህላውን መርሃ ግብርታት ተሰንዩ ኣብ ሰበኻ መፊ ራፖላን ቨኖሳን ንዝካየድ ዘሎ መደብ መዕጸዊ ጽባሕ ሰንበት ሰዓት ኣርባዕተ ኣብታ ቅዱስ ዩስጢኖስ ዝተወለዱላ ከተማ ቅዱስ ፈለ መሥዋዕተ ቅዳሴ ከዕርጉ ምዃኖም ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት የመልክት።

ብምኽንያት እዚ ዓቢይ በዓል ኣብቲ ቅዱስ ያዕቆብ ዩስጢኖስ ስብከስተ ወንጌል ዝፈጸመሉ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ብፍላይ ድማ ኣብ ሶማሊያ ተኸሲቱ ዘሎ ደርቅን ስእነት መግብን መፍትሒ ክረክብ ጻውዒት ዝቐረበሉን ኣብዚ በዓል ሱታፌ ናይ ኣሕዛብ ኣስፍሆተ ወንጌል ዝሓሊ ቅዱስ ማኅበር ነቲ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ተኸሲቱ ዘሎ ሰብኣዊ ሽግር ንምእላይ ቤተ ክርስትያን ክሳብ ክንደይ ከምእትጽዕርን ኣሕዛብ ኣብነት ቤተ ክርስትያን ኣምሪሑ ንቀርኒ ኣፍሪቃ ኣብ ምድጋፍ ክነቅሑ ኅሊና ንምንቅቓሕ ዝኣመተ እውን ከምዝኾነ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።







All the contents on this site are copyrighted ©.