2011-07-29 13:30:00

ብፁዕ ካርዲናል ሮኮ ቫረላ፦ ዋሕዲ ሕዝቢ ኣብ ስፐይንን ኤውሮጳን


ኤውሮጳ ዘጓንፋ ዘሎ ናይ ኤኮኖምን ቁጠባን ቅልውላው ጥራሕ ዘይኮነስ ካብኡ ዝገደደ መሠረት ኵለ መዳያዊ ቅልውላው ዝበሃል እናሰፍሔ ዝኸይድ ዘሎ ዋሕዲ ሕዝቢ ምዃኑን ናይ መጻኢ ተስፋ ሃገር ዜጋ መጻኢ ዝውክል ክፍሊ ኅብረተሰብ ዋሕዲ ዓቢይ ሽግር ምዃኑ ናይ ስፐይን ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ሊቀ መንበር ናይ ማድሪድ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ካርዲናል ኣንቶኒዮ ማሪያ ሮኮ ቫረላ መንእሰይን ካቶሊክ ቤተ ክርስትያንን ብዝብል ኣርእስቲ ተመሪሑ ንናይ መንሰያት ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ሓልዮት ዘተኮረ ኣብ ንጉስ ኹዋን ካርሎስ መንበረ ጥበብ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ክካይድ ዝቐነየ ዓወደ መጽናዕቲ መዕጸዊ ኣብ ዘቕረብዎ ኣስተምህሮ ከምዘመልከቱ ሎ ሶርቫቶረ ሮማኖ እተሰምየ ናይ ቅድስቲ መንበር ዕለታዊ ጋዜጣ ኣብ ናይ ትማሊ ሕትመቱ የመልክት።

ኣብ ስፐይን ኮነ ኣብ ኤውሮጳ ዋሕዲ መንእሰይ ወለዶ ይሰፍሕ ከምዘሎን፣ ሰብ ቃል ኪዳን ካብ ምውላድ እናተቖጠቡ፣ ናይ ቃል ኪዳን መሠረታዊ ቅዱስ ትርጉሙ እናሰሓቱ፣ ምሥጢረ ተክሊል ብሓደ ምንባር ዝብል ተራ ትርጉም መሠረት ይነብርዎ ብምህላዎም፣ እዚ ድማ ሥድራ ቤት ንኽኾኑ ዝተቐበልዎ ጸዋዕታ ከይነብሩ ዝድርኾም ከምዝኾነ ተንቲኖም፣ ዋሕዲ ሕዝቢ ናይ ኤውሮጳ ብርታዔ ሕይወት ዘብርስን ኤኮኖሚያውን ማኅበራውኢ ከይድን ክርስትያናዊ መበቆል ዘለዎ ባህሊ ኤውሮጳ ዝሓሲ ኢዩ ከምዝበሉ ሎ ሶርቫቶረ ሮማኖ ሓቢሩ። እቲ ብሓልዮት እንተ ላእለ ኩሉ ቤተ ክርስትያን በቢ ዓመቱ ዝዳለው ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንእሰያት ካብ ዕለት 16 ነሓሰ ክሳብ ዕለት 21 ነሓሰ 2011 ዓ.ም. ቅዱስ ኣቦና ብዝሃብዎ ውሳኔ መሠረት ኣብ ማድሪድ ንኽካየድ ተወሲኑ ዘሎ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንሰያት ክርስትያናዊ መበቆል ዘለዎ ባህሊ ዘድምዕን፣ ኢየሱስ ንምድላይ ዝግበር መንፈሳዊ ንግደት ኮይኑ፣፣መንእሰይ ወለዶ ብቤተ ክርስትያንን ብተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ተመሪሑን ምስ ቤተ ክርስትያንን ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ እምነት ዝነበር ክኸውን ዘተባብዕን ናይ ጽባሕ ዋሕስ ዝኾነ ብዝሒ መንእሰይ ወለዶ ክብ ክብል ዘተባብዕ እውን ከምዝኸውን ተስፋ እገብር ከምዝበሉ ጋዜጣ ቅድስቲ መንበር ሓቢሩ።







All the contents on this site are copyrighted ©.