2011-07-29 13:28:04

መደብ ምጅማር ረቡዓዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ቅዱስ ኣቦና


ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ብናይ ሓጋይ ዕረፍቶም ምኽንያት ነቲ ንሓደ ወርሒ ኣቋሪጸምዎ ዘለዉ መደብ ረቡዓዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ዕለት 3 ነሓሰ 2011 ዓ.ም. ክጅምረዎ ምዃኖም ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።

ካብ ዕለት 4 ግንቦት 2011 ዓ.ም. ቅዱስነቶም ጸሎት ዘማእከል ጀምረምዎ RealAudioMP3 ኣብ ዝነበሩ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ፣ ጸሎትን ምጽላይን ካብ ምምሃር ከይንቦክር ብምትሕስሳብ፣ ጸሎት ብመንፈሳውነት ክብ ዝበለን ዘይበለን ይኹን ብጠቕላላ ኣብ ሕይወትና ሸለል ክበሃል ወይ ድማ ግምት ዘይምሃቦ ከይከውን ሓደራ ከምዝበሉ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ የዘኻኽር።

ናይ ኩሉ ዘመን ሰብ ኣብ መዓሙቕ ልቡ ጸሎት ዝተነብረሉ ኢዩ። እዚ ድማ ብእግዚኣብሔር ዝተፈጥረ ብምዃኑ፣ ናብ እግዚኣብሔር ዝማረኽን ብባህርዩ ናብ እግዚኣብሔር ዘማዕድው ስለ ዝኾን ኢዩ። ስለዚህ ኣብ ታሪኽ ካብ ጥንቲ ብፍላይ ድማ ካብቲ ሶሎ ራዚዮ- ኣእምሮ ንበይኑ /ምርምር ጥራሕ ንበይኑ ይኣክል ኣብ ዝብል ፍልስፍናዊ ኣምር ተመርኵይዙ ሃይማኖት ኣብ ሕይወት ሰብ ባይታ የብሉን ዝብልን፣ ካልኦት እቲ ናይ ወዲ ሰብ ናብ እግዚኣብሔር ዘማዕድው ደረት ሰገር ዝምባሌኡ ክሓኩ ዝፈተኑ ፍልስፍናታት ኮሎም ወዲቖም ኢዮም። ካብ ወዲ ሰብ ልብን ኣእምሮን ድላይን ዋላ’ኳ ብዙሕ እተተጽዓረን ርእሰ ብቕዓት እውን እንተማዕበለን እቲ ንእግዚኣብሔር ሃረር ዝብል ዝንባሌኡ ምሕካኽ ፈጺሙ ዝከኣል ኣይኮነን፣ ምኽንያቱ ሰብ ንገዛእ ርእስ እኹል ከምዘይኮነ ተመክሮ ስለ ዝገብር ድማ ናብቲ “ካልእ” ዘይንሱ ዝኾነ ነቲ ዝጎድሎ ክመልኣሉ ናብ ዝኽእል ገዛእ ርእሱ ክፉት ይገብር። ወዲ ሰብ ናይቲ ደረት ኣልቦን ወይ ድማ ኢትኣላውነት ጽምኣት ኣለዎ፣ እዚ ድማ ዘለኣለማውነት ዝናፍቕ ምዃኑን ነቲ ምሉእ ጽባቔ ሃረር ዝብልን፣ ፍቕሪ ዘናድን ናብቲ ፍጹም ኣካል ዝድርኽዎ ብርሃንን ሓቅን ዘድልዮ ኢዩ። ሰብ ኣብ ውሻጤኡ ድላይ እግዚኣብሔር ዘለዎ ፍጡር ኢዩ እንክብሉ ዕለት 11 ግንቦት 2011 ዓ.ም. ኣብ ዘቕረብዎ ረቡዓዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ከምዘረድኡ ናይ ቅድስቲ መንበር መገልጺ የዘኻኽር።

ወትሩ ምጽላይ ማለት ምስ እግዚኣብሔር ምዝታይን ምዝራብን ወይ ድማ ምስኡ ምዃን ምለት ኢዩ። እዚ ተመክሮ’ዚ ድማ ንዅሉ ኢዩ። ትርጉም ናይ ጸሎት እዚ ክነሱ ኣብ ግብሪ ምውዓሉ ቀሊል ኣይኮነን፣ ከቢድ ዘብሎ ድማ እቲ ብዛዕባ ጸሎት ዘሎና ጉጉይ ርድኢትን ወጥሪ ምድንጋራትን ዝፈጥሮ ኢዩ። ጸሎት ኣብ ገዛእ ርእስኻ ተዓጺኻን ናይ ምጽንናዕ ኣድማስ ዘለዎ ውልቃዊ ተግባር ገይካ ክትነብሮ ዝከኣል ኢዩ። ኣቲ ሓቀይና ጸሎት ገዛእ ርእስኻ ነቲ ሓቀይና ፍቕሪ ከተርህው ካብቲ ጸቢብ ውልቃዊ ኣነነት ዘማእከለ ቦታ ዘላቐቕ ኢዩ። እግዚኣብሔር ምእንቲ ንናይ ገዛእ ርእስኻ ውጥናትን ዕላማታትን ዝናደይ ኣይኮነን፣ ሓቀይና ጸሎት ናይ ገዛእ ርእስኻ ፍቓድን ድላይን ዘይኮነስ ናይ እግዚኣብሔር ድላይን ፈቓድን ንኽትስዕብ ዘብቕዓካ ኢዩ። ስለዚህ ኣነን እግዚኣብሔር ተባሂሉ ብምሥጢራዊ ምቅርራብ ዝነበር ዘይኮነስ፣ ካብቲ ሓቀይና ርክብ ብዝነቐለ መንፈስ ኣብ ዓለምን ኅብረተሰብን ብቕንዕናን ብኃላፍነትን ክንዓይ ንተባባዕ። ብትኽክልን ቅንዕናን ምንባር ብዙሕ ጸገም ዘስዕብ እውን እንተኾነ፣ ኣብቲ ዘይጽንቀቕ እሙን ፍቕሪ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ተኣሚና ክሳብ ፍጻሜ ክንትግብሮ ይድግፈና እንክብሉ ዕለት 4 መጋቢት 2011 ዓ.ም. ኣብ ዘቕረብዎ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ከምዘመልከቱ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ የዘኻኽር።

ጸሎት ምጽላይ ወይ ድማ ጸላይ ምዃን ቀሊል ኣይኮነን፣ ጽንዓትን ትግሃትን ዝሓትት ምዃኑ ታሪክ ቃልሲ ያዕቆብ ምስ እግዚኣብሔር ጠቒሶም፣ ኣብቲ ቃልሲ እንዕወት ነቲ ፍቕሪ እግዚኣብሔር ገዛእ ርእስና ከነማርኽ እንከለና ጥራሕ ኢዩ። ስለዚህ ጸሎት ናይ ገዛእ ርእስና ቓላት ትም ኣቢልና እግዚኣብሔር ጽን እንብለሉ ቅዱስ ተግባር ስለ ዝኾነ፣ ቀሊል ዘይኮነስ ቃልሲ ኢዩ ከቢድ እውን ኢዩ። ኣብ ጸሎት ነቲ ናብ መዓሙቕ ኅላዌና ዝመርሓና ናይ ሕይወት ዓይኒ ማይ ፈልፋሊ ድሕነት፣ ካብቲ ድሩት ሕይወትና ሰገር ቀኒዕና ንእግዚኣብሔር ገዛእ ርእስና ክንከፍትን ምስቲ ደረት ኣልቦ ፍቕሪ ርክብ ከነጽንዕን ዝድርኸና ሓቀይና ሱቕታ ንመሃር እንክብሉ ዕለት 11 ግንቦት 2011 ዓ.ም. ኣብ ዘቕረብዎ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ከምዝተንተኑ መግለጺ ቅድስቲ መንበር ይሕብር።

ዝጽልይ ማለት ኣብ ፍቕሪ እግዚኣብሔር ዉልዳውነቱ ዝተኣማመን ጥራሕ ኢዩ ናብ ዘለዓለማዊ ሕይወት ማለት ናብ እግዚኣብሔር ዝኣትው፣ ስለዚህ ጸሎት ተወሳኺ መሣርሒ ወይ ድማ ኣማራጺ መጋበርያ ዘይኮነስ ናይ ኅላዌን ሞትን ሕቶ ኢዩ እንክብሉ ዕለት 4 መጋቢት 2007 ዓ.ም. ኣብ ዘቕረብዎ ትምህርተ ክርስቶስ ኣስተምሂሮም ከምዝነጸሩ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ የዘኻኽር።








All the contents on this site are copyrighted ©.