2011-07-19 15:14:50

ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንእሰያት 2011 ዓ.ም.


ብሓልዮት እንተ ላእለ ኩሉ ቤተ ክርስትያን በቢ ዓመቱ ዝዳለው ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንእሰያት ለብዘበ ካብ ዕለት 16 ነሓሰ ክሳብ ዕለት 21 ነሓሰ 2011 ዓ.ም. ቅዱስ ኣቦና ብዝሃብዎ ውሳኔ መሠረት ኣብ ስፐይን ርእሰ ከተማ ማድሪድ ክካይድ ምዃኑ ቅድም ክብል ክምእተገልጸ ክፍለጥ እንከሎ፣ ኣብዚ ድሕሪ ሓደ ወርሒ ዝረጋገጽ መበል 26 ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንእሰያት ክሳብ እዛ እዋን እዚኣ ካብ 182 ሓገራት ዝተዋጽኡ 440 ሺሕ መንእሰያት ክሳተፉ ምዃኖም ናይዚ RealAudioMP3 ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንእሰያት ኣሰናዳኢ ኮሚቴ ዘውጽኦ መግለጺ እንከመልክት፣ ትማሊ ትእምርቲ ናይ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንእሰያት ዓባይ ቅዱስ መስቀልን ሕጻን ኢየሱስ ዝተሓቝፈት ምስሊ ቅድስቲ እኖ ኣምላኽ ነዚ በዓል ምኽንያት ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራትን ኣብ ናይ ስፐይን ቁምስናታት ዑደት ድሕሪ ምፍጻም ኣብ ማድሪድ ቅድስቲ ማርያም ላ ረኣል ደ ላ ኣልሙዴና ካቴድራል በጺሑን ናይ ማድሪድል ሊቀ ጳጳስ ብፁዕ ካርዲናል አንቶኒዮ ማሪያ ሩኮ ቫረላ ብዝመርሕዎ ናይ ጸሎት ሥነ ሥርዓት ከምእተፈጸመ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንሰያት ኣሰናዳኢ ኮሚቴ ዝዘርግሖ መገልጺ ሓቢሩ።

ኣብ መላእ ሃገራት ዓለም ብዛዕባ እዚ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ዝምልከትን ነቲ በዓል ብምክትታል ብመርበብ ሓበሬታ መግለጽታትን ኣስተምህሮታት ቅዱስ ኣቦናን ብሓፈሻኡ ናይቲ በዓል መግለጺ ብስእልን ጽሑፍፋትን ዝተደገፈ ሓበሬታ ዝዝርገሓሉ ዝተፈላለዩ ኣድራሻታት መራኸቢ ቡዝሃንን ይሰፍሕ ከምዘሎ እውን እንክንገር፣ እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ እነሆ መዝገበ ሃይማኖት ትምህርቲ ካቶሊክ ቤተ ክርስትያን መሠረት ዝገበረ ብፍላይ ንናይ ማድሪድ መበል 26 ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንእሰያት ኣሚቱ ዝተዳለው መደግፍታ ሰነድ ትምህረተ ክርስቶስ ዕለት 14 ሚያዝያ 2011 ዓ.ም. ኣብ ቫቲካን ናይ ዜና ክፍሊ ማኅተም ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ወግዓዊ መግለጺ ተዋሂቡሉ ንንባብ ከም ዝበቕዔ ክዝከር እንከሎ፣ እዚ ዩካት ብዝብል ኣርእስቲ ዝልለ ናይ መንሰያት እምነት መባራትዒ ተባሂሉ ዝተደርሰ 527 ሕቶታትን መልስታቶምን ዘጠቓለለ ብናይ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንእሰያት ሓፈሻዊ ሽድሽተ ቋንቋታት ድሮ ተተርጒይሙ ንንባብ ዝቐረበ መዝገበ ሃይማኖት ትምህርቲ ካቶሊክ ቤተ ክርስትያን ንመንእሰያት መደግፍታ ሰነድ ትምህረተ ክርስቶስ ነቲ ዋና መዝገበ ሃይማኖት ትምህርቲ ካቶሊክ ቤተ ክርስትያን ዝትክእ ዘይኮነስ ናብቲ ዋና መዝገበ ሃይማኖት ትምህርቲ ካቶሊክ ቤተ ክርስትያን ዘሰንይ ኢዩ ኢሎም።

እዚ መዝገበ ሃይማኖት ትምህርቲ ካቶሊክ ቤተ ክርስትያን መሠረት ዝተዳለው መደግፍታ ሰነድ ትምህረተ ክርስቶስ ንመንሰያት እምነት ውልቃዊ መንፈሳዊ ኣስተንፍሶ ወይ ድማ ሃይማኖታዊ ስምዒትን ሥነ ሓሳባውን ዘይኮነስ ሓቂ ናብ ምፍላጥ ዝመርሕ ኣገባብ ኢዩ። ምስ ሓደ ክውን ኩነት ዘራኽብን እዚ ድማ ምስ ሓደ ኅያው ሰብ ማለት ምስ ጎይታና ኢየሱስ ክርስትቶ ንምርኻብ ዝድግፍ ኢዩ።

እዚ መዝገበ ሃይማኖት ትምህርቲ ካቶሊክ ቤተ ክርስትያን ንመንእሰያት ናይ ቅዱስ ኣቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ድላይ ዘንቀሎን ካብ መጀመርታ ክሳብ ፍጻሜ ድማ ብቐረብ ብምክትታል መሪሕ ቃልን ሥልጣናዊ ትምህርትን ብምቕራብ ዝመርሕዎ ኮይኑ ናይዚ መዝገብ መእተዊ ብቕድስነቶም ዝተደርሰ ምሪሕ ትምህርቲ ዘጠቓለለ ከምዝኾነ እውን ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ የመልክት።

እዚ መዝገበ ሃይማኖት ትምህርቲ ካቶሊክ ቤተ ክርስትያን መሠረት ገይሩ ንናይ ማድሪድ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንእሰያት ኣሚቱ ዝተዳለው መደግፍታ ሰነድ ትምህረተ ክርስቶስ ነቲ ብዝተፈላለዩ ባህልታት ዝተገማምዔ ሓባራዊ መርገጺ እምነት ስኢኑ ተደናጊሩ ዝጓዓዝን በቲ እዋናዊ ዝተፈናጨለ ባህልታት ምኽንያት ብዛዕባ ሕይወት ሥሙር ርእየት ከይህልዎ ዝድረኽ መንእሰይ ወለዶ ሕይወት ዝድግፍ ኢዩ። እምነት ብተራ ቋንቋን በቲ መንእሰይ ክርድኦ ብዝኽእል ዓይነት ኣጠቓቕማ ቃላት መሠረት ዝቐረበን፣ ኣብ ዝኾነ ይዅን እዋን ኣብ እምነት ዝድግፍን እምነት ዘነጽር መዝገብ ከምዝኾነ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።







All the contents on this site are copyrighted ©.