2011-07-19 14:59:53

ሓዋርያዊ ልኡኽ ቅድስቲ መንበር፦ ደቡብን ሰሜን ሱዳንን ሕድ ሕዳዊ ምድልላይ


እታ መበል 54 ኣፍሪቃዊት ሃገር ኮይና ዕለት 9 ሓምሌ 2011 ዓ.ም. ዝቖመት ነጻነታ ብወግዒ ዝተኣወጀላ ብዙኃን ዜጋታት ናይ ክርስትና እምነትን ከምኡ ድማ ናይ መናፍስቲ ሃይማኖት ሰዓብቲ ሃገረ ደቡብ ሱዳን ከም ሉኣላዊት ሃገር ቀዳሞት ስጉምትታት ተሳልጥ ከምዘላን እዚ ታሪኻዊ ለውጢ’ዚ ንደቡብ ሱዳን ጥራሕ ዘይኮነ RealAudioMP3 ኣብታ ዓረብን ናይ ምስልምና ሃይማኖት ሰዓብትን ዜጋታት ዝነብሩላ ሰሜን ሱዳን እውን እወታዊ ጽልዋ ከምዝህልዎ ዝተረጋገጸ ምዃኑ ኣብ ሱዳን ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ወኪል ብፁዕ ኣቡነ ለዮ ቦካርዲ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ ሓቢሮም።

ኣብቲ ዝተኻየደ በዓል ወግዓዊ ምእዋጅ ነጻነት፣ ካብ ፍርቂ ሚሊዮን ንላዕሊ ዝግመት ሕዝቢ ናይታ ሓዳሽ ሬፓብሊካዊት ሃገር ሰንደቕ ዕላማ ኣልዕሊ ዝገለጾ ታሕጓስን ኣብ መንጎ ናይዛ ሓዳሽ ሃገር ርእሰ ብሔር ሳልቫ ኪርን ናይ ሰሜን ሱዳን ርእሰ ብሔር ኣል ባሺር ዝተፈጸመ ምዑቕ ናይ ሰላምታ ምልውዋጥ ዝተራኣየሉ ኃዋሁ፣ ሕጂ እውን ገና ኣብ ኣእምሮኦም ተሓቲሙ ከምዘሎን፣ ኣብ ኣፍሪቃ ምሉእ ብምሉእ ባዕዳዊ መግዛእቲ ዘብቕዔ ምዃኑን ናይ ሱዳን ምጅማር ሓድሽ ናይ ታሪኽ ምዕራፍ ዘበሥር ታሪኻዊ ኩነት ዝተጻሕፈሉ ዕለት ኢዩ ኢሎም።

ክልቲኣተን ሃገራት ሰናይ ማሕበራውን ኤኮኖሚያውን ርክባት ዝተነበረሉን ሰላም ዝዓሰሎ ጉርብትና ከረጋግጻን፣ ሕድ ሕዳዊ ምድልላይ ዘይተርፍ ምዃኑን ሓቢረን ክጓዕዛ ከምዘለወን ድማ ኣሚነን፣ ዶባታን ተነጺሩ ሉኣላውያን ክልተ ዝተፈላለያ ሃገራት ምዃነን ኣብ ዝገልጽ ፍልልይ ዝቖመ ክሌኣዊ ኅብረት ክነብራ ዝተጸውዓ ኢያተን ኢሎም።

ሃገራዊ ጉዕዜአን ዓቀበት ዝመልኦ እውን እንተመሰለ፣ ኣብ ደቡብ ሱዳን እቲ ኣብ ዕለት ምእዋጅ ሃገራዊ ናጽነትን ከም ሉኣላዊት ሃገር ቀዳማይ ናይ መሠረት እምኒ ኣብ ዝተነበረሉ እዋን ዝተራእየ ናይ በዓል ውዕዉዕ ስምዒት ዝግ ኢሉ፣ ሃገር ኣብ ምሕናጽ ዝሓለነ ጉዕዞ ዝብገሰሉን ናይ ኤኮኖምን ማሕበራዊ ሕይወት ዝነቓቕሓሉን፣ ህዝባዊ ተሳትፎ ዘረጋግጽ ዴሞክራስያዊ መድረኽን ትሕቲ ቅርጽታት ዝሕንጸጸሉን ኣብ መንጎ ዝተፈላለዩ ናይ ደቡብ ሱዳን ጉጅለ ዓሌታት ዕርቂ ዝረጋገጸሉ እዋን ኢዩ። ኣብ ዕለት ወግዓዊ ምእዋጅ ናጽነት ርእሰ ብሔር ሳልቫ ኪር ደጋግሚሞም ዝበልዎ ሓሳብ፣ ተፈጥሮኣዊ ሃብቲ ደቡብ ሱዳን ንረብሓ መላሕ ህዝብን ሃገር ክውዕል ከምዘለዎ፣ ብቐዳምነት ንሃገርን ሕዝብን ንድሕሪት ዝጎትት ምግባረ ብልሽውናን ሕሉፍ ውልቃውነትን ንምውጋድ ሓባራውን መንግሥታውን ተበግሶታት ዝጅመረሉ እዋን ከምዝኾነ ብፁዕ ኣቡነ ቦካርዲ ሓቢሮም፣ ካብ ሰሜን ሱዳን ምፍላይ ዘኸትሎ ኤኮኖሚያዊ ቅልውላዊ ቀሊል ኣይኮነን፣ እዚ ድማ ፍሉጥ ሳዕቤን ምእዋጅ ናጽነት ከምዝኸውን ብዓንተውኡ ርኡይ ኮይኑ ነዚ ቅልውላው ንምስጋርን ነቶም ካብ ሰሜን ሱዳን ናብ ደቡብ ሱዳን ዝውሕዙ ዜጋታት ደቡብ ሱዳን ናይ ምእንጋድን ምቕባልን ፖለቲካ መንግሥቲ ድሮ ሓንጽጹዎን ኣብ ግብሪ የውዕሎ ኣሎ፣ ብምኽንያት ምእዋጅ ናጽነት ደቡብ ሱዳን ኣብ ናይ ግልን መንግሥታውን ትካላትን ተቛማትን ተዋፊሮም ዝዓዩ ዜጋታት’ታ ሃገር ዘበሉ ካብ ሥራሕ ክሰናበቱ ዝብል መንግሥቲ ሰሜን ሱዳን ዘጽደቖ ውሳኔ ዘተኣታትዎ ሽግር ዝብድህ መደብ ምእምንጋድ ዜጋታትን ከምኡ ድማ ናይ ዜግነት ጉዳይ ዝቆጻጸር ሓድሽ ሕጊ ክቐውም፣ ከምቲ ኣብ ዳርፉር ሰላም ውሕስ ክኸውን ኣብ ዶሓ ዝተበጽሔ ናይ ሰላም ስምምዕ፣ ከምኡ ድማ ኣብቲ ኣዚዩ ዘሰሓሕብ ከባቢ ኣበይን ደቡብ ኮርዶፋን ብሉ ናይልን ሰላም ውሑስ ዝገበሩ ስምምዓት ኣገዳሲ ኢያቶም፣ ምእንቲ’ዚ ማኅበርሰብ ዓለም ነዚ ጉዳይ ቆላሕታ ክግበረሉ ይግባእ ኢሎም።

ቤተ ክርስትያን ኣብዚ መዳይ ከምቲ ቀደም ሎሚ እውን ምእንቲ ሰላም ከይተሓለለት ከምእትዓይን ኣብ ደቡብ ሱዳን ኣስፍሆተ ወንጌል ብምንቕቓሕ ሕንጸት ናይ ዜጋታትን ክርስትያናዊ ሕሊናን ናይ ማሕበራዊ ናይ ደገፍን ኤኮኖምን ምዕባለ መደባት ብምሕንጻጽ ኣብ ምርግጋጹ መዳያት እውን ክትዋፈርን ነዚ ዅሉ መሠረት ዝኾነ እቲ ኣብ ዝሓለፈ ናይ ዕሥራ ዓመት ውግእ ዘስዓቦ ሰብኣውን ማሕበራውን በሰላ ንምእላይን ምሕረትን ዕርቅን ከምእተነቓቕሕ ገሊጾም። ስለዚህ ኣስፍሆተ ወንጌል ብቓልን ሕይወትን ተሰንዩ ዝተጀመረ ምስክርነት ብምቕጻል ኣብ ሕንጸት ሃገርን ሕዝብን ክትዋሳእ ምዃና ኣረጋጊጾም። እዚ ሓድሽ መልክዓ ምድሪ ሱዳን ኣብቲ ናይቲ ከባቢ ቤተ ክርስትያን እውን ለውጢ ዘኸትል ኢዩ። ኣብ መንጎ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ዝግበር ዘተ ዘተባብዕ ኩነት ከምዝኾውን ሓቢሮም፣ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ካርቱም ናይ ሰሜን ሱዳን ብፁዓን ጳጳሳት ርክብ ከምእተኻየደን ንረፓብሊካዊት ሱዳን ናይ ሓባር መልእኽቲ እውን ከምዘተሓላለፉ ድሕሪ ምዝካር፣ እቶም ዕለት 16 ሓምለ 2011 ዓ.ም. ብድንገት ካብዚ ዓለም ብሞት ዝተፈልዩ ኣብ ደቡብ ሱዳን ናይ ሩምበክ ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ቸሳረ ማዞላሪ ዘኪሮም፣ እዞም ሓቀይና ወዲ ቤተ ክርስትያንን ወዲ ቅዱስ ዳኒኤል ኮምቦኒን ኣብዚ ከባቢ ዘርኣይዎን ዝፈጸመዎን ወንጌላዊ ምስክርነትን ዘነቓቕሕዎ ናይ ሰላም ጎዳናታት ዘይርሳዕ ከምዝኾነን ከም ቅዱስ ዳኒኤል ኮምቦኒ ንኣፍሪቃ ብፍሉይ ዘፍቀሩ ጓሳ ነፍሳት ኢዮም ኔሮም፣ ድንገተይና ዜና ዕረፍት ብፁዕ ኣቡነ ማዞላሪ ምስ ሰማዕኹ ይብሉ ብፁዕ ኣቡነ ለዮ ቦካርዲ ሙሴ ንሕዝቡ መሪሑ ናብታ እግዚኣብሔር ቃል ዝኣተወሎም ቅድስቲ ሃገር ዘሰነየ ዝገለጽ ኣብ ቅዱስ መጽሓፍ ተነቢሩሉ ንዘሎ ታሪኽ ኢዩ ኣብ ኣእምሮይ ዘበራበረ፣ ሓዋርያዊ ኣገልግሎቶም ዘይርሳዕን ዝኽሮም እውን ዘይሃስስ ኢዩ እንክብሉ ዝሃብዎ ቃለ ምልልስ ደምደሙ።

ኣብ ደቡብ ሱዳን ናይ ሩምበክ ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ቸሳረ ማዞላሪ ዕለት 9 ሓምሌ 2011 ዓ.ም. ብምኽንያት ወግዓዊ ምእዋጅ ናጽነት ደቡብ ሱዳን ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ፣ መሓሪ ዝኾንካ እግዚኣብሔር ብርህራሄኻ ምሳና ትረፍ፣ ከምቲ መናድቕ ኢየሩሳሌም ነታ ሎሚ ናትና ኢየሩሳሌም ኮይና እንሓስባ እትውለድ ናይ ዘላ ሓዳስ ረፓብሊካዊት ሃገረ ደቡብ ሱዳን ናይ ሰላም መናድቓታ ክንሓንጽ ኣብቅዓና፣ ዝብል ሓሳብ ከምዘስፈርሉ ቸሳር ተባሂሊ ዝጽዋዕ ናይ ግብረ ሠናይ ማኅበር ድረ ገጽ ትማሊ ኣብ ዝዘርግሖ ዜና ከምዘመልከቶ ክፍለጥ እንከሎ፣ ብፁዕ ኣቡነ ማዞላሪ ዝሓለፍ ቀዳም ብዝሓደሮም ሕማም ልቢ ካብዚ ዓለም ብሞት ከምእተፈለዩ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣዘኻኺሩ፣ ሎሚ ኣብ ኢጣሊያ ኣብታ ዝተወለዱላ ከተማ ብረሻ ኣብ ቤት ማኅበር ኮምቦናውያን ናይ ፍትሓት ጸሎት ከምእተፈጸመሎምን ሥነ ሥርዓት ቀብሮም ሓሙስ ዕለት 21 ሓምለ 2011 ዓ.ም. ኣብ ሩምበክ ናይ ካርቱም ሊቀ ጳጳን ናይ ሱዳን ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ሊቀ መንበር ብፅዕ ካርዲናል ጋብሪኤል ዙበይር ዋኮን ኣብ ካርቱን ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ወኪል ብፁዕ ኣቡነ ለዮ ቦካርዲን ካልኦት ኮምቦናውያንን ካህናትን ዝሳተፈላለዩ በሸሓት ዝቑጸርሉ ምእመናንን ኣባላት መንፈሳዊ ማኅበራትን ካህናትን ብዝሳተፍሉ መሥዋዕተ ቅዳሴ ክፍጸም ምዃኑ እቲ ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።







All the contents on this site are copyrighted ©.