2011-07-14 15:17:42

ካሪታስ ኢንተርናዚዮናሊስ ብዛዕባ ነጻነት ደቡብ ሱዳን


ዝተፈላለያ ናይ ካቶሊክ ቤተ ክርስትያን ናይ ረድኤት ማኅበራት ዝጥርንፍ ካሪታስ ኢንተርናዚዮናሊስ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ዓለም ሓቆፍ ናይ ኩላዊት ቤተ ክርስትያን ናይ ረድኤት ማኅበር ነጻነት ደቡብ ሱዳን RealAudioMP3 ፣ ናይ ነዊሕ ዓመታት ውግእ ናይ ሚሊዮናት ሕይወት መሥዋዕቲ ተስፈይና ትጽቢት ምዃኑ ናይቲ ዓለም ሓቆፍ ናይ ረድኤት ማኅበር ዋና ጻሓፊ ሚሸል ሮይ ከምዝገለጽዎ እንክፍለጥ ንናይ ደቡብ ሱዳን ነጻነት ብምሊዮናት ዝቑጸር ናይ ሕይወት መሥዋዕቲ ዝተኸፍሎን ልዕሊ ሓደ ሚሊዮን ናይ ዝገመቱ ዜጋታት ዘመዛበለን ንስደት እውን ዝደረኸን ከምዝኾነን፣ ካቶሊክ ቤተ ክርስትያን ኣብ ደቡብ ሱዳን ምስቲ ሕዝቢ ሓቢራ ከምእተጎዓዘትን ውግእ ደው ቢሉ ብሰላማዊ መገዲ ክፍታሕ ኣብ ዝተገብሩ ጻዕርታት ዓቢ ኣስተዋጽኦ ከምዘበርከተትን፣ ድሕሪ ምእዋጅ ነጻነት እውን ነቲ ናይ ደቡብ ሱዳን ሕዝቢ ኣብ ጎዳና ምዕባለን ምርግጋእን ከምእተሰንዮን ከምቲ ቀዳም ሕጂ እውን ኣብ ዝተፈላለዩ ናይ ደገፍን ሕንጸት መዳያት ኣገልግሎት ከምእተቕርብ ዋና ጻሓፊ ሮይ ኣረጋጊጾም።

ድሕሪ ምርግጋጽ ነጻነትን ሰላምን ፍትሒ ዝዓሰሎ ምዕባለ ሕዝቢ ደቡብ ሱዳን ክረጋገጽ ማኅበረሰብ ዓለም ዓቢ ደገፍ ከቕርብ ሮይ ጻውዒት ኣቕሪቦም፣ ናይ ሰብኣዊ ድጋፍ ሕንጸት ዜጋታት ደቡብ ሱዳን ክተባባዕ ሓደራ ከምዝበሉ ክንገር እንከሎ፣ ኣብቲ ደቡብ ሱዳንን ሰሜን ሱዳን ዘዳቡ ከባቢ ዝርኤ ምስሕሓብ ደው ክብልን፣ ብዘይ ሰላም ናይቲ ከባቢ ናይ ተፈጥሮ ሃብቲ ዳርጋ ዘየለ ኢዩ፣ ምእንቲ’ዚ ደቡብ ሱዳንን ሰሜን ሱዳንን ንረብሓ ሕዝበንን ሃገራተንን ናይዚ ከባቢ ሰላም ክረጋገጽ ብዓሌትን ቀቢላን ዝውግን ምስሕሓባት ከይተኣታተው ዘይተሓለለ መንፈስ ደላይ ሰላም ከትርራ ካሪታስ ኢንተርናዚዮናልስ ብዋና ጸሓፊኡ ኣቢሉ ጻውዒት ኣቕሪቡ ኣብ ልዕሊ ሕዝቢ ዓመጽን ሕልቂትን ዝፈጸሙ ግቡእ ፍርዶም ክረኽቡ ንናይ ካርቱምን ጁባን መንግሥታት ከምዝሓተተ ተገሊጹ።







All the contents on this site are copyrighted ©.