2011-07-14 15:13:20

ብፁዕ ኣቡነ ቸሊ፦ ልቢ ሰብ ክትንከፍ መታን ናይ ቤተ ክርስትያን ቋንቋ ምኅዳስ


ቅድሚ ትማሊ ኣብ ብራዚል ከተማ ሪዮ ደ ጃኒየሮ ናይ መራኸቢ ብዙኃን ጉዳይ ዝሓሊ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ዘበገሶ ብዛዕባ ናይ ካቶሊክ መራኸቢ ብዙኃንን ብምኽያት መንጽር ዘገምታዊ ለውጢ ኢደ ጥበብ ቤተ ክርስትያን እትጥቀመሉ ቋንቋ ምኅዳስ ብዝብል ኣርእስቲ ዝተመርሔ ቀዳማይ ናይ ብራዚል ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ዓውደ መጽናዕቲ RealAudioMP3 ቅድሚ ትማሊ ከምእተጀመረ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።

ኣብዚ ናይ ብራዚል ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ዛዕባ መራኸቢ ብዙኃን ዝዝትይ ዓወደ መጽናዕቲ ዘረባ ብምስማዕ ዘጀመሩ ናይ መራኸቢ ብዙኃን ጉዳይ ዝሓሊ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ሊቀ መንበር ብፁዕ ኣቡነ ክላውዲዮ ማሪያ ቸሊ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ፣ ቅድም ቀዳድም እዚ ዓወደ መጽናዕቲ ኣዚዩ ኣገዳስን ካቶሊክ ቤተ ክርስትያን ኣብ ብራዚል ብብፁዓን ጳጳሳታ ኣቢላ ኣብዚ እዋን ምርኻብ ማለት እንታይ ማለት ኢዩ ዝብል ሕቶ ንገዛእ ርእሳ ብምቕራብ፣ እዚ ርክብ እዚ ሓቤረታ ምቕራብ ጥራሕ ማለት ዘይኮነስ፣ እቲ ቅውም ነገሩ ምብሣር ማለት ከምዝኾነን፣ እዚ ብሥራት’ዚ ብንጹርን ብልክዕን ወዲ ሰብ ብዘኽብር ዘተ ዝተሰነየን ከምኡ ድማ እቲ ወዲ ሰብ ኣብዚ እዋን’ዚ ነቲ ሃረር ዝብሎን ዘድልዮን ርድኢት ዘሕደረ ኢዩ። ስለዚህ ቤተ ክርስትያን ርእሰ ሕቶኣ ናይቲ እተበሥሮ ትሕዝቶ ዝምልከት ጥራሕ ዘይኮነስ እቲ ናይቲ ብሥራት ትሕዝቶ ሰብ ንሱ ድማ ጎይታና ክርስቶስ ብምዃኑ ምእንቲ’ዚ እዚ ብሥራት እዚ ብኸመይ ዝበለ ሜላ ከተቕርቦ ከምዘለዋ ገዛእ ርእሳ እዚ ሕቶ’ዚ ከተቕርብ ኣለዋ። እዚ ሓሳብ’ዚ ንገዛእ ርእሱ ብዛዕባ ቋንቋን ኣጠቓቕማ ቋንቋን ንዝብል ኣርእስቲ ይዕድም። እንታይ ዓይነት ቋንቋ ኢና እንጥቀም ምስ በሉ፣ ኩነት ወዲ ሰብን ንገዛእ ርእሱ ንወዲ ሰብ ዝርዳእን ስቓዩን ትጽቢታቱን ጽምዋኡን ብሕታውነቱን ዝርዳእ ኢዩ። ቤተ ክርስትያን ነቲ ሰብ ብዕምቆት ተረዲኣ መሠረታውያን ንትጽቢታቱን ሕቶታቱን ንምምላስ ብብቑዕ ቋንቋ ነቲ ብሥራት-ኢየሱስ ክርስቶስ ተራኽብን ተቕርብን።

ቤተ ክርስትያን ብመራኸቢ ቡዙኃን ኣቢላ እቲ ወዲ ሰብ ዘቕርቦ ሕቶታትን ሃረር ዝብሎን ብምድጋፍ፣ ኣብዚ ሕዉኽ ጽን ዘይብል ኣብ ሸበድበድን ጫው ጫውታን ዝነብር ኅብረሰብ ዓለም ወዲ ሰብ ናይ ቤተ ክርስትያን ዓሚዩቕ ትርጉም ቋንቋኣ ንኽርዳእ ከጸግሞ ከምዝኽእል ተገንዚባ፣ ሰብ ጽን ምባልን ሱቕታን ምስ ገዛእ ርእሱ ክዝትን ክራኸብን እናሐነጸት፣ ነቲ ወዲ ሰብ ካብ ገዛእ ርእሱ “ልቢ” ክርሕቕ ዝድርኾ ዓለም ዘምርቶ ጫው ጫውታ ክናገፍን፣ መሠረታዊ ሕቶታቱ ምስማዕ ክኽእል ተተባብዕን ትመርሕን ትመክርን። ወዲ ሰብ ሃረር ዝብል ዳላዪ ባህርያዊ ዝንባሌኡ እተድኣ ዘንጊዑ፣ ምንባሩ ዘይምንባር ይኸውን ፈላስፋ ጵላጦስ ዝበሎ ሓሳብ ጠቒሶም ቤተ ክርስትያን እዚ ባህርይ ዳላይነን ሃርር በሃሊ ባህርይ ሰብ ብምንቕቓሕ ሰብ ምስ ናይ ገዛእ ርእሱ ዓሚዩቕ ትርጉም ናይ ምዃኑ ክራኸብ ብዘኽእሎ ቋንቋ ተልእኾ ብሥራት ትፍጽም ቢሎም እዚ ዝካየድ ዓወደ መጽናዕቲ ነዚ ሓሳብ ብዝተፈላለየ መልክዑ ዘነጽር እዩ እንክብሉ ዝሃብዎ ቃለ ምልልስ ደምደሙ።







All the contents on this site are copyrighted ©.