2011-07-14 15:16:21

ስዊዘርላንድ፦ ደገፍ ብድርቂ ንዝተጠቕዓ ሃገራት


ብካሪስታ ዝጽዋኦ ናይ እንተ ላእለ ኵሉ ቤተ ክርስትያን ናይ ረድኤት ማኅበር ጨንፈር ስዊዘርላንድ ብድርቂ ንዝተጠቕዓ ኢትዮጵያን ስማሊያን ደገፍ ዝውዕል ናይ ገንዘብ ሓገዝ ከምዘቕረበን ብድርቂ RealAudioMP3 ንዝተጠቕዓ ሃገራት ኩለ መዳያዊ ደገፍ ንምቕራብ ዝሓቀነ ጎስጓስ እውን የካይድ ከምዘሎ ተሓቢሩ።

ኣብ ዝሓለፉ ሽዱሽተ 135 ሺሕ ዝግመቱ ዜጋታት ሶማል በቲ ኣብ ከባቢኦም ተኸሲቱ ዘሎ ድርቅን ጥምየትን ተደሪኾም ናብ ኬንያን ኢትዮጵያን ከምእተሰዱን ሕጹጽ ናይ ሰብኣዊ ሓገዝ ክምዘድልዮምን፣ ኣብ ኬንያ ከባቢ ዳዳብ ዝርከብ ናይ ስደተይናታት መዕቆቢ ሠፈር 382 ሺሕ ስደተይና ዜጋታት ሶማል ከምዝርከቡን ቁጽሮም ካብ ዕለት ናብ ዕለት ክብ እናበለ እውን ይኸይድ ከምዘሎ ክሕበር እንከሎ፣ ብጠቕላላ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ 2 ሚሊዮን ሕፃናት ዘጠቓለለ ልዕሊ 10 ሚሊዮን ዝግመት ሕዝቢ በቲ ኣብቲ ከባቢ ተኸሲቱ ዘሎ ድርቂ ከምእተጠቕዐ ናይ ሕቡራት መንግሥታት መግለጺ ከመልክት እንከሎ፣ ኣብ ኢትዮጵያ ክፍሊ ሰሜን ካብ ዝሓለፉ ሰለስተ ዓመታት ንነጀው ሕጽረት ዝናም ከምዘጥቐዔን በዚ ምኽንያት ድማ ብናይ ሕርሻ ኤኮኖሚ ዝመሓደር ሕዝቢ ኣዚዩ ይጉዳእ ስለ ዘሎ ምእንቲ’ዚ ናይ ስዊዘርላንድ ካሪታስ ናይ ተራድኦ ማኅበር ኣብ እዋን ሕጽረት ዝናም ዘገልግሉ ዲጋታት ኣብ ምሕናጽ ክዋፈር ምዃኑን ዝተፈላለየ ሕማም ተላገብ ንምክልኻል እውን ናይ ሥነ ጥዕና ደግፍን ሕንጸትን እውን ከቕርብ ምዃኑ ጨንፈር ካሪታስ ኣብ ስዊዘርላንድ ዝሃቦ ሓበሬታ የመልክት።








All the contents on this site are copyrighted ©.