2011-07-14 15:19:39

ማድሪድ፣ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንእሰያት


ብሓልዮት እንተ ላእለ ኩሉ ቤተ ክርስትያን በቢ ዓመቱ ዝዳለው ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንሰያት ለብዘበ ካብ ዕለት 16 ነሓሰ ክሳብ ዕለት 21 ነሓሰ 2011 ዓ.ም. ቅዱስ ኣቦና ብዝሃብዎ ውሳኔ መሠረት ኣብ ስፐይን RealAudioMP3 ርእሰ ከተማ ማድሪድ ክካይድ ምዃኑ ቅድም ክብል ክምእተገልጸ ክፍለጥ እንከሎ፣ ኣብታ ናይ ለብዘበ መበል 26 ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንሰያት እተእንግድ ከተማ ማድሪድ ዝካይድ ዘሎ ምስንዳዋት ኣብ ፍጻሜ ከምዝበጽሔን እነሆ ዕለት 07 ሓምሌ 2011 ዓ.ም. ኣብ ማድሪድ ርክባትን ሓበሬታን ዘማእከለ ኣብ ስፐይን ናይ 50 ዝተፈላለያ ሃገራት ልኡካነ መንግሥታት ዘሳተፈ ሳልሳይ ጉባኤ ከምእተኻየደ ክንገር እንከሎ፣ ናይ ጸሎትን ኣስተንትኖን መደባት እውን ይካየድ ከምዘሎ እንክፍለጥ፣ ነቲ ምስንዳዋት ዝፍጽሙ ካብቲ ኣብ ማድሪድ ዓለም ሓቆፍ መንሰያት ኣውሃሃዲት ኮሚቴ ሊቀ መንበር ብፁዕ ኣቡነ ቸሳረ ፍራንኮ ናይ ምስጋና መልእኽቲ ከምዝቐረበ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።

ክሳብ እዛ እዋን እዚኣ ካብ 182 ሓገራት ዝተዋጽኡ 440 ሺህ መንሰያት ንኽሳተፉ ከምእተመዝገቡን ብብዝሒ ዝተመዝገቡ ተሳተፍቲ ኢጣሊያ ስፐይን ፈረንሳ ሕቡራት መንሥታት ኣሜሪካ ጀርመን ብራዚል ፖርቱጋል መክሲኮ ፖላንድን ኣርጄንቲናን በቐዳምነት ዝጠቐሳ ምዃነን እንክምልከት፣ ናይዚ መበል 26 ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንሰያት ወግዓዊ ኣድራሻ መርበብ ሓበሬት ብ13 ቋንቋታት ዝምራሕ ምዃኑን እዚ ድማ ናይቲ በዓል ዓለም ሓቆፍ መልክዑ ዘረጋግጽ ከምዝኾነ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት የመልክት።








All the contents on this site are copyrighted ©.