2011-07-14 15:14:57

ሕቡራት መንግሥታት ዓለም፦ ሕፃናት ንውትህድርና ምጥቃም ገበን ኢዩ


ቅድሚ ትማሊ ናይ ሕቡራት መንግሥታት ዓለም ናይ ጸጥታን ደህንነትን ቤት ምኽሪ ሕፃናት ኣብ ውትህድርና ዓለም ምጥቃምን ንውትህድርና ምግዳድን ገበን ኢዩ ዝብል ውሳኔ ከምዘጽደቐ ተሓቢሩ። RealAudioMP3

እዚ ናይ ሕፃናት ክፍሊ ኅብረተሰብ መሰልን ፍቓድን ብምልኣት ክኽበር ዝእዝዝን ሕፃናት ኣብ ውትህድርና ዓለም ምጥቃም ገበን ኢዩ ዝብል ናይ ሕቡራት መንግሥታት ዓለም ውሳኔ ኣባል ሃገራት ብዘይ ቅድመ ኩነት ክኽብሮኦን ኣብ መላእ ዓለም ኣብ ግብሪ ክውዕል ከነቓቕሑ ዘተሓሳስብን ኣብ ዝካየዱ ውግኣት ሕፃናት ንውትህድርና ምጥቃምን ኣብ ልዕሊ ሕጻናት ዓመጽ ግብረ ሥጋ ምፍጻምን ኣባይቲ ትምህርትን ሕክምናን ምዕናውን ኣብ ልዕሊ ሕጻናት ግብረ ዓመጽ ምፍጻም ማለት ምዃኑ ዝገለጽ ሕጊ ዝግህሱ ኣብ ቅድሚ ዓለም ሓቆፍ ቤት ፍርዲ ክቕርቡ ዝእዝዝ እውን ምዃኑ ተገሊጹ።

ብዛዕባ እዚ ውሳኔ ቤት ምኽሪ ጸጥታን ደህንነትን ሕቡራት መንግሥታት ዓለም ኣመልኪተን ሕፃናት ኣድኅን ተባሂሉ ዝጽዋዕ ናይ ሕጻናት ጉዳይ ዝሓሊ ዓለም ሓቆፍ ማኅበር ጨንፈር ኣብ ኢጣሊያ ናይ ዓለም ሓቆፍ ጠበቓታቱ ጉዳይ ኣወሃሃዲት ኤለና አቨናቲ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርኦ ቃለ ምልልስ፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ይብላ፣ ኣብ ኣፍሪቃን እስያን ኤውሮጳን ላቲን ኣመሪካን ማእከላይ ምብራቕን ኣብ ዝርከባ ብጠቕላላ ኣብ 31 ሃገራት ኣባይቲ ትምህርትን ሕክምናን ዒላማ መጥቃዕቲ ኮይኑ ብተደጋጋሚ ንሓደጋ ከምዝቃላዕ ኣነጺረን፣ 250 ሺሕ ሕፃናት ኣብ 35 ሃገራት ኣብ ዝካየዱ ውግኣት በስገዳድ ተሳተፍቲ ከምዝኾኑን ኣብ ኣፍሪቃ ጥራሕ 120 ሺሕ ሕፃናት ጾታ ብዘየገድስ ብናይ መንግሥትን ከምኡ እውን ብናይ ውግእ ኃይልታት ኣብ ውትህድርና ዓለም ተኸቲቶም ከምዘለዉን፣ ዕድሚኦም ድማ ካብ 15 ክሳብ 18 ዓመት ከምዝኾነን ገሊኣቶም እውን 10 ዓመት ዕድመ ዘለዎም ከምዝኾኑ ገሊጸን፣ ኣብ 2010 ዓ.ም. ብዓለም ሓቆፍ ደረጃ ሰቭ ዘ ቺልድረ-ሕፃናት ኣድሕን ማኅበር ብኣባልነት ዝሳተፈሉ ኣብ ውግእን ምስሕሓባትን ዝዳጎኑ ሕፃናት ጉዳይ ዝከታተል ማኅበራዊ መርበብ ሓበሬታ፣ እዚ ማኅበር ብዛዕባ ጉዳይ ኣፍጋኒስታን ሕፃናት ናይ መጽንዕቲ ሰነድ ከምዘቕረበን ዘኪረን፣ ንዝተፈላለዩ ዓመጻት ተዳጒይኖም ዝርከቡ ሕፃናት ካብቲ ዝርከብሉ ሕሱም ኩነት ክናገፉንም ምስ ኅብረሰብ ተዋሂዶም ክነብሩ ዝድግፎም መደብ ሕንጸት ምሕንጻጽ ዘተባብዕ ሕቡራት መንግሥታት ዓለም ዝጽደቖ ውሳኔ፣ ኣብ ልዕሊ ኣባይቲ ትምህርትን ሕክምናን ዝፍጸም መጥቃዕቲ እውን ዓቢይ ገበን ኢዩ ቢሉ፣ በዚ ገበን ተሓተቲ ዝኾኑ ኣብ ቅድሚ ዓለም ሓቆፍ ቤት ፍርዲ ክቐርቡ ዝብል እውን ኢዩ፣ እዚ ውሳኔ እዚ ኣብ ናይ ኩለን ሓገራት ቅዋም ኣብ ዘሎ ናይ ገበነይና መቕጽኦ ሕጊ ክጠቓለል ዝእዝዝ እውን ምዃኑ ሓቢረን ሕንጸት ሕፃናት ዘተሓሳስብን ዋሕስ መጻኢ ሰላማዊ ዓለም ዘረጋገጽ ውሳኔ እውን ኢዩ እንክብላ ዝሃብኦ ቃለ ምልልስ ደምደማ።







All the contents on this site are copyrighted ©.