Home Archivio
2011-07-14 15:14:57
ሕቡራት መንግሥታት ዓለም፦ ሕፃናት ንውትህድርና ምጥቃም ገበን ኢዩ
ቅድሚ ትማሊ ናይ ሕቡራት መንግሥታት ዓለም ናይ ጸጥታን ደህንነትን ቤት ምኽሪ ሕፃናት ኣብ ውትህድርና ዓለም ምጥቃምን ንውትህድርና ምግዳድን ገበን ኢዩ ዝብል ውሳኔ ከምዘጽደቐ ተሓቢሩ።
እዚ ናይ ሕፃናት ክፍሊ ኅብረተሰብ መሰልን ፍቓድን ብምልኣት ክኽበር ዝእዝዝን ሕፃናት ኣብ ውትህድርና ዓለም ምጥቃም ገበን ኢዩ ዝብል ናይ ሕቡራት መንግሥታት ዓለም ውሳኔ ኣባል ሃገራት ብዘይ ቅድመ ኩነት ክኽብሮኦን ኣብ መላእ ዓለም ኣብ ግብሪ ክውዕል ከነቓቕሑ ዘተሓሳስብን ኣብ ዝካየዱ ውግኣት ሕፃናት ንውትህድርና ምጥቃምን ኣብ ልዕሊ ሕጻናት ዓመጽ ግብረ ሥጋ ምፍጻምን ኣባይቲ ትምህርትን ሕክምናን ምዕናውን ኣብ ልዕሊ ሕጻናት ግብረ ዓመጽ ምፍጻም ማለት ምዃኑ ዝገለጽ ሕጊ ዝግህሱ ኣብ ቅድሚ ዓለም ሓቆፍ ቤት ፍርዲ ክቕርቡ ዝእዝዝ እውን ምዃኑ ተገሊጹ።
ብዛዕባ እዚ ውሳኔ ቤት ምኽሪ ጸጥታን ደህንነትን ሕቡራት መንግሥታት ዓለም ኣመልኪተን ሕፃናት ኣድኅን ተባሂሉ ዝጽዋዕ ናይ ሕጻናት ጉዳይ ዝሓሊ ዓለም ሓቆፍ ማኅበር ጨንፈር ኣብ ኢጣሊያ ናይ ዓለም ሓቆፍ ጠበቓታቱ ጉዳይ ኣወሃሃዲት ኤለና አቨናቲ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርኦ ቃለ ምልልስ፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ይብላ፣ ኣብ ኣፍሪቃን እስያን ኤውሮጳን ላቲን ኣመሪካን ማእከላይ ምብራቕን ኣብ ዝርከባ ብጠቕላላ ኣብ 31 ሃገራት ኣባይቲ ትምህርትን ሕክምናን ዒላማ መጥቃዕቲ ኮይኑ ብተደጋጋሚ ንሓደጋ ከምዝቃላዕ ኣነጺረን፣ 250 ሺሕ ሕፃናት ኣብ 35 ሃገራት ኣብ ዝካየዱ ውግኣት በስገዳድ ተሳተፍቲ ከምዝኾኑን ኣብ ኣፍሪቃ ጥራሕ 120 ሺሕ ሕፃናት ጾታ ብዘየገድስ ብናይ መንግሥትን ከምኡ እውን ብናይ ውግእ ኃይልታት ኣብ ውትህድርና ዓለም ተኸቲቶም ከምዘለዉን፣ ዕድሚኦም ድማ ካብ 15 ክሳብ 18 ዓመት ከምዝኾነን ገሊኣቶም እውን 10 ዓመት ዕድመ ዘለዎም ከምዝኾኑ ገሊጸን፣ ኣብ 2010 ዓ.ም. ብዓለም ሓቆፍ ደረጃ ሰቭ ዘ ቺልድረ-ሕፃናት ኣድሕን ማኅበር ብኣባልነት ዝሳተፈሉ ኣብ ውግእን ምስሕሓባትን ዝዳጎኑ ሕፃናት ጉዳይ ዝከታተል ማኅበራዊ መርበብ ሓበሬታ፣ እዚ ማኅበር ብዛዕባ ጉዳይ ኣፍጋኒስታን ሕፃናት ናይ መጽንዕቲ ሰነድ ከምዘቕረበን ዘኪረን፣ ንዝተፈላለዩ ዓመጻት ተዳጒይኖም ዝርከቡ ሕፃናት ካብቲ ዝርከብሉ ሕሱም ኩነት ክናገፉንም ምስ ኅብረሰብ ተዋሂዶም ክነብሩ ዝድግፎም መደብ ሕንጸት ምሕንጻጽ ዘተባብዕ ሕቡራት መንግሥታት ዓለም ዝጽደቖ ውሳኔ፣ ኣብ ልዕሊ ኣባይቲ ትምህርትን ሕክምናን ዝፍጸም መጥቃዕቲ እውን ዓቢይ ገበን ኢዩ ቢሉ፣ በዚ ገበን ተሓተቲ ዝኾኑ ኣብ ቅድሚ ዓለም ሓቆፍ ቤት ፍርዲ ክቐርቡ ዝብል እውን ኢዩ፣ እዚ ውሳኔ እዚ ኣብ ናይ ኩለን ሓገራት ቅዋም ኣብ ዘሎ ናይ ገበነይና መቕጽኦ ሕጊ ክጠቓለል ዝእዝዝ እውን ምዃኑ ሓቢረን ሕንጸት ሕፃናት ዘተሓሳስብን ዋሕስ መጻኢ ሰላማዊ ዓለም ዘረጋገጽ ውሳኔ እውን ኢዩ እንክብላ ዝሃብኦ ቃለ ምልልስ ደምደማ።
All the contents on this site are copyrighted ©.