2011-07-09 14:25:33

ቤት ምኽሪ ብፁዓን ጳጳሳት ኣውስትራሊያ ንደገፍ ሃገረ ደቡብ ሱዳን


ኣብ ኣውስትራሊያ ናይ ኣደላይደ ሊቀ ጳጳስን ናይታ ሃገር ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ሊቀ መንበር ብፁዕ ኣቡነ ፊሊፕ ዊልሶን እቲ ብካሪታስ ዝጽዋዕ ናይ እንተ ላእለ ኵሉ ቤተ ክርስትያን ናይ ተራድኦ ማኅበር ጨንፈር RealAudioMP3 ኣውስትራሊያ ምእንቲ ሓገዝ ሃገረ ደቡብ ሱዳን ዘቕረቦ ናይ ምትሕብባርን ደገፍን ጻውዒት እወታዊ መልሲ ከምዝሃቡሉ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።

ነዛ ሓዳሽ ዝቖመት ሃገር ኵለ መዳያዊ ሕንጸት ኣገዳስን ወሳንን ምዃኑ ብፁዕ ኣቡነ ዊልሶን ገሊጾም፣ ነጻነት ዘለዎ ዑቕሩ ኃይሊ ናብ ሰናይ ወይ ድማ ናብ ሕማቕ ኩነት ከምርሕ ስለ ዝኽእል፣ እቲ ዑቕር ኃይሊ ናጻነት፣ ሕዝቢ ዘንበረሉ ትጽቢታት ከይስሕትን ከይክሕድን ኣብ ዝብል ቅዉም ነገር ዝተመሥረተን እቲ እግዚኣብሔር ዝዓደሎ ሰላም ዝዝርግ ዘበለ ኩሉ ብዓንተውኡ ንምውጋድ ዝኣምተ ደገፍ ኣገዳሲ እዩ ከምዝበሉ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፣ ኣብታ ልዕሊ ናይ ክልተ ሚሊዮን ዜጋታት ሕይውት ዝተኸፍለላ ደቡብ ሱዳን ብድኽነት ዝተጠቕዔ ሕዝቢ ንምድጋፍ ዝዓዩ ዝተፈላለያ ናይ ኣቢያተ ክርስትያንን ዘይመንግሥታውያን ናይ ግብረ ሰናይ ማኅበራት ኣብታ ሓዳስ ሃገረ ደቡብ ሱዳን ዘለዎም ተስፋ ዓቢይን ኅብረኣውን ከምዝኾነ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ፣ ነቲ ሕዝቢ ደቡብ ሱዳን ሰገር ውግእን መሃይምነት ዕንወትን ኣብ ሰላም ዝቖመ ተስፋን ብሉኣላውነትን ክንብር ዘብቕዖ ኩለ መዳያዊ ናይ ምዕባለ መደብ ሕንጸት ዘቕርብ ካብ 2000 ዓ.ም. ኣትሒዙ ኣብ ደቡብ ሱዳይ ዘገልግል ዘሎ ቸሳረ እተሰምየ ዘይመንግሥታዊ ማኅበር ግብረ ሰናይ ን250 መምሃራን ሞያኦም እዋናውነት ክህልዎን ብቕዓቶም ክብ ከብሉ ዝሕግዝ ናይ ሕንጸት ደገፍ የቕርብ ከምዘሎን፣ ኣብ ናይ ሕንጸት ሞያ ዝዋፈሩ መምሃራን መሰናዳዊ ተቛም ኣብ ኩያበት ክሓነጽ ከምዝኾነ እውን ናይ ሩምበክ ሊቀ ጳጳስ ኮምቦናዊ ብፁዕ ኣቡነ ቸሳረ ማዞላሪ ከምዝሐበሩ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ጠቒሱ፣ እንተ ላእለ ኵሉ ዓመታዊ በዓል ቅዱስ ዳንኤል ኮምቦኒ ኣብ እተብዕለሉ ዕለት 10 ጥቅምቲ ተመሪቑ ኣገልግሎት ንምሃብ ዝበቕዕ ናይ ተልእኮ ሕንጸት ማእከል ቀዳማይ እምነ መሠረት ከምዘንበሩ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣፍሊጡ።








All the contents on this site are copyrighted ©.