2011-07-09 14:22:51

ቤተ ክርስትያን ወትሩ ምእንቲ ምርግጋጽ ሰላም ኣብ ሱዳን


ኣብታ ኣዚያ ዝተሳቐየት ኣፍሪቃዊት ሃገር ሱዳን ብዘይ ቅድመ ኩነት ሰላም ክረጋገጽ ቤተ ክርስትያን ዘይሕለል ጻዕሪ ከምዝገበረት ኣብ ሱዳን ናይ ካርቱም ሊቀ ጳጳስ ብፁዕ ካርዲናል ጋብሪኤል ዙባይር ዋኮ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ ኣመልኪቶም፣ ብፁዓን ጳጳሳት ካህናት ልኡካነ ወንጌል ዓለማውያን ምእመናን ንሱዳን ብፍላይ RealAudioMP3 ድማ ንደቡብ ሱዳን ኣብ ገዛእ ርእሳን ንገዛእ ርእሳን ኣብ ጸገማታ ከይሓደጉዋ ኣብ ጎድኒ ሕዝቢ ኮይኖም ዝሃብዎ ዝህብዎ ዘለዎ ኣገልግሎት ጠቒሶም፣ ውግእን ዓመጽን ፈጺሙ መፍትሒ ሽግራት ክኸውን ኣይክእል፣ ኮይኑ ኣውን ኣይፈልጥን እዩ። ስለዚህ ሰላም ንምዕዋት ቤተ ክርትስያን ሕድ ሕዳዊ ዘተን ምትሕብባርን ኣብ ምንቅቓሕ ተግባራት ከምእትተግህን እዚ ድማ ብዙሕ ጊዜ ንዝምልከቶ ኣካልን መንግሥትን ሰላም ንምርግጋጽ ተባሂሉ ዝሕንጸጽን ዝውሰድን ዝነበረ ፖለቲካዊ መደብን ስጉምትን ጌጋ ምዃኑን ሰላም ብዕርቅን ብዘይ ቅትለትን ደም ምፍሳስን ብዘይ ኣባይቲ ምዕናው ዝብጻሕ ዕላማ ከምዝኾነ ብቐረባ ከምዘመልከተትን፣ ኩሉ ምእንቲ ምርግጋጽ ሰላም ክጽሊ ከምዘተባብዔት ገሊጾም።

ውጥረትን ዓመጽን ውግእን ኣብ ማኅበራውን ውልቃውን ግብረ ገብ ሕይወት ኣሉታዊ ጽልዋ ከምዘለዎን ንሓድ ሕድ ግጭትን ሕነ ፍዳን እውን ከምዝደረኸ ዝተራእየ ክውንነት እዩ። ቤተ ክርስትያን ነዚ ኣብ ግምት ብምእታው ሰላምን ዕርቅን ዝኣመተ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ብምሕንጻጽ፣ ሕዝብን መንሰያትን ንዅሉ በቢ ደረጃኡ ትሓንጽ እውን ከምዘላ ሓቢሮም። ተራ ቤተ ክርስትያን ኣብ ደቡብ ሱዳን እቲ ዝተበጽሔ ሰላም ከይዝረግ ሓድሽ ናይ ሰላምን ዜግነትን ኣምር ክሰርጽን ኩሉ እቲ እግዚኣብሔር ዝዓደሎ ሰላም ዘወገድ ምስሕሓብን ግጭትን ዝኣመሰሉ ዳግም ከይህሉ ኵሉ ንሰላም ክሕልዋ ኃላፊነት ከምዘለዎ ብምትሕስሳብ ኣብዚ መዳይ እውን ሕንጸት ከምእተሳልጥ ሓቢሮም ዝሃብዎ ቃለ ምልልስ ደምደሙ።

እቲ ድላይ ነጻነት ዝብል ውሳኔ ህዝቢ ደቡብ ሱዳን ኣብዚ ደረጃ እዚ ንኽበጽሕ ክሳብ 2005 ዓ.ም. መወዳእታ ኣብ ዝሓለፉ 21 ዓመታት ኣብ ዝተኻየዱ ውግኣት ናይ ልዕሊ ክልተ ሚሊዮን ሕዝቢ ሕይወት ዝተኸፍሎን፣ 4 ሚሊዮን ሕዝቢ ብዘይ ኣባይትን ንብረትን ዘትረፈን ብዙሕ ናይ ሕይወትን ንብረትን መሥዋዕትነት ዝተኸፍሎ ምዃኑ ዝፍለጥ ኮይኑ፣ ሕጂ እውን እንተኾነ ኣብ መንጎ ደቡብ ሱዳንን ሰሜን ሱዳንን ገና መዕለቢ ዘይተገብረሉ ናይ ይግበኣኒ ዶባዊ ሕቶ ከምዘሎን፣ ሕቶ ዞባ አበይን ከምኡ ኣውን ደቡባዊ ኮርዶፋ ገና ናብ ውጥረት ክመርሑ ከምዝኽእሉ ዝሓለፈ ዕለት 5 ሐምሌ 2011 ዓ.ም. ናይ ኢጣሊያ ሕዝባዊ ባይቶ ሕንጻ ጎስጓ ኢጣሊያ ንሱዳን ኣብ ዝብል መደብ ካብ ዝሳተፉ ናይ እንተ ላእለ ኵሉ ቤተ ክርስትያን ናይ ሰላም ማኅበራት ሓደ ናይ ሰላም ጠረጴዛ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ክኸውን እንከሎ ናይዚ ማኅበር ኣወሃሃዲ ፍላቪዮ ሎቲ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ፣ ካብ ጭቆና ናብ ናጽነት ካብ ምልካዊ ናብ ዴሞክራሲያዊ ሥርዓት ምጉዓዝ ቀሊል ኣይኮነን፣ ምእንቲ’ዚ ሓሓሊፉ ምስሕሓብን ዓመጽን ይቀላቐል እውን ኢዩ። ናይ ውግእ ኣጽዋር ዳርጋ ኣብ ኢድ ኩሉ ዜጋ ፋሕ ዝበለ እዩ ዝመስል፣ ነዚ ዅሉ ጸረ ሰላም ተግባር’ዚ ብቑዕ መልሲ ምሃብ ንናይ’ቲ ሰላም ውሕስነት ምርግጋጽ ከምዝኸውን አይጠራጠርን እየ ኢሎም።

ድሕሪ ምርግጋጽ ሃገረ ደቡብ ሱዳን ነቲ በቲ ዝነበረ ናይ ነዊሕ ዓመታት ውግእ ዝተጎድኤን ቤቱን ንብረቱን ዝባደቦ ሰብኣዊ ድጋፍ ምቕራብ ክቕድምን፣ ናይ ደቡብ ሱዳንን ሰሜን ሱዳንን ዶቦ ዘነጽር ዓለም ሓቆፍ መልክኣ ምድራዊ ውሳኔ ሕጹጽ ኽኸውን ኣለዎ፣ ነዘን ክልተ ሃገራት ኣብ ዘዳቡ ከባቢ ዘሎ ሃብቲ ማይን ከምኡ ድማ ሃብቲ ነዳድን ካልኦት ማዕድናትን ንቐጻሊ ምስሕሓብ ምኽንያት ከይከውን ዶባተን ብትኽክል ዘነጽርን ኣብ ኣጠቓቕማ እቲ ናይ ተፈጥሮ ሃብቲ ናይ ክልኣተን ሃገራት ሕቶ መሠረት ዝገበረ ክሌኣውን ስምምዕን ውሳኔ ዓለም ሓቆፍ ዘድልዮ ኢዩ ኢሎም።








All the contents on this site are copyrighted ©.