2011-07-09 14:27:20

ማድሪድ 20011 ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንእሰያት


ብሓልዮ እንተ ላእለ ኩሉ ቤተ ክርስትያን በቢ ዓመቱ ዝዳለው ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንሰያት ለብዘበ ካብ ዕለት 16 ነሓሰ ክሳብ ዕለት 21 ነሓሰ 2011 ዓ.ም. ቅዱስ ኣቦና ብዝሃብዎ ውሳኔ መሠረት ኣብ ስፐይን ርእሰ RealAudioMP3 ከትማ ማድሪድ ክካይድ ምኻኑ ቅድም ክብል ክምእተገልጸ ክፍለጥ እንከሎ፣ ኣብታ ናይ ለብዘበ መበል 26 ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንሰያት እተእንግድ ከተማ ማድሪድ ዝካይድ ዘሎ ምስንዳዋት ኣብ ፍጻሜ ከምዝበጽሔን እነሆ ቅድሚ ትማሊ ኣብ ማድሪድ ርክባትን ሓበሬታን ዘማእከለ 50 ናይ ዝተፈላለያ ሃገራት ኣብ ስፐይን ልኡካነ መንግሥታት ዘሳተፈ ሳልሳይ ጉባኤ ከምእተኻየደ ክንገር እንከሎ፣ እዚ ብዛዕባ እቲ ዝካይድ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንሰያት ምሉእ ሓበሬታ ንተሳተፍቲ ንምቕራብ ኣሚቱ ዝተኻየደ ሳልሳይ ኣኼባ ናይ ብራዚልን ካፕቨርድን ክሮኣዚያን ኖርወይን ጋናን ኣይላንድ ሃይትን ታይላንድን ዘጠቓለለ ከምዝነበረን ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ። ኣብቲ ናይ ማድሪድ መበል 26 ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንእሰያት ናይ ፍጻሜ ምስንዳዋት ኣኼባ ናይ ኣሰናዳኢ ወሳኒ ኮሚቴ ኣመሓዳሪ ብፁዕ ኣቡነ ቸሳር ፍራንኮ ያጎ ደ ላ ሲየርቫ፣ ናይ ስምምዓት ጉዳይ ሓላፊ ኾሰ ካርሎስ ሳንኹዋን ናይ ደጥታን ደህንነትን ጉዳይ ሓላፊ ፍራንሲስኮ ሞራለስን ናይ ሓበሬታ መርሃ ግብሪ ሓላፊ ራፋኤለ ሩቢኖ ከምኡ እውን ኣብ ስፐይን ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ ብፁዕ ኣቡነ ረንዞ ፍራቲኒ ከምእተሳተፈፉ እቲ ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።

ክሳብ እዛ እዋን እዚኣ ካብ 182 ሓገራት ዝተዋጽኡ 440 ሺህ መንሰያት ንኽሳተፉ ከምእተመዝገቡን ብብዝሒ ዝተመዝገቡ ተሳተፍቲ ኢጣሊያ ስፐይንን ፈረንሳን ሕቡራት መንሥታት ኣሜሪካን ጀርመንን ብራዚል ፖርቱጋልን መክሲኮን ፖላንድ ኣርጄንትናን በቐዳምነት ዝጠቐሳ ምዃነን ክንገር እንከሎ፣ ናይዚ መበል 26 ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንሰያት ወግዓዊ ኣድራሻ መርበብ ሓበሬት ብ13 ቋንቋታት ዝምራሕ ምዃኑን እዚ ድማ ናይቲ በዓል ዓለም ሓቆፍ መልክዑ ዘረጋግጽ ከምዝኾነ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት የመልክት።







All the contents on this site are copyrighted ©.