2011-07-07 15:32:49

መበል 150 ዓመት ዕለታዊ ጋዜጣ ቅድስቲ መንበር፦ “ሎዞርቫቶረ ሮማኖ”


ቅድሚ ትማሊ ቅዱስ ኣቦና ብምኽንያት እቲ ሎ ሶርቫቶረ ሮማኖ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ናይ ቅድስቲ መንበር ዕለታዊ ጋዜጣ ቀዳማይ ሕትመቱ ዘበገሰሉ መበል 150 ዓመት ምኽንያት ቅዱስ ኣቦና ርእሰ ሊቃን ጳጳሳት በነዲክቶስ መበል 16 ኣብቲ ናይቲ ዕለታዊ ጋዜጣ ቅድስቲ መንበር ዋና ቤት ጽሕፈት ምስንዳው ተረኺቦም ሓዋርያዊ ምብጻሕ ከምዘካይዱ ክፍለጥ እንከሎ። RealAudioMP3 ብዛዕባ እዚ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ኣመልኪቶም ናይታ ዕለታዊት ጋዜጣ ዋና ኣመሓዳሪ ጆቫኒ ማሪያ ቪያን ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ፣ ሓደ ጋዜጣ እቲ ቅዉም ነገሩ ከይዘንግዔ ቀጻልነት ብዘለዎ መገዲ ክኅደስን ክልወጥን ግድን ኢዩ፣ ናይ ቅዱስ ኣቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ምብጻሕን ኣብኡ ተረኺቦም ዝለገስዎ ምዕዳን ነዚ ዘነጽር ኢዩ። ናይቲ ጋዜጣ ቀንዲ በዓል ቤት ቅድስቲ መንበር ኢያ ስለዚህ ብቐጥታ ቅዱስ ኣቦና ኢዮም። ኣብቲ ሕንጻ መሳናደዊ ዕለታዊ ጋዜጣ ቅድስቲ መንበር ተረኺቦም ንኹሎም ጋዜጠይናታት ሓደ ብሓደ ሰላምታኦም ከቕርቡ ምርኣይ ብሓቂ ንዅሎማ ጋዜጠይናታት ዘተባብዕን ዘሕጉስን ኢዩ ኢሎም።

እቲ ናይ ቅድስቲ መንበር ዕለታዊ ጋዜጣ ዋላ’ኳ ንእሽቶ ጋዜጣ ይምሰል፣ ወግዓውን ሥልጣናውን እዩ። ናይ ቅድስቲ መንበር ብምዃኑ ሓደ ዋናኡ ሓደ መራሒኡ ሓደ ዕላማ ዘለዎ ጋዜጣ ኮይኑ፣ ኣብ ሥልጣን ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ዝቖመ ሥልጣናውን ወግዓውን ጋዜጣ እዩ።። ናይ ቅድስቲ መንበር ማለት ናይ ቅዱስ ኣቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት መርኣዮ ዝኸተልን ዘንጸባርቕን ምዃኑ ገሊጾም፣ ስለዚህ ዝጥቀመሎም ቃላትን ኣቀራርባ ዜናታቱ ኾነ ናይ ባህሊ ዓምድታቱ ናይ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ጋዜጣ ምዃኑ ኢዩ ዘነጽር።

ናይቲ ዕለታዊ ጋዜጣ ቅድስቲ መንበር ዋና አሰናድእትን ኣመሓደርትን ኣባላት ጋዜጠይናታት ብጠቕላላ ካባይ ጀሚርካ ይብሉ ጆቫኒ ማሪያ ቪያን፣ ዓለማውያን ምእመናን ኢያቶም፣ ዓለም ሓቆፋዊ መልክዕ ዘለዎ ምዃኑ ጠቂሶም ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናታትን ናይ ር.ሊ.ጳ. መልእኽትታትን ዘስምዕዎ ዘረባታትን ዝህብዎ ውሳኔን ኣስተምህሮን ኣብ ዓለም ብዛዕባ ሃይማኖትን ኣመንትን ባህልታትን ዝሕብር ማኅበራዊ ኤኮኖሚያውን ሃይማኖታውን ሰብኣውን ፖሊቲካውን ኩነት ዓለም በመርኣዮ ቅድስቲ መንበር ማለት ብመርኣዮ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. መሠረት ዝትንትን እዩ። ናይ ካልኦት ሃይማኖታት ሰዓብትን ዓበይቲ ምሁራትን ጋዜጠይናታትን ብጹሑፋቶም ዝሳተፍሉ እውን እዩ፣ ስለዚህ ነቲ ካቶሊካዊ-ኩላውነት መልክዑ ዘኽብርንን ዝኽተልን ዘጉልሕን እውን ኢዩ እንክብሉ ዝሃብዎ ቃለ ምልልስ ደምደሙ።







All the contents on this site are copyrighted ©.