2011-07-05 13:58:58

ብፁዕ ካርዲናል ታውራን፦ ክቡራት ዋጋታት ክርስትና ዝዓበየ ሃብቲ ንሓባራዊ ረብሓ ኅብረተሰብ


ንቕድስቲ መንበር ወኪሎም ኣብ መንጎ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ዝካየድ ናይ ሓባር ዘተ ዝሓሊ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ሊቀ መንበር ብፁዕ ካርዲናል ዣን ልዊስ ታውራን ዝተሳተፍሉን ናይ ዓለም ሓቆፍ ናይ ኣቢያተ ክርስትያን ናይ ውኅደት ቤት ምኽርን ዓለም ሓቆፍ ወንጌላዊ ቃል ኪዳን ዝውክሉ ኣብ ዝተረኽብሉ “ኅብረ ሃይማኖት ኣብ ዝንበረሉ ዓለም RealAudioMP3 ክርስትያናዊ ምሥክርነት፣ ሥርዓት ዝኽተል እርኑብ ጠባይ” ዘተሓሳስብ ናይ ሓባር ናይ ስምምዕ ሰነድ ኣብ ወርሒ ሰነ መወዳእታ 2011 ዓ.ም. ከምእተፈራረሙ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።

ብዛዕባ እዚ ዝተፈረመ ናይ ሓባር ሰነድ ኣመልኪቶም ብፁዕ ካርዲናል ታውራን ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ፣ ኣብዚ ኅብረ ሃይማኖታት ዝንበረሉ ዓለም እቲ ኣብ ኩለን ኣቢያተ ክርስትያን ዝእመነሉ ክርስቶስ ምምስካር ዝብል ናይ ሓባር ተልእኾ ንማኅበረሰብ ቁሩብ ዝኾነ ናይ ሓባር ናይ ክርስትና ውርሻዊ ሃብቲ ዘድምዕ እዩ። እዚ ናይ ክርስትና ወርሻዊ ሃብቲ ምእመናን ኣብ ቁምስናታትን ኣባይቲ ትምህርትን ኣብ ዕለታዊ መነባብሮን ብሓፈሻኡ ኣብ ኅብረስብ ንምንባሩ ዝተጽውዑ ምዃኖም ዝተሓሳስብን ነቶም ናይ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስትያን ምእመናን ኩለ መዳያዊ ናይ ሓባር ዘተ ዘነቓቕሕ ምዃኑ ዘመልክትን ኣብ ፍልልይ ሓድነት ክንበር ከምዝከኣል ዘረጋግጽ ሰነድ እውን እዩ ኢሎም።

እቲ ዝተኻየደ ጉባኤ እቲ ናይ ሓባር ሰነድ ቲዮሎጊያዊ ዶ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ኣድማስ ዘለዎ ይኹን ኣብ ዝብል ሕቶ ድሕሪ ምምይያጥ ኣብ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ዘማእከለ ክኸውን ኣብ ዝብል ጭቡጥ ሓሳብ ብምስምማዕ ዝተረጋገጸ ናይ ሓባር ሰነድ እዩ፣ ምስ በሉ ቀጺሎም ካብ ናይ ኣምልኾ ነጻነት እቲ ኣዚዩ ዝለዓለ ናይ ሃይማኖት ነጻነት እዩ። ስለዚህ ሃይማኖትካ ንምንባር ናይ ኣምልኾ ነጻነት ኣገዳሲ ከምዝኾነ ንጹር እውን እንተኾነ፣ እቲ ዝዓበየ እቲ ማኅበራዊ ኣድማስ ዘለዎ ናይ ሃይማኖት ነጻነት እዩ። እዚ ድማ ምእመን እምነቱን ክቡራት ዋጋታት ሃይማኖቱን ብግሊ ዘይኮነስ ብኵለ መዳያዊ ተግባር ክነብሮ ዝድግፍ ዓይነት ነጻነት ማለት ምዃኑ ገሊጾም፣ እነሆ እቲ ሰነድ ነዚ ሓሳብ ዝቃልሕ እዩ። ምልዋጥ ርክብ ክልተ ዓይነት ነጻነታት ዘጠቓልል ብምዃኑ ድማ እቲ ሰነድ ሃይማኖት ናይ ምልዋጥ መሰል ዝብል ጉዳይ ኣይተንከፎን። ምልዋጥ ናይ እግዚኣብሔር ነጻነትን ናይ ሰብ ነጻነት ዝራኸብሉን ማንም እደ እታውነት ክህልዎ ዘይፈቅድ ልዑል ናጽነት እዩ። ስለዚ ድማ ነዚ ዓይነት ነጻነት ዘመልክት ሰነድ ምዃኑ ሓቢሮም ዝሃብዎ ቃለ ምልልስ ደምደሙ።







All the contents on this site are copyrighted ©.