2011-07-05 13:57:22

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ.፦ ቃለ ወንጌል ንመላእ ሕዝቢ ኣፍሪቃ ኣብጽሑ


እቲ ሓራ ዘውጽእ ቃለ ወንጌል ንሕዝቢ መላእ ኣፍሪቃ ንምብጻሕ እተካይድዎ ሓዋርያዊ ተልእኾ ቀጻልነት ክህልዎ ዝብል መሪሕ ቃል ዝሠፈረሉ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ካርዲናል ታርቺዚዮ በርቶነ ክታም ዝተነበረሉ ናብቲ ካብ ዝቐውም መበል 50 ዓመቱ ንምብዓልን መበል 17 ምሉእ RealAudioMP3 ሓፈሻዊ ጉባኤኡ ኣብ ኬንያ ርእሰ ከተማ ናይሮቢ ዘካይድ ዘሎ ንናይ ሃገራት ምሥራቕ ኣፍሪቃ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽርታት ጉባኤ ኣብ ዘተሓላለፍዎ ቴሌግራም ብምጉላሕ፣ ናይ እንቋዕ ሓጎሰኩም ቃሎም ከምዘስምዑ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።

ቅዱስ ኣቦና ኣብዚ ብስም ኣብ ኬኒያ ናይ ናይ ሮቢ ሊቀ ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ጆን ኒየ ዘተሓላለፍዎ ናይ ቴልግራም መልእኽቲ ቀጺሎም፣ ምእመናን ኣፍሪቃ ጥበብ ብዝተመልኦን ብፍቕርን ትብዓትን ንህልው ኩነታትን ነቶም ዝርኣዩን ኣብ ዕለታዊ መነባብርኦም ዘገጥምዎም ብድሆታት ምስ ክርስቶስ ብዝቐውም ርክብ መሠረት ብቑዕ መልሲ ንምሃብ ክኽእሉ ኣተሓሳሲቦም፣ ንምሥራቕ ኣፍሪቃ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽርታት ጉባኤ እንቋዕ ንመበል 50 ዓመት በዓለ ምሥረታ ኣብቃዕኩም ቢሎም፣ ኣብቲ ሓጎስ ብመንፈስ ተሳታፊ ምዃኖም ከምዘረጋገጹ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ የመልክት።

እቲ ናይ ኬንያን ኡጋንዳን ሱዳንን ኤርትራን ኢትዮጵያን ታንዛኒያን ማላውን ዛምቢያን ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪታት ዝጥርንፍ ናይ ምሥራቕ ኣፍሪቃ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽርታት ጉባኤ ኣብ 1961 ዓ.ም. ናይተን ዝተጠቕሳ ሃገራት ብፁዓን ጳጳሳት ኣብ ናይሮቢ ተኣኪቦም ዘቖምዎ ጉባኤ ከምዝኾነ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ብምዝኽካር፣ እቲ ጉባኤ ኣብ ናይሮቢ ካቶሊክ መንበረ ጥበብ ካብ ዕለት 29 ሰነ ክሳብ ዕለት 7 ሓምለ 2011 ዓ.ም. ዝቕጽል ናይ ምሥራቕ ኣፍሪቃ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽርታት ጉባኤ ሥድራ ቤት እግዚኣብሔርን ወርቃዊ ኢዮቤል ኣብ ደገፍን ምሕዝነትን ዝቖመ ኣስፍሆተ ወንጌልን ብዝብል ርእሰ ጉዳይ ተመሪሑ መበል 17 ምሉእ ሓፈሻዊ ኣኼባ የካይድ ከምዘሎን ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት የመልክት። ኣብቲ ናይ ምሥራቕ ኣፍሪቃ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽርታት ኣኼባ ካብ ኣባላት ሃገራት ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽርታት ዝተዋጽኡ 350 ልኡኻት ተጋባእያን ኣብ ዘሳትፍ ዘሎ ጉባኤ መኽፈቲ ናይ ኬንያ ርእሰ ብሔር ምዋይ ኪባኪ ተረኺቦም ንብሉጽ ምምሕያሽ ኩነት ሕዝቢ ኣፍሪቃ ኣብ መንጎ መንግሥትን ቤተ ክርስትያንን ምትሕብባር ኣዚዩ ኣገዳሲ ምዃኑ ዝገለጸ ሓሳብ ዘማእከለ ዘረባ ከምዘስምዑ እቲ ናይ ዜና ኣገልግሎት ገሊጹ፣ ቀጺሉ እዚ መበል 17 ምሉእ ሓፈሻዊ ኣኼባ ናይ ብፁዓን ጳጳሳት ምሥራቕ ኣፍሪቃ ቤት ምኽርታት ጉባኤ ቤተ ክርስትያንን መራኸቢ ብዙኃንን መደብ ሕንጸት ውሉደ ክህነትን ናይ ሕንጸት ማእከል ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎን፣ ሓድሽ ካቶሊክ መንበረ ጥበብ ንምቛምን ናይ ካቶሊክ ኣባይቲ ትምህርቲ መጻእን ቃል እግዚኣብሔርን ባህልታትን ብወጌል ምስባኽን ኣብ ዝብሉ ርእሰ ጉዳያት ይዝትይ ከምዘሎ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።







All the contents on this site are copyrighted ©.