2011-07-02 15:56:45

ዓመታዊ ሰነድ ዶብ ኣልቦ ናይ ሓኻይም ማኅበር ዛዕባ “ስደተይናታትን ተመዛበልንት”


ዶብ ኣልቦ እተሰምየ ዓለም ሓቆፍ ናይ ሓኻይም ናይ ግብረ ሠናይ ማኅበር፣ ብዛዕባ ናይ ተመዛበልትን ስደተይናታትን ዝምልከት ናይ መጽናዕቲ ሰነድ ከምዘቕረበ እንክንገር፣ ኣብ ኢጣሊያ ጨንፈር ናይ RealAudioMP3 ዶብ ኣልቦ ሓኻይም ማኅበር ጠቕላሊ ኣመሓዳሪ ኮስታስ ሞስቾቾሪቲስ ስደተይና ብዝተፈላለየ ካብ ዓቕሙ ንላዕሊ ብዝኾነን ባዕሊ ክፈትሖ ብዘይኽእል ማኅበራዊ ፖሊቲካውን ኤኮኖሚያውን ሰብኣውን ዝኣመሰሉ ዓበይቲ ጸገማት ተደሪኹ ካብቲ ሽግር ይናገፍ እምበር ኣብ ዝበጻሕኩ ይብጻሕ ቢሉ እንክብገስ ብዛዕባ እቲ ከጋጥሞ ዝኽል ዝፈልጦ ጉዳይ ዘይብሉ ከነሱ ይስደድ፣ ካብ ሓገሩ ተፈልዩ ኣብ ዝበጽሓሉ ሃገር ብዘጋጥሞ ማኅበራውን ፖሊቲካውን ኤኮኖሚያውን ሰብኣውን ኩነትን ክሳብ ጉዳዩ ዝጻረ ኣብ ዘዕቁበሉ ማእከል ስደተይናታት ዘሕልፎ ነዊሕ ኣዋርሕን ገና ነቲ ዘቕረቦ ናይ ዕቑባ ሕቶ ዝወሃቦ መልሲ ትጽቢትን ተስፋ የቑርጾ መሊሱ ናብ ካልእ ዓይነት ሰብኣውን ስነ ኣእምሮኣውን ጸገምን ጸቕታትን ክወድቕ ይርኤ። ክሳብ ርእሰ ቕትለት ዝፍጽሙ እውን ኣለዉ። ስለዚ ስደት ንዝተፈላለዩ ምልክታ ሕማም የቃልዕ ኢዩ ኢሎም።

ኣብ ኢጣሊያ ጨንፈር ናይዚ ናይ ሓኻይም ናይ ግብረ ሰናይ ማኅበር ናይ ግብረ ሠናይ ተልእኾ ጉዳይ ቤት ጽሕፈት ሓላፊት ፍራንቸስካ ዙካሮ ብወገነን ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርኦ ቃለ ምልልስ፣ ስደተይና ንዝተፈላለዩ ሽግራትን ጸቕጥጣትን ክቓላዕ ይርኤ። ንፍርሕን ምድንጋራትን መንፈሳውን ሥነ ኣእምሮኣውን ሕልኽልኻትን ተቓሊዑ ይርከብ። እዚ ዓይነት ሓደጋ’ዚ ድማ ባዕሉ እቲ ስደተይና ዝፈጥሮ ኣይኮነን። ነዚ ፍርሒ ዝድርኾ ኢሰብኣዊ ተግባራት ኣብ ልዕሊኡ ስለ ዝፍጸም ኢዩ። ዝተፈላለየ ዓይነት ዓመጽ እውን ኣብ መዕቖቢ ስደተይናታት ማእከል ተራእዩ እዩ ይርአይ ኣውን ኣሎ። ስለዚህ ዝኾነ ይኹን መዕቆቢ ስድተይና ናይ ሰብኣዊ መሰልን ፍቓድን ውሳኔ መሠረት ዝገበረን ዝኽበረሉን ክኸውን ይግባእ እንክብላ ዝሃብኦ ቃለ ምልልስ ደምደሙ።







All the contents on this site are copyrighted ©.