2011-07-02 15:55:41

መበል 60 ዓመት ማዕርገ ክህነት ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ.


ትማሊ ናይ ላቲን ሥርዓት እትኽትለ ካቶሊክ ቤተ ክርስትያን በዓለ ቅዱስ ልበ ኢየሱስ ዘኪራ ኣብ ዝወዓለትሉ ዕለት ናይ ብፁዓን ካርዲናላት ጉባኤ ንኽብሪ መበል 60 ዓመት ክህነት ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ኣብ ቫቲካን ሓዋርያው ሕንጻ ኣብ ዝርከብ መሥፍናዊ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ናይ ምሳሕ ግብጃ ከምዘቕረበሎም RealAudioMP3 ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።

ቅዱስነቶም ዕለት 29 ሰነ 2011 ዓ.ም. ናይ ላቲን ሥርዓት እትኽተል ካቶሊክ ቤተ ክርስትያን ዓመታዊ በዓለ ቅዱሳን ጴጥሮስ ወጳውሎስ ኣብ ዘብዓለትሉ ዕለት፣ ነታ ቅድሚ 60 ዓመት ኣብ 1951 ዓ.ም. ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ማዕርገ ክህነት ዝተቐበሉላ ዕለት እተዘኻኽር ብምዃና፣ ኣብ ሕይወቶም እግዚኣብሔር ንዝገበረሎም ሰናይ ነገር ኵሉ ኣምስጊኖም ድሕሪ እቲ ዝቐረበሎም ናይ ምሳሕ ግብጃ ናይ ምስጋና ቃል ቅድሚ ምስማዖም ናይ ብፁዓን ካርዲናላት ኣፈ ጉባኤ ብፁዕ ካርዲናል ኣንጀሎ ሶዳና ብስም ኵሎም ብፁዓን ካርዲናላት ናይ ቀረባ ተሓባባርቲ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ፣ ቅዱስነቶም ዕለት 29 ሰነ 1951 ዓ.ም. ቤተ ክርስትያን ብኢድ ብፁዕ ካርዲናል ፋኡልሃበር ድልው ውእቱ ተባሂሎም ማዕርገ ክህነት ዝተቐበሉላ ዕለትን ኣብቲ እዋን ዝተሰምዖም ሓጎስን ዓቢይን ክህነታዊ ኃላፍነት ተንቲኖምልና ኢዮም። እቲ ሽዕኡ ዝተሰምዖም መንፈስ እነሆ ኣብዛ መበል 60 ዓመት ክህነቶም ከም ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብ ዝዝክሩላ ዕለትን ምእንቲ ክብሮም ኣብ ዝተኣከብናሉ መሥፍናዊ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ዘቓልሕ መንፈስ ኢዩ። ኣብዛ ዓባይ ዕለት ናይ ቀረባ ተሓባበርትኹም ብፁዓን ካርዲናላት ሓቢሮም ምሳኹምን ስሌኹምን ንእግዚኣብሔር የመስግኑን ይውድሱን። ናይ ሮማ ሊቀ ጳጳስ ብምዃንኩም እውን ሮማ ናይ ኩላዊት ቤተ ክርስትያን ሓዋርያዊ መንበር ዝተነብረላ ስለ ዝኾነት፣ ብፁዓን ካርዲናላት ንመላእ ዓለም ድኻታትን ኣብ ሮማ ንዝርከቡ ድኻታትን ስደተይናታትን ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ንዘቕርቦ ናይ ግብረ ሰናይ መሳለጢ ዝውዕል ናይ ገንዘብ ሓገዝ እነወፍይ። በዚ ህያብ’ዚ ድማ ብፁዓን ካርዲናላት ነቲ ቅዱስነቶም ዝፍጽምዎ ሓዋርያዊ ኣገልግሎት ተሓባባርቲ ምዃኖም ብምርግጋጽ ብቐጻልነት መንበር ቅዱስ ጴጥሮስ ንዘካይዶ መደብ ግብረ ሰናይ ኣብ ምድጋፍ ወትሩ ድልዋት ምዃኖምን ንተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ተኣዛዝነቶም ኅብረቶምን ንምሕዳስ ዝኣመተ ኢዩ ቢሎም፣ ቀጺሎም በዛ ዕለት እዚኣ ድማ ሰበኻ ሮማ ንኽልተ ሚእቲ ድኻታት ንተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ተኣማንነቶም ብምርግጋጽ እዚ ተኣማንነት’ዚ ክሰፍሕ ዝዓዪ ማኅበር ቅዱስ ጴጥሮስ ብምኽንያት መበል 60 ዓመት ክህነት ቅዱስ ኣቦና ናይ ምሳሕ ግብጃ ከምዘቕረበ እውን ገሊጾም። ቤተ ክርስትያን ሮማ ናይ ፍቕርን እምነትን ተስፋን መንበር ስለ ዝኾነት እቲ ብኣኦም መሠረት ዝግለጽ ሓልዮት እግዚኣብሔር ንምምስካር ዝሓቀነ እውን እዩ። ብስም ኩሎም ብፁዓን ካርዲናላት ንቅዱስ ኣቦና እንቋዕ ንመበል 60 ዓመተ ክህነት ኣብቅዓኩም ጸጋ ነዊሕ ዓመታት እውን ንምነየልኩም ከምዝበሉ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።

ቅዱስ ኣቦና ብወገኖም ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ፣ መዝሙረ ዳዊት 133 ፍቕዲ 1 “እነሆ ሕዝቢ እግዚኣብሔር ብሓደ ኃቢሮም ኪነብሩስ እዚዩ ሠናይን ጥዑምን እዩ።” ዝብል ቃል ጠቒሶም እዚ ቓል ቅዱስ መጽሓፍ’ዚ ድማ ኣብዚ እዋን እዚዩ ዝነብርዎን ዘስተማቕርዎን ኅልው ኮይኑ የሰንዮም ከምዘሎ መስኪሮም፣ እቲ ካብ ማዕርገ ክህነት ዝርከብ ሓጐስ ብሓባር ምስ ካህናት ኰይካ ክትነብሮን ንመጓሰይ ኣምላኽ እውን ክትምስክሮን ክንደይ ዓቢይ ሠናይ እዩ ምስ በሉ፣ ነቲ ናይ ምሳሕ ግብጃ ነዘቕረቡሎም ናይ ብፁዓን ካርዲናላት ጉባኤ ብስም ኣፈ ጉባኤ ብፁዕ ካርዲናል ኣንጀሎ ሶዳኖ ኣመስጊኖም፣ ጸዋዕታ ክህነት ናይ ግሊ እውን እንተኾነ ንውልቂ ዝነበር ኣይኮነን፣ ስለዚህ ኣብ ጉባኤ ካህናት ዝንበር፣ ምስ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ኅብረት ምስ ዘለዎም ብፁዓን ጳጳሳታ ዝሓብር በቲ ንሕና ዝብል ሳልሳይ ኣካል ብዙኃን ዝግለጽ ማኅበረሰብኣውነት ቤተ ክርስትያን ዝንበሮ ኢዩ። ስለዚ’ኢዩ ድማ ብሓባር መበል 60 ዓመት ክህነተይ ነብዕሎ ዘለና። እቲ ክህነት ዝተቐበልሉ እዋን ምስ እዚ እነብረሉ ዘሎና ዘመን ብምንጽጻር ኣዚዩ ዝተፈላለየን እውም እንተኾነ፣ መደብ ኣምላኽ ብናይ ግሊ ጸዋዕታ ኣቢሉ ብመሠረት እምነት ኣብታ ዓባይ ናይ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ቤተ ክርስትያን-ሕዝበ እግዚኣብሔር ጸንቢሩ ባዕሉ ናብ ናይ እግዚኣብሔር ዓለም ይመርሓና። እዚ ድማ ብእንቐበሎ ጸዋዕታ ዝብገስ ጎዕዞ ሕይወት ኢዩ። ጎዕዞና ምስ እግዚኣብሔር ናብ እግዚኣብሔር ኢዩ። ድሕሪ ር.ሊ.ጳ. ብፁዕ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ዕለት 19 ሚያዝያ 2005 ዓ.ም. እግዚኣብሔር ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ገይሩ ክሓርየኒ ኣብ ኃይሊ ተኣሚኑ ኢዩ። ስለዚህ ኣነ በዚ ብናቱ ኃይሊ ተኣሚነ ኢየ እነዅልካ ዝበልኩ። ኵሉ ይቕየረ ናይ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ተኣማንነት ግን ነባሪ ኢዩ። “ኦ ጎይታይ ተስፋይ ኣባኻ ኣንቢረዮ እየ እሞ፣ ንዘልዓለም ፍጹም ዝጠፍእ ይከውን ደግፈኒ” ዝብል ጸሎት ደጊሞም፣ እግዚኣብሔር ብጸጋኡ ስለ ዝመርሓና ነመስግኖ፣ ነቶም ናይ ምሳሓ ግብጃ ዘቕረቡሎም ኣመስጊኖም፣ እግዚኣብሔር ይባርኸና ብሓልዮት እግዚኣብሔር ንቕድሚት ንጎዓዝ ቢሎም ዘስምዕዎ ቃል ከምዘጠቓለሉ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።








All the contents on this site are copyrighted ©.