2011-06-30 13:43:36

ቅዱሳን ጴጥሮስ ወጳውሎስ “ከውሕን ውዕዉዕ መንፈስን” ናይ ክርስትና እምነት


ጳጳሳዊ ናይ ሥርዓት ኣምልኾን ሊጡርጊያን ክብረ በዓላት መምህር ብፁዕ ኣቡነ ጒይዶ ማሪኒ ብምኽንያት ዓመታዊ በዓል ቅዱሳን ጴጥሮስ ወጳውሎስ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ፣ ቅዱስ ጴጥሮስ ከውሒ ቤተ ክርስትያን ጳውሎስ ድማ ውዕዉዕ ስምዒትን መንፈስን ቤተ ክርስትያንን ተልእኾ ቤተ ክርስትያንን ይውክሉ ቢሎም እዚ RealAudioMP3 ዓመታዊ በዓል ቅዱሳን ጴጥሮስ ወጳውሎስ ብናይ ሊጡርጊያ ባህረ ሃሳብ ዓቢ ዕለት ኢዩ። ናብቲ ምስ ሓዋርያ ቅዱስ ጴጥሮስ ኮይንና ብኣኡ መሠረት እነጽንዖ እምነትናን ናብቲ ምስ ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ኮይና እንነብሮን እንገልጾን ንዓለም ቃለ ወንጌል ንኸነብሥር ዝድርኽና ውዕዉዕ ስሚዒት እምነትና እንምስክረሉን እዚ መንፈሳዊ ኵነት እንነብረሉን ቃለ ተኣምኖ እንፍጽመሉ ዓቢይን ዝተቐደሰን ዕለት ኢዩ። ብፍላይ ድማ ኣብ ሮማ ጴጥሮስን ጳውሎስን ናይ እምነት ሰማዕትነት ዝተቐበሉን ናይዞም ክልተ ዓበይቲ ቅዱሳን ትሩፋት ኣብ ዝርከበሉን መንበር ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብ ዘለሉ ቦታ ክትነብሮ ድማ ዓቢይ ጸጋ ኢዩ። ኣብዚ በዓል’ዚ ኣብ መላእ ዓለም እትርከብ ቤተ ክርስትያን ኣቲ ብቐጻልነት እትነብሮ ምስ ቅዱስ ጴጥሮስ ዘለዋ ኅብረት እትምስክረሉን ጸሎት ገይራ እተቕርበሉ ዕለት ከምዝኾነን፣ ናይ ቅዱስ ጴጥሮስ ቃለ ተኣምኖ ዳግም ዝፍጸመሉ ዕለት ምዃኑ ገሊጾም። ኩሉ ናይቲ ብሓቂ ሕይወት ዘድሕንን ዝልውጥን ወንጌል ዝምስከረሉን ዝንገረሉን ዓቢይ ዕለት ኢዩ።

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በዛ ዓባይ ዕለት’ዚኣ ኣብ ልዕሊ ብፁዓን ሊቃነ ጳጳሳት ዘንብርዎ ቃለ ተኣምኖ ቅዱስ ጴጥሮስ ኣክሚም ምስ ናይ ሮማ ቤተ ክርስትያን መንበር ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስን ምስ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ውህደቶም ዝረጋግጽሉን ዝነብሩሉን ኣብ ቅዱስ ጴጥሮስ ቃለ ተምኣምኖ ሓቢሮም ምስታ ምስ ሓዋርያዊ መንበረ ሕብረት ዘለዋ ቤተ ክርስትያን ኮይኖም ምእመናን ዝመርሑ ምዃኖም ኣብ ቤተ ክርስትያን ናይ መዝነትን ሓላፍነትን ሕጋዊ ሥልጣን መግለጺ ኢዩ።

ቀጺሎም እቲ ምስ ናይ ትማሊ ዓቢይ በዓል ቅዱሳን ጴጥሮስ ወጳውሎስ ተተሓሒዙ ኣብ መላእ ቤተ ክርስትያን ተዘኪሩ ዝወዓለ መበል 60 ዓመት ክህነት ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ኢዩ። ቅዱስ ኣቦና ቅድሚ ስልሳ ዓመት ዕለት 29 ሰነ 1951 ዓ.ም. በዛ ዓባይ በዓል ቅዱሳን ጴጥሮስ ወጳውሎስ ማዕርገ ክህነት ዝተቐበሉላ ዕለት ምዃና ብፁዕ ኣቡነ ማሪኒ ሓቢሮም፣ ኣብ ቅዱሳን ጴጥሮስ ወጳውሎስ ትማልን ሎምን ጽባሕን ናይ ቤተ ክርስትያን ሠረትን መሠረትን ዓንድን ነለልይ፣ እቲ ኣብ ናይ ቅዱስ ጴጥሮስ ቃለ ተኣምኖ ተመሥሪትና እንገልጾን እንነብሮን እምነት ሎሚ ኣብ ተኸታሊ ቅዱስ ጲጥሮስ ቅዱስ ኣቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ መበል 16 እንነብሮን ንሶም ድማ ከም ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብ እምነትና የጽንዑና፣ ስለዚ እዛ ዓባይ በዓል ብዛዕባ ፍቕርን ተኣማንነት ንቤተ ክርስትያን ዝንገረላን ዝንበረላን ዕለት ኢያ፣ እቲ ንቤተ ክርስትያን ዘሎና ፍቅርን ተኣማንነትን ብምሕዳስ ካብዚ ዝምንጭው ሓጎስ እነስተማቕረሉን እነካፍለሉን ዕለት እውን ኢዩ እንክብሉ ዝሃብዎ ቃለ ምልልስ ደምደሙ።







All the contents on this site are copyrighted ©.