2011-06-28 13:58:18

ጳጳሳዊ ናይ ስደተይናታትን ገያሾን ሓዋርያዊ ሓይልዮት ቤት ምኽሪ


በቢ ዓመቱ ዕለት 10 ሓመለ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ማያት ባሕሪ ዝሕሰበሉ ዕለት ምዃኑ ክፍለጥ እንከሎ፣ ጳጳሳዊ ናይ ስደተይናታትን ገያሾህ ሓዋርያዊ ሓልዮት ቤት ምኽሪ ሊቀ መንበር ብፁዕ ኣቡነ ኣንቶኒዮ ማሪያ ቨሊዮ መልእኽቲ ከምዘመሓላለፉ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጽ ከመልክት እንከሎ፣ ብፁዕነቶም ኣብ ዘተሓላለፍዎ መልእኽቲ RealAudioMP3 ፣ ር.ሊ.ጳ. ብፁዕ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ዕለት 12 ነሓሰ 1984 ዓ.ም. ብሃብቲ ማያት ባሕሪ ንእትመሓደር ንኸተማ ፋኖ ሕዝቢ ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ፣ ቤተ ክርስትያን ነቲ ብሃብቲ ማያት ባሕሪ ዝመሓደር ሕዝቢ ቀረባ ከምዝኾነትን ናይቲ ሕዝቢ ብርቱዕን ንዝተፈላለየ ሓደጋ እውን ዘቃልዕ ዕዮኡ ከምእተኽብርን ምእንቲ ብሃብቲ ማያት ባሕሪ ዝመሓደር ሕዝቢ ሰብኣዊ መሰልን ፍቓድን ሓልዮት ከምእትዓይን ከምእተነቓቕሕን ከምዘረጋግጹን ኣብቲ ዕለት 10 ሓምሌ 2011 ዓ.ም. ንዝዝከር ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ማያት ባሕሪ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ጠቒሶም፣ ቤተ ክርስትያን ንባሕረይናታትን ብሃብቲ ባሕሪ ዝመሓደሩ ህዝቢ እተቕርቦን እትህቦን ሓዋርያዊ ኣገልግሎት ናይቲ ሕዝቢ ጽንኩር ናብራን ከቢድ ዕለታዊ መነባብሮ ኣፍልጦ ዘለዋ ከምዝኾነት ኣመልኪቶም፣ ዓለም ሓቆፍ ናይ ሥራሕን ሰራሕተይናታት ጉዳይ ዝሓሊ ማኅበር ብዛዕባ ባሕረይናታትን ብሃብቲ ማያት ባሕሪ ዝመሓደር ሕዝቢ ዝምልከት ኣብ 2006 ዓ.ም. ዘመሓላለፎ ውሳኔ ኣብ ኩለን ሃገራት ውሑስ ክኸውን ጻውዒት ኣቕሪቦም፣ በዚ ኣጋጣሚ ዕለት 17 ሚያዝያ 1922 ዓ.ም. ብሓልዮት ር.ሊ.ጳ. ፒዮስ መበል 11 ኣብ እንተ ላእለ ኵሉ ቤተ ክርስትያን ብዛዕባ ባሕረይናታትን ብሃብቲ ማያት ባሕሪ ዝመሓደር ሕዝቢ ዝምልከት ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ መምርሒ ከምዝጸደቐ ኣዘኻኺሮም በዚ ኣጋጣሚ’ዚ ድማ ናይ ባሕረይናታትን ብሃብቲ ማያት ባሕሪ ዝመሓደር ሕዝቢ ዝምልከት ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ጉዳይ ዝዝቲ ዓለም ሓቆፍ ሓዋርያዊ ኣገልግሎት ንባሕረይናታትን ብሃብቲ ማያት ባሕሪ ዝመሓደር ሕዝቢ ጉባኤ ካብ ዕለት 19 ሕዳር ክሳብ ዕለት 23 ሕዳር 2012 ዓ.ም. ኣብ ኢጣሊያ ከተማ ሮማ ክካይድ ከምእተወሰነ ከምዝሓበሩ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ኣመልኪቱ።








All the contents on this site are copyrighted ©.