2011-06-28 13:59:42

ኢትዮጵያ፣ ናይታ ኣብ ዕብየት ጎዳና እትርከብ ኣፍሪቃ መልክዕ


ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ኢትዮጵያ ዋላ’ኳ ኣብቲ ዘይምርግጋእ ዝራኣየሉ ከባቢ ኣፍሪቃ ኣትርከብ ሃገር እውን እንተኾነት፣ ኣብ ኤኮኖሚ እተርእዮ ዘላ ምዕባለ ዝነኣድ ምዃኑን እዚ ድማ ናይታ ኣብ ዕብየት እትርከብ RealAudioMP3 ኣፍሪቃ መለለዪት ከምዝኾነት፣ ኣብ ምስራቕ ኣፍሪቃ ዝርኤ ናይ ነዊሕ ዓመታት ዘይምርግጋእን ውጥረትን ንምውጋድ ብከባብን ብኅብረት ኣፍሪቃን ደረጃ ኣብ ዝካየዱ ናይ ሰላም ዘተ ዘለዋ ግደ ዓቢ ምዃኑን ኣብዚ መዳይ ዓቢ ኣገልግሎት እተበርክት ምዃና ዓለም ሓቆፍ ናይ ኣሕዛብ ምዕባለ ጉዳይ ዝሓሊ ኮሚቴ ኣመሓዳሪ ፓውሎ ዲየቺ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ ከምዘመልከቱ ክንገር እንከሎ፣ ናይ ኢትዮጵያ ምጣኔ ሃብቲ ኣብ 2008 ዓ.ም.ን ከምኡ እውን ኣብ 2009 ዓ.ም. ብ10 ሚእታዊ ዕብየት ከምዘርኣየን ሓቢሮም ኣብቲ ዘይርምግጋእ ዝረኣየሉ ከባቢ ዝሠፈርካ ኰይንካ ከምዚ ዓይነት ምዕባለ ኤክኖሚ ከተረጋግጽ ብሓቂ ዝነኣድ ኢዩ ቢሎም፣ እንተኾነ ግን ምስ’ቲ ምዕባለ ኤኮኖሚ ተተሓሒዙ ድማ ኣብታ ሃገር ኣብ መንጎ ድኻን ሃብታምን ዘሎ ፍልልይ እናዓበየ ይኸይድ ከምዘሎን፣ እቲ ማኅበራዊ ጉዳይ ንብዙሓት ዘይመንግሥታውያን ናይ ግብረ ሰናይ ማኅበራት ኣብታ ሃገር ዝርኤ ማኅበራዊ ውገዳ ንምእላይ ዝኣመተ ዝተፈላለየ ናይ ሓገዝ ውጥን ንምርግጋጽ የነቓቕሕ ከምዘሎ ሓቢሮም።

ኣብ ደቡባዊ ሰሃራ ኣብ ዝርከባ ሃገራት ኣፍሪቃ እቲ ብሑራት መንግሥታት ዓለም ድኽነት ንምውጋድ ዝተሓንጸጾ መደብ ምዕባለ ሚልኒዩም ብመዳይ ምጥፋእ መሃይምነትን ምስፋሕ ናይ ሕክምና ኣገልግሎትን ይረጋገጽ እውን እንተሃለወ፣ ናይቶም ኣብ ሕሱም ድኽነት ናይ ዝርከቡ ብዚሒ ዜጋታት ንምንካይ ኣሚቱ ዝካየድ መደብ ምዕባለ ስጓመ ዘየርእይ ምዃኑ ሓቢሮም፣ ኣብ ኣፍሪቃ ኣብ ኤኮኖሚ መዳይ ዝፍጸመ ዝተፋላለዩ ስምምዓት መሠረት ኣብ ናይ ኣፍሪቃ ናይ ኤኮኖሚ ምዕባለ ዓቢ ተራ ትጻወት ዘላ ቻይና ኢያ። ብብዙሓት ሃገራት ኣፍሪቃ መንግሥታት ቻይና ከም ምዕራባውያን ሃገራት ዘይኮንት እትኣትዎ ቃል ዘይተዕብር ተባሂላ እያ እትግለጽ ኣብ ኤኮኖሚ መዳይ እታ ዝዓበየት ናይ ኣፍሪቃ ተሓባባሪት ሃገር ኮይና ኣላ እንክብሉ ዝሃብዎ ቃለ ምልልስ ደምደሙ።








All the contents on this site are copyrighted ©.