2011-06-28 13:57:20

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ.፦ “ብዘይ ቅዱስ ቍርባን ቤተ ክርስትያን ኣይምሃለወትን”


ዝሓለፈ ሰንበት ዕለት 26 ሰነ 2011 ዓ.ም. ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ጸሎት መልኣከ እግዚኣብሔር ቅድሚ ምዕራጎም ኣብ ቅዱስ ቍርባን ኣማእኪሎም ዘቕረብዎ ሥልጣናዊ ኣስተምህሮን ከምኡ እውን ዕለት 23 ሰነ 2011 ዓ.ም. ኣብ ቅዱስ ዮሐንስ ዘ ላተራኖ ብምኽንያት ዓመታዊ በዓል ቅዱስ ቍርባን መሥዋዕተ ቅዳሴ ኣቕሪቦም ኣብ ዘስምዕዎ ስብከት RealAudioMP3 ፣ ብዘይ ቅዱስ ቍርባን ቤተ ክርስትያን ኣይምሃለወትን እንክብሉ ዝስመሩሉ ጽኑዕን ርጉጽን ሓሳብ መሠረት፣ ኣብ ኢጣሊያ ናይታ ኣብ ወርሒ መስከረም 2011 ዓ.ም. ናይ ኢጣሊያ ብሔራዊ ጉባኤ ቅዱስ ቍርባን እተእንግድ ከተማ ኣንኮና ሊቀ ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ኤድዋርዶ መኒከሊ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ፣ ቤተ ክርስትያን ናይ ቅዱስ ቍርባን መንበርን ሓላዊትን ክትኸውን እንከላ ገዛእ ርእሳ ናይዚ በቢ ዕለቱ ዝሕደስን በቢ ዕለቱ ገዛእ ርእሱ ዘወፍይን ዝዕድልን ቀጻሊ ክውን ዝገብርን ህልውናኡ ቀጻልነት ናይ ዘለዎ ቅዱስ ቁርባን ፋይዳን ውጽኢትን እያ ቢሎም፣ ምስ እዚ ተተሓሒዙ ዝኸይድ ድማ ምሥጢረ ክህነት ኢዩ ስለዚህ፣ ቅዱስ ቍርባን ቤተ ክርስያንን ምሥጢረ ክህነትን ተተሓሒዞም ዝኸዱ ኢዮም።

ቅዱስ ቍርባን ቃለ ሞሳን ምስጋናን ናይ ጸጋ ግብርን ፍጻሜን ክኸውን እንከሎ፣ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ርእሰ ወፈያ (ምሥዋዕት) ዝፈጸመሉ ትእምርትን ቃለ ምሥጋናን ኢዩ። እዞም ክልተ ቃላት እዚኣቶም ዝብዕሉን ዝኽበሩን ኽኾኑ እንከለዉ፣ ከምቲ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ዝበልዎ፣ ነዚ ንኻልእ ቁልሕ ምባልን ገዛእ ርእስኻ ምውፋይን ፍቓደይና ምዃን ዘይልሙድ እናኾነ ዝኽየደሉ ዘሎ ውልቃውነት ዘኽርር ዓለም ፈዋሲ ይኸውን። ግዜኻን ገዛእ ርእስኻን ምእንቲ ድሕነት ካልኦት ከተወፍይ የተባብዓካን ኃይሊ እውን ይኾነካ ኢሎም።

ናይ ቤተ ክርስትያን ኃይሊ እቲ ህልው ዝኾነን ዘሎን ዝነብርን ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኢዩ። ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ብምሥጢረ ቅዱስ ቍርባን ኣብ ቅዱስ ቍርባንን ንናይ ነፍሲ ወከፍ ዘመን ሰብን ቤተ ክርስትያንን መሰታ ኢዩ፣ ዝነበረን ዘሎን ዝነብርን ኢዩ። ምእመን ኣብ ከምዚ ዓይነት ኣብ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዝቐውም ርድኢት ክህለዎ እንከሎ ኣብ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ይሓብር ምሳኡ ውህደት ዘለዎ ምዃኑ ክኣምንን ከስተውዕልን ክነብርን እንከሎ ጥራሕ ኢዩ፣ ብዝተውሃቦ ክብሪ ዝሕበንን ኣዚዩ ኣድላዪ ምዃኑ ዘረጋግጽ።

እቲ ኣብ ሰበኻኦም ዝእንገድ ናይ ኢጣሊያ ብሔራዊ ጉባኤ ቅዱስ ቍርባን ብሓቂ ናይ ሕብረትን ውህደት እዋንን ንቤተ ክርስትያን ሓድሽ ኃይልን ብርታዔን ዝህብ ከምዝኸውን ዝተረጋገጸ ኢዩ። እዚ ዓቢ ተስፋ’ዚ ድማ ኣብቲ ናይቲ ዝካየድ ብሔራዊ ጉባኤ ቅዱስ ቍርባን መሪሕ ቃል ወንጌል ዮሓ. ምዕራፍ 6 ፍቕዲ 68 “ጐይታይ! ንስኻ ናይ ዘለዓለም ሕይወት ቃል ኣሎካ፥ ናብ መን እሞ ኽንከይድ” ኣብ ዝብል ቃለ ወንጌል ዝተረጋገጸ ኢዩ ቢሎም፣ ኅብስትን ወይንን ምልዋጥን ቅዱስ ቍርባን ምንባርን ተተሓሒዞም ክኸዱ ኣለዎም፣ እዚ ድማ ቅዱስ ቍርባን ኣብ ዕለታዊ ሕይወት ዝንበር ኢዩ። ንእውነተይና ኣማኒ ቅዱስ ቍርባን መተካእታ ዘይብሉ እንኮ ሓቀይና ሕይወት ኢዩ እንክብሉ ዝሃብዎ ቃለ ምልልስ ኣጠቓሊሎም።








All the contents on this site are copyrighted ©.