2011-06-25 15:26:49

ዓመታዊ በዓል ቅዱስ ቍርባን (ዕለት 23 ሰነ 2011)

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ.፦ ኣብ ቅዱስ ቍርባንን ኣብ ከቢድ ስቓይ ኣብ ዝርከቡ ኣኅዋትን ኅላዌ ክርስቶስ ምፍላጥን


ዝሓለፈ ሓሙስ ኣብ እንተ ላእለ ኵሉ ቤተ ክርስትያን ኮርፑስ ዶሚኒ ማለት ዓመታዊ በዓል ቅዱስ ቍርባን ተኸቢሩ ከምዝወዓለ ክፍለጥ እንከሎ፣ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ኣብ ኅብስትን ኣብ ዝሳቐዩ RealAudioMP3 ኣኅዋትን ክርስቶስ ምልላይ ይግባእ ቢሎም፣ ቅዱስ ቍርባን ሰብ ኣብ ክርስቶስን ምስ ክርስቶስን የዋህድ ብናይ ክርስቶስ ኣሰር ኣቢሉ ድማ ምእንቲ ካልኦት ገዛእ ርእሱ የወፍን ንሰብኣዊ ሥድራ ቤት ዓለም ናይ ሓድነት መጋበርያ ይኸውን ኣብ ዝብል ዓሚዩቕ ትርጉም ቅዱስ ቍርባን ኣደጊፎም በቲ በዓል ምኽንያት ኣብ ቅዱስ ዮሓንስ ዘ ላተራኖ መሥዋዕተ ቅዳሴ ሰሪዖም ኣብ ዘስምዕዎ ስብከት ከምዘመልከቱ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ እንከመልክት፣ ድሕሪ እቲ ፍጻመ ሥርዓት መሥዋዕተ ቅዳሴ ካብ ቅዱስ ዮሓንስ ዘ ላተራኖ ኣደባባይ ክሳብ ሳንታ ማሪያ ማጆረ ባሲሊካ ኣደባባይ ብቕዱስ ቁርባን ዘምረሔ መንፈሳዊ ናይ እግሪ ጉዕዞ ከምዝመርሑ መግለጺ ቅድስቲ መንበር ሓቢሩ።

ኣብቲ ቅዱስ ቍርባን፣ ሕይወትና ንምልዋጥን መፈለምታ ምልዋጥ መላእ ዓለምን ዝኣመተ እቲ ጸጋ/ህያብ መሬት ዝኾነ ኅብስትን ወይንን ክውንነት ምልዋጥ ይረጋገጽ። በቲ ዓቢይ በዓል ምኽንያት ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. እቲ ኣብ መስቀል ገዛእ ርእሱ ምእንቲ ድሕነት ዓለም ዘወፍይን መገዲ ድሕነት ንነፍሲ ወከፍ ሰብ ዝሕብር ክርስቶሳዊ ምሥጢር ከነስተንትን ዓዲሞም፣ በዚ ኩነት ቀራንዮ ጎይታና ኢየሱስ ኣብቲ ናብ ሥጋኡን ደሙን ዝልወጥ ምሳኡ ከምእሓብር ዝግብረና መገዲ ድሕነት ዝኾነን ዝቑረስ ኅብስትን ዝቕዳሕ ወይንን ምቛም ቅዱስ ቁርባን የቐድምን ቀጻልነቱን ድማ የረጋግጽ ቢሎም፣ ኵሉ ካብ ልቢ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ይነቅል፣ እዚ ድማ ኣብታ ዋዜማ ሕማማቱ ዝኾነት ናይ መወዳእታ መኣዲ ንእግዚኣብሔር ኣመስጊኑን ወዲሱን በቲ ልዑልን ብርቱዕን ሓይሊ ፍቕሩ ኣቢሉ ናይታ ንኽራኸባ ዝኸይድ ዝነበረት ሞት ትርጉም ለወጠ። ክርስቶስ ኩሉ ሕማማትን እቲ ሕማማት ዘስዕቦ ስቃይን ዓመጽን ክሳብ ናይ መስቀል ሞት ከምዝተቐበልን፣ እዚ ምቕባል’ዚ ድማ ናብ ምውፋይ ተግባር ብምቕያር ትርጉም ፍቕሪ (መንነት እግዚኣብሔር) ገለጸ ኢሎም።

ዓለም ካብ ውሽጡ ዘድሕኖን ናብቲ ሰማያዊ መንግሥቲ ዕብየትን ሥፍሓትን ክፉት ዝገብሮ እዚ ዓይነት ምልዋጥ’ዚ እዩ ኣዚዩ ዘድልዮ። እዚ ኅዳሴ ዓለም እግዚኣብሔር ወትሩ በታ ጎይታና ኢየኡስ ክርስቶስ ዝሰዓባን ገዛእ ርእሱ መገዲ እውን ከምዝኾነን በዚ ኣቢሉ እዩ ከረጋግጾ ዝደሊ። ምእንቲ’ዚ እግዚኣብሔር ንወዲ ሰብ ናይ ምድሓን ተኽእሎ መታን ክዕድሎ ንዓለም ህያብ ቅዱስ ቍርባን ጸገወ። ኣብ ክርስትና ኣቋራጺ መገዲ ዝበሃል የሎን፣ ብናይ ትሕትናን ትዕግሥትን ኣገባብ ሥነ መጎት ሕይወት ንምሃብ እትቝረስ ፍረ እኽልን ብልዙብ ኃይሊ እግዚኣብሔር ኣቢልካ ሓደ እምባ ካብ ቦታኡ ፈቐቕ ነኸትብሎ ብዘብቅዕ ኣገባብ ሥነ መጎት እምነት ኣቢሉ ኩሉ ክሓልፍ ስለ ዘለዎ እግዚኣብሔር ሰብኣውን ታሪኽን ቆዝሞስን ወትሩ ንምሕዳስ ዝደልይ። ምሥጢር ምልዋጥን ምኅዳስን ድማ ቅዱስ ቍርባን ኢዩ ካብኡ እዩ ዝምንጭ። በቲ ዝባረኸ ኅብስትን ወይንን ብሓቂ ኅልወተ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዝኾነ ሥጋን ደምን ኣቢሉ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ንዓና ኣብ ገዛእ ርእሱ እዋሂዱ ይልጠና፣ ብጸጋ መንፈስ ቅዱስ ኣቢሉ ብቝዓት ገይሩ ልክዕ ከምቲ ገዛእ ርእሱ ምእንቲ ድሕነት ከም ፍረ እኽሊ ኣቢሉ ናይ ዝገለጾ ኅያብ ርትዓዊ ሥነ መጎት መሠረት ብኣኡን ኣብኡን ከምእንሕብር ገይሩ፣ ኣብ ናይ ምድሓን ተልእኾኡ ይጽንብረና። በዚ ጎዳና’ዚ ኣቢልና ከም መደብ እግዚኣብሔር ናብቲ ኩላትና አንዝንብለሉ ዝተተለመ ሸቶ ናይ ታሪኽ ሓድነትን ሰላምን እናተዘርኤ ክኽየድን ክብጻሕን ዝከኣል ቢሎም ቅዱስ ኣጐስጢኖስ ጠቒሶም፣ ኣነ ናይ ኃያላት መግቢ ኢየ እሞ ዕበይ ናትካ ክኸውን ኢየ። ንስኻ ንዓይ ናባኻ ዘይኮነስ ከምቲ መግቢ ኣብ ሰብነት ኣነ ንኣኻ ናባይ ይቕይረካ፣ ንስኻ ኢኻ ንዓይ/ናባይ እትቕየር…በዚ ድማ ምስ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ንሓብር ናይ ሰብነቱ ክፍሊ ኣካል ንኸውን ምሳኡ ሓደ ንኸውን” ቢሎም ምስ ገለጹ። ኣብቲ ቅዱስ ኅብስቲ ኅላዌ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዝኣምንን ዝፈልጥን፣ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ዝሳቐይ፣ ዝጸምኤን ዝጠመየን ስደተይናን ዝዓረቐን ዝሓመመን ዝተኣሥረን ብጻዩን ኃዉን የለልዮን ይፈልጦን። ካብቲ ሕያብ ፍቕሪ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ቅኑዕን ተሓባባርን ኅውነታዊ መንፈስ ዝዓሰሎ ኅብረተሰብ ንምሕናጽ ዘብቅዓና ክርስትያናዊ ኃላፊነትና ይምንጭ። ብፍላይ ድማ ንሓድ ሕድና ተደለያይትን ሕድ ሕዳዊ ጽግዕተይናነት ዘሕድርለና ዘሎ ከይዲ ዓለማውነት ምትእስሳር ኣብ ዝረጋገጸሉ ዘሎ እዋን፣ ክርስትና እዚ ኅብረት ብዘይ እግዚኣብሔር ማለት ብዘይ ሓቀይና ፍቕሪ ዘይቐውም ከምዝኾነ ከረድእን ብቓልን ሕይወትን ክምስክርን ከምዝኽእልን ግቡኡን ግዴታኡን ድማ ኢዩ ቢሎም፣ ኣርኣያ ኣካል ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ፣ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ክፍሊ ኣካል ናይ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ምዃኑ ወንጌል ዝገልጾ ሓሳብ መሠረት ሰብኣዊ ሥድራ ቤት ሓደ ንሓደ ከይዘንግዔ ብናይ ሕድ ሕዳዊ ናይ ምትሕስሳብ ሓልፍነት ናብ ሓድነት ዝኣመተ ከምዝኾነን እዚ ናይ መንበረ ታቦት ምሥጢር ምክፋል መግልጺኡ እቲ ናይ ሓቀይና ፍትሒ መገዲ ዝኾነ ፍቕሪ እዩ እንክብሉ ዘስምዕዎ ስብከት ከምዘጠቓለሉ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።








All the contents on this site are copyrighted ©.