2011-06-25 15:29:52

ቅዱስ ቍርባንን ኅዳሴ ሕይወት ክርስትናን፦ ካብ ኣምልኾ ናብ ኣስፍሆተ ወንጌል


ብናይ ሰበኻ ፍረጁስ ቱሎን ሊቀ ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ዶሚኒክ ረይ ኣብ 2007 ዓ.ም. ሰበኻዊ ተቐባልነ ዝተውሃቦ ኣብ ፈረንሳ ስግደትን ኣምልኾን ኣብ ቅድሚ ቅዱስ ቁርባን ኣብ ቁምስናታትን RealAudioMP3 ምንቕቓሕ ኣብ ዝብል መንፈሳዊ ዕላማ ዝቖመ ማኅበር ልኡካን ቅዱስ ቁርባን፣ ዘዳለዎ ካብ ዕለት 20 ሰነ 2011 ዓ.ም. ጀሚሩ ካብ ኣምልኾ ናብ ኣስፍሆተ ወንጌል ብዝብል ዋና ርእሰ ጉዳይ ዝተመርሔ ቅዱስ ቁርባንን ኅዳሴ ሕይወት ክርስትናንን ተተሓሒዞም ከምዝኸዱን ኣብ መንጎኦም ዘሎ መሠረታዊ ምትእስሳር ንምምልካት ክካየድ ዝቐነየ ዓወደ መጽናዕቲ ቅድሚ ትማሊ ዕለት 23 ሰነ 2011 ዓ.ም. ከምእተዛዘመ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።

ማኅበር ልኡካን ቅዱስ ቁርባን፣ ኣብ ቅዱስ ቁርባን ዘማእከለ ትምህረተ ክርስቶስ ዘቕርቡን ኣብ ቅዱሳት ሥፍራን ቁምስናታትን ሰበኻታትን ቤተ መቕደስን ኣብ ቅድሚ ቅዱስ ቁርባን ዝፍጸም ሥርዓት ኣምልኾን ስግደትን ዝመርሑ መምሃራን ትምህረተ ክርስቶስ ቅዱስ ቁርባን ብብቕዓት ዘዳልው ከምዝኾነ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።

እቲ ዝተኻየደ ዓወደ መጽናዕቲ ናይ ር.ሊ.ጳ. ብፁዕ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ኣብ 1988 ዓ.ም. ዝደረስዋ “ዲየስ ዶሚኒ-መዓልቲ ጎይታ” እተሰምየት እታ ሰሙናዊ ዕለት ፋሲካ ተባሂላ እትግለጽ ዕለተ ሰንበት ክትቕደስ ከምዘለዎ ሥልጣናዊ ትምህርቲ ዘቕረቡላ ሓዋርያዊት መልእኽትን እታ ኣብ 2003 ዓ.ም. ኤክለሲያ ደ ኤውካሪስቲያ-ኅላዌ ቤተ ክርስትያን ኣብ ቅዱስ ቁርባን ከምዝኾነ ሥልጣናዊ ትምህርቲ እተቕርብ ሓዋርያዊት መልእኽቶምን ከምኡ ድማ እታ ኣብ 2004 ዓ.ም. ብሉቃስ ወንጌል ምዕ. 24 ፍቕዲ 29 ተመሪሖም ዝደረስዋ “ማነ ኖቢስኩም ዶሚነ-ጎይታ ምሳና ኅደር” ዘርእስታ ሓዋርያዊት መልእኽቲ ሥልጣናዊ ትምህርታን ናይ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ኣብ 2006 ዓ.ም. “ሳክራመንቱም ካሪታተስ- ናይ ልግሲ ምሥጢር እተሰምየት ሓዋርያዊት መልእኽትን ከምኡ ድማ እታ “ደዩስ ካሪታስ ኤስት-እግዚኣብሔር ፍቕሪ እዩ” እተሰምየት ዓዋዲት መልእኽቲ ዘቕርብኦ ሥልጣናዊ ትምህርትታት ዝተደገፈ ናይ ኣስተዋጽኦ ሰነድ ኣብቲ ዓውደ መጽናዕቲ ከምዝቐረበን በዚ ሥልጣናዊ ትምህቲ ተመሪሑ ሮማ ኣብ ዝርከብ ሳሊዚያኑም ጳጳሳዊ መንበረ ጥበብ ዝተኻየደ ዓወደ መጽናዕቲ ከምዝነበረ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።

ኣብቲ ዓወደ መጽናዕቲ ብዛዕባ ሥርዓተ ኣምልኾን ቅዱሳት ሚስጢራትን ዝሓሊ ቅዱስ ማኅበር ኅየንተ ብፁዕ ካርዲናል ኣንቶኒዮ ካኚዛረስ ዮቨራን ናይ ፍትሕን ሰላምን ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ሊቀ መንበር ብፁዕ ካርዲናል ፐተር ቱርክሶን ኣስተምህሮ ከምዘቕረቡን ብጠቕላላ ኣሸውዓተ ብፁዓን ካርዲናላት ከምእተሳተፉን ከምቲ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ እምነት ጽንዑ ዝብለና ኣብ ቅዱስ ቍርባን ዘሎና እምነት ክነጽንዕን በዚ ማእከል እምነትና ዝኾነ ምሥጢር ክንዓብን ብኣኡ ክንምራሕን ናይ ክስትያናዊ ሕይወትናን ተልእኾናን ማአክል ምዃኑ ከይንዝንግዕ ብቃል ቅዱስ መጽሓፍን ኣብ ሰነዳት ቤተ ክርስትያንን ሓዋርያዊ መልእኽታትን ዓዋዲ መልእኽታት ተደጊፉ ዝተኻየደ ዓውደ መጽናዕቲ ከምዝነበረ ናይቲ ማኅበር ልኡካን ቅዱስ ቍርባን ኣባል ኣባ ጁስቶ ኣንቶኒዮ ሎ ፈውዶ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ ሓቢሮም።







All the contents on this site are copyrighted ©.