2011-06-25 15:28:45

ሓደስቲ ብፁዓን ናይ እምነት ሰማዕታት


ኣብ ኣዋን መግዛእቲ ሥርዓት ናዚ ኣብ ሃምበርግ ሆልስተንግላኪስ ኣብ ዝርከብ ቤት ማእስርቲ ዕለት 10 ጥቅምቲ 1943 ዝተቐሉ ናይ እምነት ሰመዕትነት ዝተቐበሉ ሰለስተ ካህናት ሎሚ ናይ ቅድስና ጉዳይ ዝሓሊ ቅዱስ RealAudioMP3 ማኅበር ኅየንተ ብፁዕ ካርዲናል ኣንጀሎ ኣማቶ ንቅዱስ ኣቦና ወኪሎም ብዘዕረግዎ መሥዋዕተ ቅዳሴ እንተ ላእለ ኵሉ ቤተ ክርስትያን ብፅዕና ከምዝኣወጀትሎም ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።

ኣብቲ ቅዳሴ ስብከት ዘስምዑ ናይ ክርስትያን ሓድነት ዝነቓቕሕ ጳጳሳዊ ቤት ምክሪ ልኂቅ ሊቀ መንበር ብፁዕ ካርዲናል ቫልተር ካስፐርን ከምኡ ድማ ናይ ሃምበርግ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ዋርነር ቲሰንን ናይ ኦስናብርኽ ሊቀ ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ፍራንዝ ጆሴፍ ቦደን ከምእተሳተፉ ክንገር እንከሎ፣ እዞም ሰለስተ ኣባላት ውሉደ ክህነት ጀርመን ናይ ሃገራዊ ማኅበርነት ሕዝባዊ ቤት ፍርዲ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ናይ ናዚ ቤት ፍርዲ ብክሕደት ሃገርን ስም ምጽላምን ብምስማዕ መራኸቢ ብዙሃን ጸረ መንግሥቲ ናዚን ብዝሉ ኅብረ ክስታት ተኸሲሶም ንሞት ተፈሪድዎም ዝተቐትሉ ኣባ ጆሃነስ ፕራሰክ ኣባ ሄርማን ላንገን ኣባ ኤዱዋርድ ሚዩለር ኣፍቅረቲ ቃል እግዚኣሔርን ቅዱስ ቁርባንን ንሕሙማን በጻሕትን ከምዝነበሩ ብዛዕባ እዞም ሓደስቲ ብፁዓን ኣመልኪቶም ብፁዕ ካርዲናል ኣንጀሎ ኣማቶ ካቶሊክ ቤተ ክርስትያንን እምነትን ሕዝበ እግዚኣብሔርን ንምክልኻል እቲ ናይ ናይዚ ሥርዓት ኣብ ቤተ ክርስትያን ዝፍጽሞ ዝነበረ እደ ኣታውነት ዘጋጥም የጋጥሞም ቢሎም እምነቶም ኣብ ኢድ እግዚኣብሔር ኣንቢሮም ብግልጺ ዝተቓውሙ ከምዝኾኑን ቅድሚ ምቅታሎም ቅዱስ ቁርባን ክካፈሉ ሓቲቶም ነቶም ቀተልቶም ናይ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብነት መሠረት ድማ ምሕረት ከምዝለመኑ ኣብቲ እዋን ብቐረባ ዝፈልጥዎምን ቅድሚ ምቅታሎም ዝበጽሕዎምን ቅዱስ ቁርባን ዘካፈልዎም ናይ በህነን ቆሞስ ካብ ዝሃብዎ ምስክርነት ዝተረጋገጸ ከምዝኾነ ጠቒሶም፣ ኣብ ሰላምን ራህዋን ጸበባን መከራን እምነት ክምስከር ከምዘለዎ ብቓልን ሕይወትን ዘስተምሃሩ ናይ ብሩህ እምነት ሓበርትን ምእንቲ ሰላምን ነጻነትን ምኽባር ናይ ሰብኣዊ መሰልን ፍቓድን ክብሪ ሰብን ክረጋገጽ እምነቶም መሠረት ገይሮም ክርስትና እናመስከሩ ዝተጣበቑ ከምዝነበሩ ቅዱስ ኣቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዕለት 13 መስከረም 2010 ዓ.ም. ኣብ ቅድስቲ መንበር ናይ ጀርመን ልኡከ መንግሥቲ ዘቕረብዎ ናይ ሹመት ደብዳቤ ተረኪቦም ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ ከምዝዘከርዎም ብፁዕ ካርዲናል ኣማቶ ጠቒሶም ዝሃብውዎ ቃለ ምልልስ ደምደሙ።







All the contents on this site are copyrighted ©.