2011-06-23 15:28:54

ናይ ካህናት ጉዳይ ዝሓሊ ቅዱስ ማኅበር መግለጺ


ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ማዕርገ ክህነት ዝተቐበልሉ መበል 60 ዓመት ዕለት 29 ሰነ 2011 ዓ.ም. ምስ ዝብዕል ዓመታዊ በዓል ቅዱሳን ጴጥሮስ ወጳውሎስ ተተሓሒዙ ክዝከር ምዃኑ ናይ ክህነት ጉዳይ ዝሓሊ ቅዱስ ማኅበር ኅየንተ ብፁዕ ካርዲናል ማውሮ ፒያቸንዛ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ ሓቢሮም RealAudioMP3 ፣ እቲ ናይ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. መበል 60 ዓመት በዓለ ክህነቶም እቲ ዝተቐበልዎ ናይ ክህነት ማዕርግ ዝምልከት ኢዩ። ስለዚህ እዚ ብኣኦም ዝምራሕ ቅዱስ ማኅበር ናይ ካህናት ጉዳይ ዝሓሊ ብምዃኑ ብቐጥታ ዝምልከቶ ስለ ዝኾነ ድማ እቲ በዓል ዕለት 29 ሰነ ምስ ዝብዕል ዓመታዊ በዓል ቅዱሳን ጴጥሮስ ወጳውሎስ ተተሓሒዚ ክብዕል ዘተሓሳስብ ኣብ መላእ ዓለም ንዝርከቡ ብፁዓን ጳጳሳት መልእኽቲ ከምዘተሓለፉን ገሊጾም፣ ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ምእመናን ብብፁዓን ጳጳሳቶም ተመሪሖም ብጾሎት ክሓብሩ ዝዕድምን ዘተሓሳብን መልእኽቲ እዩ ቢሎም፣ ብፍላይ ድማ ከምቲ 60 ዓመት ክህነት ቅዱስ ኣቦና ኣብ ቅድሚ ቅዱስ ቁርባን ናይ 60 ሰዓታት ኣስተንትኖን ጸሎትን ክፍጸምን እግዚኣብሔር ምሥጢረ ክህነት ስለ ዝሰራዓልና ከነመስግኖን ንቤተ ከርስትያን ቅዱስ ኣቦን ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ቤነዲክቶስ መበል 16 ስለ ዝዓደላ ብዕጽፍን ድርብን ከመነመስግኖ ኣብ መላእ ዓለም እትርከብ ካቶሊክ ቤተ ክርስትያን ኣብዚ መደብ ጸሎትን ኣስተንትኖን ናይ ምስጋና መሥዋዕተ ቅዳሴ ንምስታፍ ኣብ ዝተዓላለፍዎ መልእኽቲ ዕድመ ከምዝቐረበን ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝርከባ ካቶሊክ ቤተ ክርስትያን ከከም ናይ ከባቢኤን ፍሉይ መደባተን መሠረት ኣብቲ መበል 60 ዓመት በዓለ ክህነት ቅዱስ ኣቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ክሳተፋ በዚ መሠረት ድማ ምስ ሓዋርያዊ መንበር ማለት ምስ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ዘሎ ሓድነትን ውኅደትን እንምስክረሉ ዕለት ክኸውን ከምዘለዎ ዘተሓሳስብ መልእኽቲ ምዃኑ ገሊጾም ዝሃብዎ ቃለ ምልልስ ደምደሙ።








All the contents on this site are copyrighted ©.