2011-06-23 15:27:43

ቫቲካን፣ ልኡኻት ናይ ቍስጥንጥንያ ናይ ውኅደት ኦርቶዶክስ ቤተ ክርስትያን


ዕለት 29 ሰነ ዓመታዊ በዓል ቅዱሳን ጴጥሮስ ወጳውሎስ ኣብ መንጎ ኣቢያተ ክርስያን ዝግበር ናይ ሃባር ዘተን ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስትያን ናብ ውኅደት ዘተባብዕን ናይ ውኅደት ክቡር ዋጋ ዘድምዕ ከምዝኾነ ናይ ቤተ ክርስትያን ጥንታዊ ባህሊ ዘረጋግጾ ሓቂ ምዃኑ ክፍለጥ እንከሎ፣ እነሆ ለብዘበን ከምቲ ልሙድ ዕለት 29 ሰነ 2011 ዓ.ም. RealAudioMP3 ኣብ ዓመታዊ በዓል ቅዱሳት ጴጥሮስ ወጳውሎስ ዝሳተፉ ናይ ቍስጥንጥንያ ናይ ውኅደት ኦርቶዶክስ ቤተ ክርስትያን ልኡኻት ቫቲካን ክኣትዉ ምዃኖም ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።

ናይ ቍስጥንጥንያ ናይ ውኅደት ኦርቶዶክስ ቤተ ክርስትያን ፓትሪያርክ ብፁዕ ወቅዱስ በርጠለሚዮስ ቀዳማይ ናይ ፈረንሳ ንናይ ቍስጥንጥንያ ናይ ውህደት ኦርቶዶክስ ቤተ ክርስትያን ሊቀ ጳጳስ ክቡርነቶም ኤማኑኤልን፣ ኣብ ኅብረት ኤውሮጳ ናይ ቍስጥንጥንያ ናይ ውህደት ኦርቶዶክስ ቤተ ክርስትያን ቤት ጽሕፈት ኣመሓዳሪ ናይ ሲኖፐ ሊቀ ጳጳስ ኣተናጎራስ፣ ኣብ ቤልጂም ናይ ቍስጥንጥንያ ናይ ውኅደት ኦርቶዶክስ ቤተ ክርስትያን ተሓባባሪ ሊቀ ጳጳስን ኣብ ስዊዘርላንድ ናይ ቍስጥንጥንያ ናይ ውኅደት ኦርቶዶክስ ቤተ ክርስትያን ምኽትል ሊቀ ጳጳስ ኣበ ምኔት ማኪሶሞስ ፓቶስ፣ ዝጠቓለለ ጉጅለ ኣባላት ልኡኻት ኣብቲ ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ብቅዱስ ኣቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ መበል 16 ዕለት 29 ሰነ ዓመታዊ በዓል ቅዱሳን ጴጥሮስ ወጳውሎስ ምኽንያት ተመሪሑ ኣብ ዝቐርብ መሥዋዕተ ቅዳሴ ክሳተፉ ክልእኹ ምዃኖም ናይ ቍስጥንጥንያ ናይ ውኅደት ኦርቶዶስክ ቤተ ክርስትያን መግለጺ የመልክት።

እቶም ልኡኻት ዕለት 28 ሰነ 2011 ዓ.ም. ኣብ ቫቲካን በጺሖም ብቕዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ኣቀባብላ ተገይርሎም ብዛዕባ ኣብ መንጎ እንተ ላእለ ኵሉ ቤተ ክርስትያንን ናይ ቍስጥንጥንያ ናይ ውኅደት ኦርቶዶስ ቤተ ክርስትያን ንውኅደት ኣሚቱ ዝግበር ዘተ ዝበጸሖምን ገና ክፍጽሞም ዘለዎም ተበጽሖታት ዘማእከለ ዘተ ክግበር ምዃኑ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ በዚ ዓመታዊ በዓል ቅዱሳን ጴጥሮስ ወጳውሎስ ናይ ውኅደት ፓትሪያርክ ሓላዊ በዓል ቅዱስ እንድርያስን ምኽንያት ክልእቲኣተን ኣቢያተ ክርስትያን ብሱታፌ ልኡኻተን ዝፍጸም ናይ ልኡኻት ምልውዋጥ ባህሊ ኣብ 1969 ዓ.ም. ኣብ ቁስጥንጥንያ ዓመታዊ ብዓል ቅዱስ እንድሪያስ ምኽንያት ኣብቲ እዋን ናይ ክርስትያን ሓድነት ዘነቓቕሕ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ሊቀ መንበር ዝነበሩ ብፁዕ ካርዲናል ዮሓነስ ዊለብራንድስ ዘካይድዎ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ዘበገሶ ርክብ ምዃኑ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ የዘኻኽር።








All the contents on this site are copyrighted ©.