2011-06-21 14:53:20

ናይ ኤል ኦበይድ ሊቀ ጳጳስ፣ ኣብ መንጎ ደብብ ሱዳንን ሰሜን ሱዳንን ዝተጀመረ ግጭት ደው ክብል


ኣብ ሱዳን ናይ ኤል ኦበይድ ሊቀ ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ማራም ማክስ ጋሲስ ኣብ ሱዳን እታ ዕለት 9 ሓምሌ 2011 ዓ.ም. ነቲ ብውሳኔ ሕዝቢ ዝተመርጸ ድላይ ናጽነት ኣብ ግብሪ ዝውዕለሉ ምእዋጅ RealAudioMP3 ሉኣላውነት ደቡብ ሱዳን፣ ኣብ መንጎ ሰሜንን ደቡብ ሱዳንን ምኽንያት ምስሕሓብ ግጭትን ኮይኑ ከምዘሎ ከምዘመልከቱ ንዝሳቐያ ኣቢያተ ክርስትያን ዝድግፍ ዓለም ሓቆፍ ናይ ግብረ ሠናይ ማኅበር ገሊጹ።

ብፁዕ ኣቡነ ማክስ ጋሲስ ብፍላይ ድማ ኣብቲ ደቡብ ሱዳንን ሰሜን ሱዳንን ዘዳቡ ናይ ደቡብ ሱዳን ኮርዶፋ ከባቢ በቲ ተኸሲቱ ዘሎ ወጥረት ምኽንያት ናይቲ ከባቢ ሕዝቢ ንኽመዛበል ክምዘገደዶን፣ ከምኡ ኣውን ኣብ ርእሰ ከተማ ካዱሊ ናይ ሰሜን ሱዳን ወትሃደራት ዝፍንውዎ ዘለዉ መጠነ ሰፊሕ መጥቃዕቲ ናይቲ ከባቢ ሕዝቢ ሕይወትን ደህንነት ንሓደጋ የቃልዕ ብምህላዉ ሕዝቢ ንኽመዛበል ከምእተገደደ እቲ ዓለም ሓቆፍ ናይ ግብረ ሠናይ ማኅበር እንከመልክት፣ እዚ ውጥረት ደው ንኽብል ዝሓለፈ ሓሙስ ኣብ መንጎ ናይ ሰሜን ሱዳን ውትሃደራትን ናይ ደቡብ ሱዳን ናይ ነጻነት ግንባርን ዝተጀመረ ናይ ሰላም ዘተ ተስፋ ከምዘለዎ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ዝሃቦ ምንጪ ዜና እቲ ናይ ግብረ ሠናይ ማኅበር ጠቒሱ፣ እቲ ናይ ሰላም ዘተ ኣብ ፍጻሜ ክበጽሕን ናይቲ ከባቢ ሕዝቢ ካብቲ ወሪድዎ ዘሎ ሽግር ክላቐቕ ብፁዕ ኣቡነ ማክስ ጋሲስ ጻውዒት ከምዘቕረቡ ንዝሳቐያ ኣቢያተ ክርስትያን ዝድግፍ ዓለም ሓቆፍ ናይ ግብረ ሠናይ ማኅበር ኣመልኪቱ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፣ ናይ ማላካል ሓዋርያዊ ኣመሓዳሪ ብፁዕ ኣቡነ ሮኮ ታባን ሙሳ ኣብቲ ከባቢ ዝሃርም ዘሎ ብርቱዕ ዝናም ናይቶም ተመዛበልቲ ሽግር ኣዚዩ የኽብዶ ከምዘሎ ሓቢሮም ብፍላይ ድማ ሕፃናት ብሕማም ዓሶን ተቕማጥን ከምእተጠቕዑ ገሊጾም ማኅበረሰብ ዓለም ነቲ ከባቢ ሕዝቢ ናይ መግብን ሕክምናን ረድኤት ከቕርብ ጻውዒት ከምዘመሓላለፉ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።







All the contents on this site are copyrighted ©.