2011-06-21 14:50:20

ቅዱስ ቍርባንን ኅዳሴ ሕይወት ክርስትናን


ማኅበር ልኡኻን ቅዱስ ቁርባን ዘዳለዎ ዕለት 23 ሰነ 2011 ዓ.ም. ዝፍጸም ካብ ኣምልኾ ናብ ኣስፍሆተ ወንጌል ብዝብል ዋና ርእሰ ጉዳይ ዝተመርሔ ቅዱስ ቁርባንን ኅዳሴ ሕይወት ክርስትናንን ተተሓሒዞም RealAudioMP3 ዝኸዱ ምዃኖምን ኣብ መንጎኦም ዘሎ መሠረታዊ ምትእስሳር ዘነጽር ዓወደ መጽናዕቲ ትማሊ ከምእተጀመረ ክንገር እንከሎ። እዚ ሓድሽ ብናይ ሰበኻ ፍረጁስ ቱሎን ሊቀ ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ዶሚኒክ ረይ ኣብ 2007 ዓ.ም. ሰበኻዊ ተቐባልነቱ ዘረጋገጽሉ ኣብ ፈረንሳ ስግደትን ኣምልኾን ኣብ ቅድሚ ቅዱስ ቁርባን ኣብ ቁምስናታትን ምንቕቓሕ ኣብ ዝብል መንፈሳዊ ዕላማ ዝቖመ ማኅበር ልኡካን ቅዱስ ቁርባን፣ ኣብ ቅዱስ ቁርባን ዘማእከለ ትምህረተ ክርስቶስ ዘቕርቡን ኣብ ቅዱሳት ሥፍራን ቁምስናታትን ሰበኻታትን ቤተ መቕደስን ኣብ ቅድሚ ቅዱስ ቁርባን ዝፍጸም ሥርዓት ኣምልኾን ስግደትን ዝመርሑ መምሃራን ትምህረተ ክርስቶስ ቅዱስ ቁርባን ብብቕዓት ዘዳልው ከምዝኾነ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።
ኣብቲ ዝካየድ ዘሎ ዓውደ መጽናዕቲ ኣብ ናይ ር.ሊ.ጳ. ብፁዕ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ኣብ 1988 ዓ.ም. ዝደረስዋ ዕለት ሰንበት ክኽበር እተተሓሳስብ “ዲየስ ዶሚኒ-መዓልቲ ጎይታ” እተሰምየት እታ ሰሙናዊ ዕለት ፋሲካ ተባሂላ እትግለጽ ዕለተ ሰንበት ክትቕደስ ከምዘለዎ ሥልጣናዊ ትምህርቲ ዘቕረቡላ ሓዋርያዊት መእኽትን እታ ኣብ 2003 ዓ.ም. ኤክለሲያ ደ ኤውካሪስቲያ-ኅላዌ ቤተ ክርስትያን ኣብ ቅዱስ ቁርባን ከምዝኾነ ሥልጣናዊ ትምህርቲ እተቕርብ ሓዋርያዊት መልእኽቶምን ከምኡ ድማ እታ ኣብ 2004 ዓ.ም. ዝደረስዋ ኣብ ሉቃስ ወንጌል ምዕ. 24 ፍቕዲ 29 “ማነ ኖቢስኩም ዶሚነ-ጎይታ ምሳና ኅደር” ብዝብል ኣርእስቲ ዝደረስዋ ሓዋርያዊት መልእኽቲ ሥልጣናዊ ትምህርታን ከምኡ ድማ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ፓ. በነዲክቶስ መበል 16 ኣብ 2006 ዓ.ም. “ሳክራመንቱም ካሪታተስ- ናይ ልግሲ ምሥጢር እተሰምየት ሓዋርያዊት መልእኽትን ከምኡ ድማ እታ “ደዩስ ካሪታስ ኤስት-እግዚኣብሔር ፍቕሪ እዩ” እተሰምየት ዓዋዲት መልእኽቲ ዘቕርብኦ ሥልጣናዊ ትምህርትታት ተደጊፉ ዝቐረበ ሰነድ ነቲ ዓውደ መጽናዕቲ ከምዝቐረበ ተገሊጹ።
እቲ ሮማ ኣብ ዝርከብ ሳሊዚያኑም ጳጳሳዊ መንበረ ጥበብ ዝከይድ ዘሎ ዓውደ መጽናዕቲ ናይ ቅዱስ ኣቦና ናይ ቀረባ ተሓባበርቲ ናይ ኣንተ ላእለ ኵሉ ቤተ ክርስያን ላዕለዎት ብፁዓን ካርዲናላትን ጳጳሳትን ናይ ዝተፈላለያ ሰበኻ ብፁዓን ጳጳሳትን ናይ ካህናትን ደናግልን ማኅበራት ወከልትን ይሳተፉ ከምዘለዉን ኣብቲ ዓወደ መጽናዕቲ ብዛዕባ ሥርዓተ ኣምልኾን ቅዱሳት ሚስጢራትን ዝሓሊ ቅዱስ ማኅበር ኅየንተ ብፁዕ ካርዲናል ኣንቶኒዮ ካኚዛረስ ዮቨራን ናይ ፍትሕን ሰላምን ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ሊቀ መንበር ብፁዕ ካርዲናል ፐተር ቱርክሶን ኣስተምህሮ ከቕርቡ ምዃኖም ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ፣ ዕለት 23 ሰነ 2011 ዓ.ም. ብናይ ላቲን ሥርዓት ዝብዕል ዓመታዊ በዓል ቅዱስ ቁርባን ሮማ ኣብ ዝርከብ ቅዱስ ዮሓንስ ዘ ላተራኖ ባሲሊካ ተጋባእያንን ምእመናንን ብዝሳተፍሉ ዝዓርግ መሥዋዕተ ቅዳሴ ክፍጸም ምዃኑ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት የመልክት።







All the contents on this site are copyrighted ©.