2011-06-20 17:53:29

2ይ ዘጰራቅሊጦስ 2003 ዓ.ም (ሰነ 19 2011)


ንባባት፡ ኤፌ 4፡1~17፥ 1ዮሓ 2፡1~18፥ ግ.ሓ. 2፡1~14፥ ዮ.ሓ 14፡1~22
ስብከት፡ ዐርገ ውስተ አርያም ጸዊወከ ጼዋ ወወሃብከ ጸጋከ ለእጓለ እምሕያው፥ እስመ ይክሕዱ ከመ ይኅድሩ። “ አብ ሰማይ ዓሪግካ ምርኮ ማረኽካ፥ ህያባት ንደቅ ሰብ ወሃብካ፥ ከምኡ እውን ዓመጸኛታት አብኡ ክሓድሩ ምእንቲ” መዝ. 67፡18
መዝሙር፡ ወረደ መንፈስ ቅዱስ . . . “መንፈስ ቅዱስ አብ ልዕሊ ሓዋርያት ከም ሓዊ ወረደ፥ በብዓይነቱ ቋንቋ ኸአ ተዛረቡ”
አብ እዋን ጳራቅሊጦስ ኢና ዘሎና። አብዚ እዋን ብፍሉይ ክሕግዘና ምእንቲ ሕይወት ናይ እታ ቀዳመይቲ ማሕበር ክርስቶስ ኩነታት ክንዕዘብ ሓጋዚ እዩ። ብፍላይ ሓዋርያት መንፈስ ቅዱስ አብ ልዕሊኦም ምስ ወረደ ብኹሉ ተቐይሮም፥ ካብቲ ዕጹው ማዕጾ ወጺኦም ክሰብኩ ጀሚሮም። ነቲ ብሕይወቱ ዝብሎም ዝነበረ ኩሉ ክሰብክዎ ጀሚሮም። እቶም ንመጀመርታ ዝሰምዕዎም እና ተደነቑ እንታይ ኢና እንርኢ ዘሎና እዚኦም ሰባት ዝብልዎን ዝገብርዎን ምስቲ ሓቀኛ እንታይናቶም ምስ ረአይዎ ገሪምዎም ገለ ጉዖሽ ብንግሁኡ ሰትዮም እዮም ገለ ኸአ ተገሪሞም፥ እቲ ንጹር ነገር አብ አርድእቲ ኢየሱስ ሓዲስ ነገር ተራዩ። አብ ሕይወት ሓዋርያት ድሕሪ ምውራድ መንፈ ቅዱስ ዝተራእየ ነገራት እንተሎ፡

ወንጌል ዮውሓንስ ኢየሱስ ንሓዋርያቱ ናይ መጨረሽታ ለበዋን ትምህርትን ዝሃቦ ይነግረና። ከጸናንዖምን ንሱ አበይ ከም ዝከይድ ክነግሮምን አብ ዝሓሸ ክኸይድ ምኻኑ ክነግሮም አብኡ ቦታ ከም ዘሰናድወሎም ከምኡ መጸናንዒ ንወትሩ ምስኦም ዝኸውን ክሰደሎም ምኻኑን ተመሊሱ ከም ዝወስዶም ይገልጸሎም። ቶማስ ኩሉ ምርድኡ ጸጊምዎ ናቱ ምኻድ ስለ ዘይተቐበሎ ምስ ከደ ዝኽተልዎ መገዲ ይሓትት ብኻልእ አዘራርባ እቲ ዝብሎ ክርድኦ ኢሉ ንሱ ብከመይ አብ መንግኦም ከም ዝህሉ ክፈልጥ ይሓትት። ናይ ኩልና ሕቶ እዩ። መገዲ ኢየሱስ ክንፈልጥ እሞ ክንስዕቦ ክንፈልጦ አሎና። በየናይ መገዲ እጉዓዝ አሎኹ ኢልና ክንሓስብ ይግብአና።
ኢየሱስ ቅድሚ ምኻዱ ንሓዋርያቱ ንኹሉ ዝሕተት ሕቶ መልሲ ዝኸውን ናይ መልሲ መጽሓፍ አይሓደገሎምን አይረከቦምን። ከምኡ ንዝኾነ ሓጢአት ዝርኢ ክበዱን መቕጻዕቱን አይሓደገሎምን። ንሕና እውን ከምኡ ገሩ እንተ ዝኸውን ንምነ እንተኾነ መገዱ ከምኡ አይኮነን። ንመገዱ ዝሕብሩ ማለት ስእልታትን ሓበረታታትን የለን። ብግሩህ አዘራርባ አብ ርእሱ እና አመልከተ “ አነ መገድን፥ ሓቅን ሕይወትን እየ” ይብል። ንሱ ጥራሕ እዩ አፍደገ አምላኽ፥ ንሱ ጥራሕ እዩ አብ አቦ ከብጽሓና ዝኽእል። እቲ እንኮ መንጎኛ ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ ካልእ መንጎኛ የብልና። ማርያምን ካልኦት ቅዱሳንን ንስራሕ ኢየሱስ ናብ ኢየሱስ እዮም ዘብጽሑና።

ኢየሱስ እቲ ክንከዶ ዝግብአና መገዲ አብ ሰማያዊ አቦና ዘብጽሓና እዩ። ንሱ “መገዲ አሎኒ” አይኮነን ዝብለና “አነ መገዲ እየ” እዩ ዝብል ነዚ መጊዲ ተኸተሉ አይኮነን ዝብለና ንሱ ብርእሱ እቲ መገዲ እዩ። እዚ አዘራርባ እዚ ቀሊል ዘረባ አይኮነን። ምስኡ ምስታወሃሃድና ጥራሕ ኢና አብ ሰመያዊ አቦ እንበጽሕ ምኽንያቱ ንሱን አቦን ሓደ ስለ ዝኾኑ። ንሕና እንዛረበሉ ዘሎና ናይ ዘይፍለጥ አምላኽ ናይ ግሪኻውያን ወይ ዘይርአ አምላኽ ናይ አይሁድ አይኮነን፥ ንሕና እንዛረበሉ ዘሎና ብዛዕባ እግዚአብሔር ባዕሉ ብኢየሱስ ብዓል ናዝሬት ገሩ ዝተገልጸልና ኢና። ኢየሱስ ገጽ አምላኽ፥ ልቢ አምላኽ፥ ቃል አምላኽ እዩ። አምላኽ ካብ ኢየሱስ ክፍለ አይክአልን እዩ ከምቲ ኢየሱስ ካብ አምላኽ ክፍለ ዘይክእል። “ብወልድ አቢሉ እንተ ዘይኮነ ናብ አቦ ዝመጽእ የለን፥ ንአይ እንተፈለጥኩም ነቦ እውን ክትፈልጥዎ ኢኹም”። አብ ወንጌል ኢየሱስ ኩሉ ጊዜ ንሰባት አብ መገዲ ከምዝረኸቦም ነንብብ አብ መገዲ ኢየሩሳሌም፥ ኢያሪኮ፥ አብ ገሊላ፥ አብ ደማስቆስ፥ አብ አንጾክያ . . . እናበለ ኢየሱስ ዝርከቦ ይነግረና። ሎሚ ንነፍሲ ወከፍና አብ መገዲ ሕይወትና ክረኽበና ይደሊ። አብ መገዱ እንተረኸብናዮ ምሕረት ጸጋ ክንቅበል ኢና። አብ መገዲ እናተጓዕዘ እንተ ጸዋዕናዮ እንታይ ክገብረልካ ትደሊ እዩ ዝብለና። አብ መገዲ ሽሙ እንተ አልዓልና ሎሚ ምሳኻ/ኺ ክውዕል እዩ ዝብለና።

ንሱ ሓቂ ጥራሕ አይኮነን ዝዛረብ እንታይ ድአ ንሱ እቲ ምንጪ ሓቂ አብኡ ጥራሕ ዝርከቦ እዩ። እዚ እዩ ንጲላጦስ ዝተዋህቦ መልሲ። እንታይ እዩ ሓቂ ንዝብል ሕትኡ። ሓቂ ዝብሃል ሓደ አብ አእምሮ ጥራሕ ዝርከብ ረቂቕ ነገር ዘይኮነ አብ ኢየሱስ ግዙፍ መልክዕ ለቢሱ ዝርከብ እዩ። ኢየሱስ ብርእሱ እቲ ሓቂ እዩ። ሓቂ ትዮሪ ወይ ስነሓሳብ አይኮነን አካል እዩ። ኢየሱስ ሓቂ ብዛዕባ አምላኽን፥ ሓቂ ብዛዕባ ሰብን እዩ። እቲ አብ መገድታት ፍልስጢኤም አብ ኩሉ ዝዛወር ዝነበረ ምስ ኃጥአን ዝበልዕ ዝነበረ ብርእሱ ህያብ ኮይኑ ዝመጸና አምላኽ ንሱ እዩ።
ከምቲ አምላኽ ንሓቀኛ መንነቱ ኽገልጽ አብ ኢየሱስ ዝጥምት፥ ንሕና እግዚአብሔር ክግለጸና አብ ኢየሱስ ንጥምት። ንሱ ጥራሕ እዩ እቲ ሓገኛ ምስሊ አምላኽ። ሰብ ንሓቂ ክፈልጥ እንከሎ ዕግበት ይስምዖ እንተኾነ ንኢየሲስ ከፈልጥ እንከሎ ሕይወት ይለብስ አብኡ ኩሉ ጊዜ ሓቂ ስለ ዘላ ብርሃን ይኸውን። ንሓቂ ክርስቶስ ክንለብሳ ክንምስክራ ክርስትያናዊ እምነትና እዩ። አብ ሓቂ ንበሩ እናበለ ሕይወት ተኸተልቱ መፍለጢኦም ሓቂ ክገብሩ ይነግሮም። አብዚ ዓለም እንገብሮ ሓቀኛ ነገር አብቲ ናይ ሓቂ መግዲ ኢየሱስ ዝህቦ ስለ ዘብጽሕ አብ ናብራና አብ ሕይወትና ንሓቂ ክንሰርሕ እንከሎና ናይ ብሓቂ አብ ጉዕዞ ኢየሱስ አሎና ማለት እዩ። ሓቂ ብቐሊል እትጠፍእ ስለ ዝኾነት ኩልና ክንሕልዋ ክንከላኸለላ አሎና።

ቅዱስ ዮውሓንስ አብ ወንጌሉ ከም ዝብሎ “ብእኡ ኹሉ ተፈጥረ፥ ካብቲ ዝተፈጥረ ዘበለ ድማ ብዘይካ ብእኡ ሓንቲ ዝተፈጥረ የልቦን፥ ሕይወት አብኡ ነበረት እታ ሕይወት ከአ ብርሃን ሰብ ነበረት” (ዮሓ 1፡3~4) ይብል። ናይ ኩሉ ፍጡር ምንጪ አብ ኢየሱስ ከም ዝኾነ ይነገረና።
ንሕና ሕይወት ዘሎና ብሳላ ኢየሱስ ኢና። ሕይወትና ህያቡ እያ። በዚ ምኽንያት ኢና ሕይወት ካብ መጀመርትኡ ክሳብ መጨረሽትኡ ቅዱስ ነገር እዩ ኢልና እንአምን። ሕይወት ብዕድል ወይ ብአጋጣሚ ዝመጸ ዘይኮነ ህያብ አምላኽ እዩ። አብ ኢየሱስ ብዘሎና እምነት ጥራሕ ኢና ትርጉም ሓቀኛ ሕይወት ክንርዳእ እንኽእል። ንሱ እቲ ሓቀኛ ሕይወት ስለ ዝኾነ ምስኡ ርክብ ዘልኦ አብ ሕይወት ይነብር። ትርጉም ሕይወት ከአ ይፈልጥ። ሰብ ሎሚ ዋና ሕይወት ኮይነ ዝብል ርድኢት አሕዲሩ አብ ሕይወት ዝተፈላለየ ግፍዒ ክፍጽም ይርኤ። ውግእ፥ ጽንሲ ምንጻል፥ ምጭኳን ሰብ፥ ዝተፈላለየ አብ ሞት ዘብጽሕ ነገር ክንገብር ከሎና ንሰብ ንሕይወት ንፈርዶ እዚ ኸአ ሕጊ አምላኽ ምፍራስ እዩ። ሕይወት ዋንኣ አምላኽ እዩ ሰብ ብዝኾነ መገዲ ንሕይወት ጎይታ ኮይኑ ክውስናላ ወይ ከምድላዩ ክገብራ አይክእልን እዩ።
እዚ ኹሉ ንኢየሱስ ክንፈልጦ ክንረኽቦ ምስኡ ክነብር እሞ ናቱ ክንከውን ምእንቲ እዩ። ንኢየሱስ ክንረኽቦ መገዱ ክንፈልጥ አሎና። ሓዋርያት ቅድሚ ምቕባል መንፈስ ቅዱስ መገዱ አይፈልጡን ነሮም። ብዙሕ ዘደናግር ይገጥሞም ነሩ። ካብኦም ምስተፈለ ንዝኾነ ነገር ዝከውን መልሲ አይነበሮምን ስለዚ ሓደ ነገር ዝርአ ዝነበሮም ብሓደ ኮንካ ንቕድሚት ምጉዓዝ ንዝነ ነገር አብ ማሕበር የምጽእዎ ነሮም። ብዙሕ ነገር ኢየሱስ ዘይነገሮም ነርዎም ስለዚ ብሓባር ኮይኖም ብሓቂ ይመርሑ ነሮም።
ኢየሱስ ንተኸተልቱ አብ ዘመናት ዝመጽእ ምድንጋራት አብ ሓላፍነቶም ስለ ዝሓደጎ አብኦም እምነቱ ይገልጽ። በዚ እዩ መልሲ ንዝኾነ ነገር ዘይሓደገሎም። ብሕጂ እውን ብዙሕ ነገራት ዝግበር አሎ። ቤተ ክርስትያን አብ ኢየሱስ እምነት ገራ መልሲ እትህበሉ። አብ ኢየሱስ ንሱ ሕይወትን መገድን ሓቅን ገርና ምርአይ ንነፍሲ ወከፍ ሕቶ አይምልሰልናን እዩ። ሓንቲ ነገር ዘላ ኢየሱስ አብኡ እምነት ገርና ክንነብር እዩ ዝደሊ።
አብዚ እዋናት ንመንፈስ ቅዱስ ዘኪርና አብ ዘሎናሉ ፍሉይ ጸሎትን ልብና ክንከፍት ንሕተት አሎና። መንፈስ ቅዱስ መራሒ ሃናጺ ሓጋዚ ጎይታ እዩ። ትማሊ ሎሚ ጽባሕ ንቤተ ክርስትያኑ ዝመርሕ ንሱ እዩ እሞ ምርሓና ንበሎ። ቀይረና አብ መንጎና ሕደር ብመንፈስካ ምርሓና። ንቤተ ክርስትያንካ ሎሚ እውን አብርሃላ ንኹሉ ውሽጣውን ግዳማውን ጸገማት አርህወልና ንበሎ።
መዓልቲ አቦታት፡
ሎሚ መዓልቲ አቦታት እዩ አብዚ ዘሎናዮ ሃገር ብፍሉይ ተዘኪሩ ዝውዕል አደን ውሉድን ነብኦም ብፍሉይ ፍቕሮምን አኽብሮቶም ዝገልጹሉ ዕለት እዩ። ብዓል ቤተ ክርስትያን አይኮንን እንተኾነ ነቦታት ፍሉይ ጸሎት ክግበረሎም ተተባብዓና።
መዓልቲ አቦታት ክንዝክር ከሎና አቦ ክብሃል እንከሎ ምንጪ መራሒ ሓላዪ ጓሳ አካቢ ማለት እዩ። ንእግዚአብሔር አቦና ንብሎ እዚ ኸአ ፈጣሪና አምላኽና ጓሳና ሓላይና ስለ ዝኾነ እዩ። ነዚ አብ ግምት አእቲና ንምድራውያን ወለድና አምሳል አምላኽ ስለ እንርእዮም አቦታትና ንብሎም።
አቦ ቀዳማይ ተልእኮኡ ስድርኡ ስድራ አምላኽ ምግባር እዩ። ቤቱ አብ ትሕቲ አምላኽ ዝመርሕ አቦ ዕዉት እዩ። ንቤቱ ኩሉ ጊዜ ክጓሲ ክሓሊ ክእክብ እሞ አብቲ አምላኽ ዝደልዮ ክመርሕ ሓልፍነቱ እዩ። ላም ከም መራሒአ ከም ዝብሃል መጻኢ መልኽዕ ስድራን መጻኢ ዕድል ውሉዳትን አብ መሪሕነት አቦ እዩ ዝምስረት። ስድራ፥ ሃገር፥ ቤተ ክርስትያን አብ መሪሕነት አቦታት እዩ ዝምስረት።
አቦ መንፈሳዊ ሓቀኛ ንኹሉ ብትዕግስትን ምስትውዓልን ክመርሕ እንከሎ ስድራ አምላኽ ዝኾነት ስድራ ይፈጥር። ግላዊ ሕይወቱ ዓቢ ጽልዋ አለዎ። ነዚ አብ ልቡ ገሩ ክመርሕ አልኦ።
አቦ ካብቲ ቀዳምነት ሂቡ ክመርሖ ዘለዎ ንብዓልቲ ቤቱ ከፍቅር ከኽብር ከም አካሉ መጠን አብ ቅድሚ ደቁን አብ ቅድሚ ካልኦትን ክገልጾን ክሕልዎን አለዎ። ንብዓልቲ ቤቱ ዘኽብር አቦ ደቁ እውን የኽብርዎ። ንደቁ ፍሉይ ፍቕሪ ከርኢ ከምህር ክግስጽ አብኩሉ ሓጋዚ ኮይኑ ክርከብ ሓላፍነት ክስምዖ አልኦ። ቤቱ ዘይሃነጸ ካልእ ክሃንጽ አይክእልን እዩ።
አብ ሃገር፥ አብ ቤተክርስትያን፥ ሱታፌን መንፍዓትን አቦታት ዓቢ ተራ አልኦ። አቦ ክመርሕ አልኦ። አብኩሉ ተሳታፍነቱ ክገልጽ አልኦ። አብዚ ዘሎናዮ ዘመን ማዕርነት ዝብል ቃል ንሓልፍነት አቦታት ዘዳኸሞ ይመስል። ሕሉፍ ሓሊፍዎም ገለ ሰባት ነቲ አምላኽ ዝሃቦም ጸጋ ክቕይሩ ዝደልዩ ብዙሓት እዮም ካብ አቦ ምዃን አደ ምዃን ይሕሸኒ ዝብሉ አለዉ ከምኡ ካብ አደ ምኻን አቦ ምኻን ይሕሸኒ ዝብላ አለዋ እዚ ግን ዘይባህርያዊ አምላኽ ዘይደልዮ ስለ ዝኾነ ቤተ ክርስትያን ብትሪ ትቋወሞ። አቦ ምዃን ካብ አምላኽ ዝተዋህበ እዩ ዋንኡ አምላኽ እዩ።
አብዚ ነቦታት ብፍሉይ አብ እንዝክረሉ እዋን መጀምርያ ኩሉ ጊዜ አብ ጸሎትና ክንዝክሮም ከመይ ሕይወቶም አብ ትሕቲ ጽላል አምላኽ መሪሖም ክኽእሉ። ሰባት ስለ ዝኾኑ ሓገዝ ረድኤት የድልዮም። ሎሚ ምእንትኦም ነዚ መስዋዕቲ ቅዳሴ ንዕርግ አሎና እሞ እግዚአብሔር ብጸጋኡ ይርድአዮምን ይሓልዎምን።
መንፍስ ቅዱስ አምላኽና ሎሚ እውን ንቤተክርስትያኑ ጸግኡ ይዓድላ ንኹልና አብ ኩሉ አብ ዕለታዊ ሕይወትና እንጉዓዞ ኩሉ ብርሃኑ ይዓድለና። ብፍሉይ ነቦታት ኩሉም ብእምነቶም ጸኒኦም ንቤተ ክርስትያኖም ዘገልግሉን ዝመርሑን ይግበረልና። ነቶም ገዝኦምን ሕይወቶምን ክመርሑ ከቢድዎም ዘሎ ባዕሉ ብጸግኡ ይብጽሓዮም።
ርሑስ ዘምነ ጰራቅሎጦስ!
ብሩኽ መኣልቲ አቦታት!
ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ








All the contents on this site are copyrighted ©.