2011-06-18 14:32:56

ጳጳሳዊ ናይ ፍትሕን ሰላም ቤት ምኽሪ፦ ሥነ ምግባር ንናይ ዓለም ንግድ


ጳጳሳዊ ናይ ፍትሕን ሰላምን ቤት ምኽሪ ዘዳለዎ እቲ ዕለት 16 ሰነ 2011 ዓ.ም. ዝተጀመረ ብዛዕባ ሥነ ምግባር ንናይ ዓለም ንግድ ናይ ዓለም ሓቆፍ ናይ ሥነ ኤኮኖሚ ፈጻሚ ኣካላት ጉባኤ ሎሚ ከምእተዛዘመ ክንገር እንከሎ፣ እዚ ካብ መላእ ዓለም ናይ ኤኮኖምን ቁጣበን ሊቃውንትን ዓበይቲ ወነንትን ዘሳተፈ መበል ካልኣይ ዓመት ናይታ RealAudioMP3 ቅዱስ ኣቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ መበል 16 ቨሪታስ ኢን ካሪታተ - ፍቕሪ ብሓቂ እተሰመየት ዝደረስዋ ዓዋዲት መልኽቲ ኣብ ዝዝከረሉ እዋን ዝካየድ ዘሎ ዓለም ሓቆፍ ጉባኤ ቅድሚ ትማሊ ብዘስምዕዎ ዘረባ ዝኸፈቱ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ካርዲናል ታርቺዚዮ በርቶነ እቲ መኽሰብ ጥራሕ ብዝብል ደረት ኣልቦ እማኔ ዝምራሕ ከይዲ ኤኮኖሚ፣ ከባብን ተፈጥሮን ናይ ሓባር ጥቅምን ዓለማውነት ምትእስሳር ንዝብሉ ብድሆታት ዘጠቓለለ፣ ነቲ ሎሚ ዝርኤ ሓደሽ ብድሆ ብግቡእ ገጢምካ ዝተመዓራረየ ብቑዕ መልሲ ንምሃብ ዝኣመተ፣ ናይ ኤኮኖምን ኅብረተሰብን ውሳኔን ሜላን ዘየተባብዕን ወይ ድማ ዘየንቀሳቕስ ዘይብቑዕ ደረኺ ምዃኑ ቨሪታስ ኢን ካሪታተ-ፍቕሪ ብሓቂ እተሰመየት ናይ ቅዱስ ኣቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ቤነዲክቶስ መበል 16 ዓውዲት መልእኽቲ ተወኪሶም ከምዘስመርሉ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ እንከዘኻኽር፣ ኣብቲ ጉባኤ ዝተሳተፉ ናይ ኤኮኖሚ ሊቅ ስተፋኖ ዛማኚ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ፣ እቲ ኣብ ዓለም ዝተራየን ፍታሕ ንኽረክብ ኩለ መዳያዊ ጻዕሪ ዝግበረሉ ዘሎ ናይ ኤኮኖምን ቁጠባን ቅልውላው መንቀሊኡ ሥነ ምግባር ካብ ዘይምኽባር ምዃኑ ገሊጾም፣ ኣብዚ እዋን ኣብ ግሪክን ከምኡ ድማ ኣብ ስፐይን ፖርቱጋልን ኣየርላንድን ዝረኤ ዘሎ ቅልውላው ኤኮኖሚ መንቀሊኡ ተንቲንካ ብቑዕ መልሲ ንምሃብ ዝግበር ዘሎ ናይ ሥነ ኤኮኖሚ ትንተና ከምዘመልክቶ ካብ ሥነ ምግባር ዝተነጸለ ኤኮኖሚ ዘስዓቦ ቅልውላው ቁጠባ ከምዝኾነ ኢዩ ዘነጽር፣ እዚ እውን ሓቂ ምዃኑ ሓቢሮም፣ ስለዚህ ካብ ሥነ ምግባር ዝተነጸለ ምዕባለ ኤኮኖምን ምህርትን ንምርግጋጽ ዝግበር ከይዲ ኤኮኖሚ መሠረት ኣልቦ ብምዃኑ ሳዕቤኑ ቅልውላው ኤኮኖምን ቁጠባን እዩ።

ናይ ቤተ ክርስትያን ናይ ማኅበራዊ ሠረት ትምህርቲ ኤኮኖሚኣዊ ደግፍ ኣገዳሲ ኢዩ ዝብል ምዃኑ ገሊጾም፣ እዚ ቤተ ክርስትያን ካብ ጥንቲ ጀሚራ እተቕረቦ ኵላዊ መምርሒ ምትሕብባርን ምድግጋፍን ዝብል ትርጉም ዘለዎ ክነሱ ዓለም ካብዚ መሠረታዊ ክቡር ዋጋ ነጺሉ ስለ ዝረኣዮ ድማ ምድጋፍ ካብ ምትሕብባር ፈልዩ ብምትርጓሙ ንቕልውላው ኤኮኖምን ቁጠባን ንኽቃላዕ ተገዲዱ እዩ። ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ኣብታ ካሪታስ ኢን ቨሪታተ እተሰምየት ዓዋዲት መልኽቶም ደገፍን ምትሕስሳብን ተተሓሒዞም ዝኸዱ ምዃኖም ዘቕረብዎ መረዳእታ ሓቂ እዩ ቢሎም ዝሃብዎ ቃለ ምልልስ ደምደሙ።







All the contents on this site are copyrighted ©.