2011-06-18 14:31:46

ንኽብሪ መበል 60 ዓመት ክህነት ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ.፦ ዕብየት ሓቅን ግርማ ልግስን(ዝሥዋዕ ፍቕሪ)


ናይ ክርስትና ባህልን ናይ’ዚ ዘመን ሥነ ጥበብን ዝተመዓራረየ ብቑዕን ናይ ዘተ እዋንን ሥፍራን ክርኸቡ ከምዝባእ ናይ ባህሊ ጉዳይ ዝሓሊ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ሊቀ መንበር ብፁዕ ካርዲናል ጃፍራንኮ ራቫዚ ትማሊ ንጎሆ ኣብ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜና ክፍሊ ማኅተም ሕንጻ ንዝኽሪ መበል 60 ዓመተ ክህነት ቅዱስ ኣቦና “ዕብየት ሓቅን ግርማ/ጽባቔ ልግስን” RealAudioMP3 ብዝብል ኣርእስቲ 60 ናይ ቅብእን ሥእልን ጥበበይናታት ካብ ዕለት 5 ሓምሌ ክሳብ ዕለት 4 መስከረም 2011 ዓ.ም. ቫቲካን ኣብ ዝርከብ ጳውሎስ ሻድሻይ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ መእተዊ ናይ ቅብእን ስእልን ንድፍን ምርኢት ክቐርብ ምዃኑ እንከመልክቱ፣ እዚ ምርኢት ዕለት 4 ሓምሌ 2011 ዓ.ም. ቅዱስ ኣቦና መሪቖም ክፍትዎ ምዃኖም እውን ብፁዕ ካርዲና ራቫዚ ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ ሓቢሮም።

እዚ ሥነ ቅብእን ሥነ ንድፍን ምስ እምነት ዘለዎም ርክብ፣ ኣብዚ እዋን እዚዩ እናሃሰሰ ዕለት ካብ ዕለት እናተረሓሓቑ ይኸዱ ከምዘለዉ ዝኽተልዎም መገድታት እውን ምርሕሓቕን ምንጽጻልን ኣብ ዝርእይሉ ዘሎ እዋን፣ ቲዮሎጊያን ሊጡርጊያን ኣብ ሥፍራኦም ንሥነ ጽባቔ ቅዉም ነገር ግቡእ ሥፍራ ምሃብ እናተገብኦም ክንየው ርሒቖም ዝኸዱ ኢዩ ዝመስል፣ ሥነ ቅብእን ሥነ ንድፍን ናይ ገዛእ ርእሶም መገዲ ዘለዎም ኮይኖም ዘይጽቡይን ዘደንጽው እናኾነ ጸያፍን ርኹስን ክሳብ ምዃን ብጺሖም፣ ምስቲ ኣብ ብጋሴኡ ንዘመናት ዘንጸባርቖ ዝነበረ ሃይማኖተይናነት መንፈስ ናይ ዘጋራጨው ባህሊ ግብረ ኣበር ክሳብ ምዃን በጺሑ እዩ።

እዚ እናተረረ ዝኸይድ ምርሕሓቕ መገዲ ሥነ ንድፍን ቅብእን ብሓፈሻኡ ሥነ ጥበብን እምነትን ክልቲኦም ማለት ሥነ ጥበብን እምነትን ናይ ሓባርን ሸቶ ዘለዎም ብምዃኑ ኣብ መንጎኦም ዘተ ክህሉ ኣገዳስን ኣድላይን ግቡእን እውን እዩ፣ እዚ ናይ ሰብኣዊ መንፈስ መግለጺ ዝኾኑ ክልቲኦም መገድታት ብዝስዕብዎም ዝተፈላለዩ መገድታቶም ኣቢሎም፣ ናብቲ ናይ ሓባር ዝኾነ ፍጹምን ዘለዓኣለማውን ገጾም ኢዩም ዘድህቡ። ዝንባሌኦም ናብቲ ዘለዓለማውን ፍጹም ደረት ኣልቦ እዩ። ምእንቲ’ዚ ናይ ዘመንና ሥነ ጥበብ (ቅብእን ንድፍን) ኣብ መወዳእታ ናይቲ ደረት ሠገርን ምሥጢርን መገዲ እናሰዓበን ምስኡ እናተጸባጸበ ናብኡ ገጹ ናይ ምጉዓዝ ድላይ ክቕጽለሉ ይግባእ ኢሎም።

ቀጺሎም ናይ ሥነ ጥበብን እምነትን ጉዳይ ዝኸታተል ጨንፈር ጳጳሳዊ ናይ ባህሊ ጉዳይ ዝሓሊ ቤት ምኽሪ ሓላፊ ብፁዕ ኣቡነ ፓስኳለ ያኮቦነ ብወገኖም ምስ ብፁዕ ካርዲናል ራቫዚ ብሓባር ኣብ ዘቕረብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ፣ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ዕለት 21 ሕዳር 2009 ዓ.ም. ኣብቲ ብዓለም ሓቆፍ ደረጃ እውን ዝዓበየን ዝለዓለን ተባሂሉ ዝንገረሉ ኣብ ቫቲካን ኣብ ዝርከብ ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ሃይማኖትን ባህልን ቤተ መዘክር ምስ ብዙሓት ሥነ ጥበበይናታት ተራኺቦም ናይ ሥነ ጥበብ ልዑል ባህጊ እቲ ፍጹምን ዘለዓለምውን ምዃኑ ኣማእኪሎም ዘቕረብዎ ኣስተምህሮ ዘጉልሕ መደብ ምርኢት ኢዩ ከምዝበሉ ናይ ቅስቲ መንበር ዜና ክፍሊ ማኅተም መግለጺ ሓቢሩ።







All the contents on this site are copyrighted ©.