2011-06-16 16:07:16

ናይ ቅድስቲ መንበርን እስራኤልን ቀዋሚ ናይ ሓባር ድርገት ሓፈሻዊ ምሉእ ጉባኤ


ቅድሚ ትማሊ ኣብ ቫቲካን ሓዋርያዊ ሕንጻ ናይ ቅድስቲ መንበርን እስራኤልን ቀዋሚ ናይ ሓባር ድርገት ሓፈሻዊ ምሉእ ጉባኤ ከምእተኻየደ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማኅተምን መግለጺ እንክሕብር፣ እቲ ናይ ዕዮ ምሉእ ሓፈሻዊ ጉባኤ ኣብ መንጎ ቅድስቲ መንበርን እስራኤል ዝተበጽሔ ኣብቲ መሠረታዊ ውዕል ኣብ ዝብል ሰነድ ሰፊሩ RealAudioMP3 ዘሎ ዓንቀጽ 10 ፍቕዲ 2 ርእሰ ጉዳይ ዘማእከል ከምዝነበረን፣ ነቶም ናይ ቅድስቲ መንበር ልኡኻት ተሳተፍቲ ጉባኤ ዝመርሑ ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ወጻኢ ርክባት ጉዳይ ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ኣቡነ ኤቶረ ባለስትረሮ ክኾኑ እነከለዉ ናይ መንግሥቲ እስራኤል ጉጅለ ልኡኻት ዝመርሑ ናይታ ሃገር ምኽትል ናይ ወጻኢ ጉዳይ ሚኒ. ዳንይ አያሎን ከምዝኾኑ ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ዜና ክፍሊ ማኅተም መግለጺ ቐጺሉ፣ ኣቲ ናይ ዕዮ ሓፈሻዊ ምሉእ ጉባኤ ምሕዝነት ዝዓሰሎ ክፉት ሃዋሁ ዝተረእየሉ ሓናጺ ከምዝነበረ ሓቢሩ። እቲ ናይ ሓባር ስምምዕ ኣብ ፍጻሜ ክበጽሕ ናይ ክልተኤን ሃገራት ልኡኻት ኣነጺሮም ብምምልካት ናይዚ ዝተኻየደ ኣኼባ መቐጸልታ ኣብ ወርሒ ታሕሳስ 2011 ዓ.ም. ኣብ ሃገረ እስራኤል ናይ ውጻኢ ጉዳይ ሚ.ኒ. ሕንጻ ክካይድ ምዃኑ ካብቲ ዝተኻየደ ጉባኤ ዝወጸ ናይ ሃባር መግለጺ ዝጠቐሰ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ የመልክት።

ብፁዕ ኣቡነ ባለስስተረሮ ዝተመርሑ ናይ ቅድስቲ መንበር ተሳተፈቲ ጉባኤ ኣብ እስራኤል ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ወኪል ብፁዕ ኣቡነ አንቶኒዮ ፍራንኮ፣ ኣብ እስራኤል ናይ ላቲን ሥርዓት ኣትኽተል ካቶሊክ ቤተ ክርስትያን ምኽትል ፓትሪያርክ ብፁዕ ኣቡነ ጃቺንቶ ቡሎስ ማርኩዞ ብወገን ሃገረ እስራኤል ብናይ ምኽትል ወጻኢ ጉዳይ ሚኒ. ዳንይ አያሎን ዝተመርሑ ኣባልት ጉጅለ ልኡኻት ናይ እስራኤል ወጻኢ ጉዳይ ሚኒ. ናይ ኣይድሁ ጉዳይን ዓለም ሓቆፍ ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖት ናይ ሓባር ዘተ ዝሓሊ ቤት ጽሕፈት ሓላፊ ሽሙዔል ቤን ሽሙዔል ኣብ ቅድስቲ መንበር ናይ እስራኤል ልኡከ መንግሥቲ ሞርዶካይ ለውይ ከምዝኾኑ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።







All the contents on this site are copyrighted ©.