2011-06-16 16:12:00

ተዝካር ነቶም ኣብ ባሕረ መዲትራኒያን ዝጠሓሉ ስደተያንታት


ካብ ወርሒ ጥሪ ክሳብ ወርሒ ግንቦት 2011 ዓ.ም. ናብ ኢጣሊያን ብኢጣሊያ ናብ ካልኦት ሃገራት ኤውሮጳ ክሰግሩ ካብ ሃገራት ሰሜን ኣፍሪቃ ዝብገሱ ዘይሕጋውያን ስደተይናታት ኣብ ዝፍጽምዎ ናይ ባሕሪ ጉዕዞ RealAudioMP3 ብዝተፈላለየ ምኽንያት ናይ ሞት ሓደጋ ዝወረዶም ኣብ ባሕሪ መዲትራኒያን ዝጠሓሉ ብጠቕላላ ብዝሖም ካብ 1,820 ንላዕሊ ዝግመት ምዃኑ ክንገር እንከሎ ናይ ካቶሊክ ምንቅስቃሽ ቅዱስ ኤጂዲዮን፣ ኣብ ሮማ ብእየሱሳውያን ማኅበር ዝመሓደር ናይ ኣስታሊ ማእከል ማኅበረሰብን ኣብ ኢጣሊይ ናይ ወንጌላውያን ኣቢያተ ክርስትያን ፈደራላዊ ማኅበርን፣ ብካሪታስ ዝጽዋዕ ናይ እንተ ላእለ ኵሉ ቤተ ክርስትያን ናይ ረድኤት ማኅበር ጨንፈር ኢጣሊያን ናይ ስደትይናታት ጉዳይ ዝከታተል ማኅበር ካቶሊክ ቤተ ክርስትያን ብሓባር ብምኽንያት ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ተመዛበልትን ስደተይናታት ኣብ ሮማ ኣብ ቅድስቲ ማርያን ዘ ትራስተቨረ ባሲሊክ ተስፋ እናማዕዶኻ ዘጋጥም ሞት ብዝብል ኣርእስቲ ዝተመሔ ምእቲን እቶም ኣብ ባህረ ሜዲትራኒያን ዝሃለቁን ዝጠሓሉ ሬሳኦም ዝተረኽበን ዘይተረኽበን ዜጋታት ናይ ተዝካር ጸሎት ትማሊ ድሕሪ ቐትሪ ከምተፈጸመ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።

ካብ 1990 ዓ.ም. ንነጀው ጥራሕ ብውሑዱ 17,597 ስደተይናታትን ኣብ መዲትራኒያን ባሕሪ ከምዝጠሓሉን ኣብዚ ኣዋን’ዚ በቲ ኣብ ሃገራት ሰሜን ኣፍሪቃ ዝተፈጸመን ዝፍጸም ዘሎ ሕዝባዊ ናዕብን ብፍላይ ድማ ኣብ ሊቢያ ተኸሲቱ ዘሎ ውግእ ምኽንያት ተደሪኾም ናብ ኢጣሊያን ብኢጣሊያ ናብ ሃገራት ኤውሮጳ ንምእታው ሃቂኖም ብናእሽቱ ጀላቡ ዝጓዓዙ ብዝሒ ዘይሕጋውያን ስደተይናታት ክብ ከምዝበለን፣ ዓለም ሓቆፍ ማኅበረሰብ ኣብ ዓለም ሰላምን ፍትሕን ክረጋገጽን ብፍላይ ድማ ናይ ስደተይናታትን ተመዛበልንት ሰብኣዊ መሰልን ፍቓድን ኣብ ኩለን ሃገራት ውሑስ ክኸውን ኣበርቲዑ ክዓዪ ኣብቲ ዝተኻየደ ናይ ጸሎት መደብ ጻውዒት ከምዝቐረበ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።








All the contents on this site are copyrighted ©.