2011-06-16 16:10:40

ቤተ ክርስትያን፦ ውጽኢት ሕዝባዊ ምርጫ ቱርኪ


ኣብ ቱርኪ ዝተኻየደ ሕዝባዊ ምርጫ እቲ ፍትሕን ምዕባለን ዝተሰምየ ብመራሔ መንግሥቲ ታይፐ ኤርዶጋን ዝምራሕ እስላማዊ ናይ ፖለቲካ ሰልፊ 50% ካብ ሚእቲ ተቐባልነት ክህልዎ ከምዝገብረን RealAudioMP3 መርሔ መንግሥቲ ኤርዶጋን ንሳልሳይ ጊዜ ናይታ ሃገር መንግሥቲ ንኽመርሑ ከምዘዐወቶም እንክፍለጥ፣ እንተኾነ ግን ካብ 330 ንላዕሊ ኣብ ሕዝባዊ ባይቶ ኣባላት ንኽህልዎም ዘየብቕዔ ብምዃኑ ድማ ናይታ ሃገር ቅዋም ንምሕዳስ ዝኣመትዎ መርሃ ግብሪ ከተዓናቕፍ ከምዝኽእል እንከመልከት፣ እዚ ብኣኦም ዝምራሕ ናይ ፖለቲካ ሰልፊ ኣቲ ናይታ ሃገር ቅዋም ንምሕዳስ ዘለዎ መርሃ ግብሪ ንምርግጋጽን ካልኦት ውሳኔታት ንምጽዳቕ ምስ ናይ ተቓዋሚ ናይ ፖለቲካ ሰልፍታት ውሳኔን ድላይን ክመዛዘንን ክዝትን ግድን ክምዝኾኖ እውን ይምልከት።

ናይ ቱርክ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ብዛዕባ እቲ ዝተኻየደ ሕዝባዊ ምረጫን ውጽኢታቱን ኣመልኪቶም ኣብ ዘወጽኦ መግለጺ፣ እቲ ምርጫን ውጽኢቱን እወታዊ ምዃኑ ከምዘመልከተ ናይቲ ብፁዓን ጳጳታት ቤት ምክሪ ወሃቢ ቃል ዝጠቀሰ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣፍሊጡ።

ብርእሰ ብሔር ኤርዶጋን ዝምራሕ መንግሥቲ ነታ ሃገር ብዝተፈላለየ መዳይ ክትስጉምን ክትምዕብልን ከምዝገበራን፣ ብፍላይ ድማ ኣብ ናይ ሃይምኖት ነጻነት ዝኣምን ብምዃኑ እቲ ምርጫ ዝጨበጦ ውጽኢት እወታዊ ምዃኑ ናይ ቱርኪ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ወሃቢ ቃል ከምዘመልከቱ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።

ንፈለማ ጊዜ ኣብ ናይ ቱርኪ ሕዝባዊ ባይቶ ሓደ ቱርካዊ ክርስትያን ምእመን ኣባል ኮይኑ ንኽምረጽ ድሕሪ 50 ዓመት ዝተራእየ ታሪኻዊ ተበጽሖ ምዃኑ ወሃቢ ቃል ናይ ቱርኪ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ከምዘመልከቱ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ገሊጹ።








All the contents on this site are copyrighted ©.