2011-06-16 16:13:28

መልእኽቲ ናይ ኢጣሊያ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ፦ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ክንክን ተፈጥሮ


ናይ ሓልዮት ክቡር ዋጋ መበቆል ዳግም ንምዕታር ካብቲ ምድሪ ኣእንጋዲትን ተቐባሊት ሰማያዊ ቤት እተንጸባርቕን ናይ እግዚኣብሔር ሥራሕ ዝቕጽለላ ሠፈር ኩሉ ንኽገብራ ንወዲ ሰብ ኃላፍነት RealAudioMP3 ኣልቢሱ ብኣርኣያኡን ኣስምሳሉን ካብ ዝፈጠሮ እግዚኣብሔር ክነቅል ኣለዎ ኣብ ዝብል ቀዉም ነገር ዘማእከለ ናይ ኢጣሊያ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምክሪ ዕለት 1 መስከረም 2011 ዓ.ም. ዝብዕል ሻድሻይ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ክንክን ተፈጥሮ ኣሚቱ መልእኽቲ ከምዘመሓላለፈ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።

እዚ ናይ ኢጣሊያ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ናይ ሥራሕን ማኅበራውን ፍትሕን ሰላምን ጉዳይ ዝከታተል ድርገት ዘመሓላለፎ መልእኽቲ እታ ንዅሉ እንተእንግድ መሬት ንናይ ምእንጋድ ባህሊ ሕንጸትን ምስፋሕን ድላይን ተግባርን ዝነቓቕሕን ክኸውን ንዅሎም ምእመናን ኣብዚ ናይ ምእንጋድ ባህሊ ብቐዳምነት ክዋስኡን ከባቢኦም ኣብዚ ባህሊ ንቑሕ ክኸውን ከተባብዑ ኃላፊነት ከምዘለዎም ብምትሕስሳብ፣ ክንክን ተፈጥሮን ሰብኣዊ ምትሕብባርን ተተሓሒዞም ከምዝኸዱን ኣብ ኃላፍነት ምኽባር ተፍጥሮ ተማላሊኦም ዝኸዱ ክቡራት ዋጋታት ምዃኖም ዝተንተነ መልእኽቲ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ኢጣሊያ፣ ከምቲ እግዚኣብሔር ብናጻ ድላዩ ተፈጥሮ ንወዲ ሰብ ብናጻ ዝዓደሎ ወዲ ሰብ ብተራኡ እንነብረላ ዓለም ሓቀይና እንገዳ ዝፍጸመላ ሠፈር ኵሉ ክገብራ ዓቢይ ኃላፍነት ዘለዎ ምዃኑ ዘነቓቕሕ መልእኽቲ እውን ከምዝኾነ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።







All the contents on this site are copyrighted ©.