2011-06-14 15:51:01

ብሔራዊ ማኅበር ካቶሊካውያን ሓኻይም ኢጣሊያ፦ ናይ ሕይወት ባህሊ ክሰፍሕ


ናይ ኢጣሊያ ካቶሊካውያን ሓኻይም ብሔራዊ ማኅበር ቅድሚ ትማሊ ናይ ምንባር ድላይ ብዝብል ኣርእስቲ ዝተመርሔ ኣብ ናይ ሕይወት ባህሊ ዘማእከለ ዓወደ መጽናዕቲ ከምዘካየደ ክንገር እንከሎ፣ RealAudioMP3 ባዛዕባ ክንክን ጥዕና ጉዳይ ዝምልከት ፖለቲካ እውን ምይይጥ ከምእትኻየደ ናይ ኢጣሊያ ካቶሊካውያን ሓኻይም ብሔራዊ ማኅበር ምኽትል ሊቀ መንበር ናይ ሥነ ሕክምና ሊቅ ስቴፋኖ ኦየቲ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ብዛዕባ እቲ ዝተኻየደ ዓውደ መጽናዕቲ ኣመልኪቶም ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ ሓቢሮ፣ ኣብዚ እዋን ብፍላይ ድማ ኣብተን ምዕቡላት ዝበሃላ ሃገራት ብዛዕባ ሕማምን ኅሙማንን ኣብ ዝግበር ዘተ ኾነ ክትዕ እቶም ገና መድኃኒት ብዘይተረኸበሉ ሕማም ዝተለኽፉ ካብ ዝሳቐዩ ብናጻ ምርጫኦም ወይ ድማ ብናይ’ቶም ዝናብይዎም ቤተሰቦም ግቡእን መሰልን ስቓይ ዘይብሉ ሞት ክቕበሉ ዝሓትት ናይ ሞት ባህሊ ጉዳይ ብዙሕ ዘተ ይግበር ብዛዕባ እቶም ዋላ’ኳ ገና መድኃኒት ብዘይተረኸበሎም ሕማም ዝተጠቕዑ ክነሶም ክነብር ኢየ ዝደሊ ዝብሉ ኣብ ናይ ሕይወት ባህሊ ዝጸንዑ ዜጋታት ድላይ ግን ብዙሕ ክዝርብ ኣይስማዕን፣ እዚ ድማ ምስፋሕ ናይ ሞት ባህሊ ዘመልክት ተግብር ምዃኑ እቲ ዓወደ መጽናዕቲ ከምዘሥመረሉ እንከመልክቱ፣ ኣብቲ ዓውደ መጽናዕቲ ተረኺንቦም ዘረባ ዘስምዑ ናይ ሕክምናን ሰብ ሙያ ሕክምና ሓዋርያዊ ሓልዮት ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ሊቀ መንበር ብፁዕ ኣቡነ ዞሞውስኪ ብዛዕባ ር.ሊ.ጳ. ብፁዕ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ኣማእኪሎም ር.ሊ.ጳ. ብፁዕ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ኣብ ሕይወት ዘመኖም ዘሕለፍዎን ዘጋጠሞም ስቓይ ዘኪሮም፣ ኣብ ስቓይ ዝግለጽ ናይ ሕይወት ባህሊ ዝመስከሩን፣ ዝኾነ ይኹን ስቓይን ሕማምን የጓንፍ ሕይወት ምንባር ዝበለጸ ክብሪ ምዃኑ ዝመስከሩ ትርጉም መስቀል ብቓልን ሕይወትን ዘነጸሩ ከይፈርሑን ከይሓፈሩን ዝሳቐ ዝነበረ ሰብነቶም ከይሓብኡ፣ ስቓይና ሱታፌ ስቓይ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ምስ ዝኸውን እቲ ልዑል ድሕሪ ስቓይ ዘሎ ዘለዓለማዊ ሕይወት ዝምስክር ምዃኑ ኣረጋጊጾምልና ኢዮም ከምዝበሉ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።








All the contents on this site are copyrighted ©.