2011-06-14 15:54:03

ሲንጋፑር፦ ናይ ክርስትና እምነት ክቡራት ዋጋታት ንክሰፍሕ


ኣብ ሲንጋፑር ናይ ክርስትና እምነት ክቡራት ዋጋታትን ናይ ቤተ ክርስትያን ሥልጣናዊ ትምህርትን ኣብዚ መዳይ ናይ ዜጋታት ኣፍልጦ ክብ ክብልን ኩሉ ብዛዕባ እዞም ክርስትያናዊ ክቡራት ዋጋታት ክፈልጥን RealAudioMP3 ዝድግፍ ማኅበረሰብ ክርስትያን ሲንጋፑር ናይ እምነት ምስክርነት ዘቕርቡሉ ማኅበራዊ መርበብ ሓበሬታ ኣናሰፍሔ ይኸይድ ከምዘሎ ናይ ሲንጋፑር ርእሰ ሰበኻ ናይ መራኸቢ ብዙሃን ጉዳይ ዝሓሊ ቤት ጽሕፈት ኣመሓዳሪ ዦኣን ኦረይልይ ፊክስ ዝሃብዎ መግለጺ ዝጠቐሰ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።

እዚ ኹሉ ናይ ዝተፈላለየ ሃይማኖታት ተኸታሊ ብዛዕባ እምነት ክርስትና ክፈልጥን እቶም ክርስትያን ምእመናን ድማ ናይ እምነትን ወንጌላዊ ምስክርነት ዘቕርቡሉ ብዛዕባ ቤተ ርክስትያን ዘለዎም ፍልጠት ከዕብዩ ዝድግፍ ከምዝኾነን ነዚ ዕላማ መሠረት ገይሮም ዝድረሱ ዘለዉ ማኅበራዊ መርብ ሓበሬታ ክብ እናበለ ይኸይድ ከምዘሎ ኦረይልይ ፊክስ ከምዘመልከቱ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ገሊጹ። ናይ ሲንጋፑር ርእሰ ሰበኻ ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥሪ 2011 ዓ.ም. ንነጀው ብቛንቋ እንግሊዘይና ንኡስ መጽሔት ክሕትም ከምዝጀመረን እዚ ድማ ኣብ ሲንጋፑር ኣትርከብ ካቶሊክ ቤተ ክርስትያን ብመዳይ መራኸቢ ብዙሃት እተበርክቶ ኣገልግሎት ክብ እናበለ ክኸይድ ከምዘገበሮ ዘረጋገጽ ምዃኑ ከምዘመልከቱ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።

ናይ ሲንጋፑር ርእሰ ሰበኻ ሊቀ ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ኒኮላስ ኪያ ዕለት 5 ሰነ 2011 ዓ.ም. ብምኽያት ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መራኸቢ ብዙሃን ኣብ ዘተሓላለፍዎ መልእኽቲ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 በታ ዕለት ምኽንያት ኣብዚ ብሥነ ኣሃዝ ዝተራቀ ምዕባለ ኢደ ጥበብ ሓቀይናነትን ብሥራትን/ምስክርነትን ቅንዕና ሕይወት ብዝብል ኣርእስቲ ኣምሪሖም ዘተሓላለፍዎ ኩላዊ መልእኽቲ ኣማእኪሎም መራኸቢ ብዙሃንን መርበብ ሓበሬታን ነፈሲ ወከፍ ሰብ ተራኻቢ ምዃኑ ዝመስከርን ነዚ ባህርይ’ዚ ድማ ብግብረ ገብን ሥነ ምግባርን ክምራሕን ማኅበረ ክርስትያን እምነቱ ዝገልጸሉን ዝምስክረሉን ብሓፈሻኡ ተልእኾ ወንጌል ዝፍጽመሉ ክኸውን ከምዘለዎ ከምዘተሓሳሰቡ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።







All the contents on this site are copyrighted ©.