2011-06-11 15:20:07

ዝኽሪ መበል 75 ዓመት ሰማዕትነትን ብፁዕ ዘፊሪኖ ኺመነዝ ማላ


ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ኣባል ዓሌት እቲ ኣብ ኤውሮጳ ካብ ቦታ ናብ ቦታ እናተንቀሳቐሰ ዝነብር ሕዝቢ ዝኾነ ር.ሊ.ጳ. ብፁዕ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ዕለት 4 ግንቦት 1997 ዓ.ም. ብፅእና ዝተኣወጅሉ ናይ እምነት ሰማዕት ብፁዕ ዘፈሪኖ ኺመነዝ ማላ (1861-1936) መበል 150 ዓመት ዝኽሪ ልደትን RealAudioMP3 መበል 75 ዓመት ሰማዕትነትን ምኽንያት እቶም ኣብ ኤውሮጳ ካብ ቦታ ቦታ እናተንቀሳቐሱ ዝነብሩ ሕዝቢ ሮም ሲንቲ ማኑከስን ካለን የኒሽን ዓሌታት ዝውክሉ ካብ መላእ ኤውሮጳ ዝተዋጽኡ 1400 ኣባላት ሎሚ ዕለት 11 ሰነ 2011 ዓ.ም. ፍርቂ መዓልቲ ተቐቢሎም መሪሕ ቃል ከምዝልግሱ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።

ናይ ስደተይናታትን ገያሾን ሓዋርያዊ ሓልዮት ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ሊቀ መንበር ብፁዕ ኣቡነ ኣንቶኒዮ ማሪያ ቨሊዮ ብዛዕባ እዚ መደብ ርክብ ኣመልኪቶም ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ፣ እቲ ኣብ መላእ ኤውሮጳ ዝርከብ ካብ ቦታ ናብ ቦታ እናተንቀሳቐሰ ዝነብር ሕዝቢ ኣብ ቤተ ክርስትያን ተራኡን ቤተ ክርስትያን ንኣኡ እተቐርቦ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ዘማእከል መልእኽቲ ሒዞም ናብ ቅዱስ ኣቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዕለት 11 ሰነ 2011 ዓ.ም. ከምዘቕረብዎምን ካብ ቅዱስነቶም መሪሕ ቃልን ሓዋርያዊ ቡራኬን ከማተቐበሉ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜና ክፍሊ ማሕተም መግለጺ ሓቢሩ።

እዞም ካብ መላእ ኤውሮጳ ዝተዋጽኡ ኣብ’ዛ ክፍለ ዓለም ካብ ቦታ ናብ ቦታ እናንተንቀሳቐሱ ዝነብሩ ሕዝቢ ዝውክሉ ናብቲ ትሩፋት ቅዱስ ጴጥሮስ ዝተነበረሉ ቅዱስ ሥፍራ ብኤውሮጳ ደረጃ ዝፈጸምዎ ናይ ክልተ መዓልቲ መንፈሳዊ ንግደት ብዓይነቱ ቀዳማይ ምዃኑ እንክፍለጥ ር.ሊ.ጳ. ጳውሎስ ሻድሻይ ዕለት 26 መስከረም 1965 ዓ.ም. እዞም ኣብ ኤውሮጳ ካብ ቦታ ናብ ቦታ እናተንቀሳቐሱ ዝነብሩ ገዓዝያን ክፍሊ ኅብረተሰብ ኣባላት ዝኾኑ ኣብ ኢጣሊያ ከተማ ፖመዚያ ኣብ ዝርከብ ቴንዳአዊ ዝነብሩ ዝተሳተፍሉ መሥዋዕተ ቅዳሴ መሪሖም ፍቁራት ደቀይን ኣሕዋተይን ቢሎም ኣብ ዘስምዕዎ ስብከት፣ እዚ ክፍሊ ኅብረተሰብ’ዚ ኣብ ቤተ ክርስትያን ግቡእ ቦታ ዘለዎ ከምዝኾነን ኣብ ቤተ ክርስትያን ማንም ንጹል ኣይኮነን፣ ብፍላይ ድማ ኣብ መሪርን ሕሱምን ድኽነት ዝርከቡ ዝተናዕቑን ኣብ ቤተ ክርስትያን ፍልዩ ሥፍራ ከምዘለዎምን ካብቲ ዘጓነፎም ሽግር ንኽናገፉ እውን ቤተ ክርስትያን ኩለ መዳያዊ ደገፍ ከምእተቕርበሎም ኣረጋጊጾም፣ ቤተ ክርስትያን ድኻታትን ኣብ ስቓይ ዝርከቡን እቶም ንኡሳንን ዕሩቓትን ዝተጠንጠኑን ተነጺሎም ዝነብሩን ተፍቅር ከምዝበሉ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ የዘኻኽር።

ብፁዕ ሰፈሪኖ ኺመነዝ ማላ ኣብ እዋን ሕድሕ ሕድ ውግእ ንሓደ ካህን እቶም ናይቲ እዋን ወትሃደራት ንሃደ ካህን ኣናሳቐዩ ናብ ቤት ማእሰርቲ ክመርሕዋን እነከለዉ ኣብ መንጎ ብምእታው እቲ ካህን ክእሰር የብሉን ቢሉ ተቓውሞኡ ስለ ዘስምዔን ነቲ ካህን ስለ ስለዝተኸላኸለ በቶም ወተሃደራት ተገፊዑ ኣብ 1936 ዓ.ም. ከምዝተቐለትን ር.ሊ.ጳ. ብፁዕ ዮሓንስ ጳውሎሶ ዳግማዊ ዕለት 4 ግንቦት 1997 ዓ.ም. ናይ እምነት ሰማዕት ቢሎም ብፁዕና ከምዝኣወጅሉ እንክዝከር፣ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ዕለት 13 ለካቲት 2010 ዓ.ም. ፍርቂ መዓልቲ ጸሎት መልኣከ እግዚኣብሔር ቅድሚ ምዕራጎም ኣብ ዘቕረብዎ ስክበት፣ በቲ ኣብ ተንዳኣዊ ሠፈር ገዓዝያን ብዝወረደ ሓደጋ ባርዕ ሓዊ ምኽንያት ናይ ሞት ሓደጋ ዝወረዶም ኣርባዕተ ሕፃናት ኣባላት ናይቲ ገዓዚያን ሕዝቢ ዘኪሮም ነዞም ንገዛእ ርእሶም ተሓዲጎም ንዝተፈላለዩ ስቓይ ተቓሊዖም ዝነብሩ ሕዝቢ ደገፍን ቆላሕታን ኵሉ ኅብረተሰብ ከይፍለዮም ኣተሓሳሲቦም፣ ፍቕሪ እግዚኣብሔር ንማንም ኣይንጽልን ኢዩ። ብፍላይ ድማ ነቶም ሕዙናትን ዕሩቓትን ኅሙማንን ድኻታትን ኢዩ ከምዝበሉ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ የዘኻኽር።







All the contents on this site are copyrighted ©.