2011-06-10 13:22:24

ትምህርተ ቤተ ክርስትያን ርሊጳ በነዲክቶስ፡


ክብራትን ክቡራንን ተኸታተልቲ ራድዮ ቫቲካን ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ አብ ሰሙን ሐደ ግዜ ዕለተ ሮቡዕ ንምእመናን ትምህርቲ ቤተ ክርስትያና ማለት ትምህርተ ክርስቶስ ከም ዝህቡ ክዝከር ከሎ ትማሊ ክአ ከምቲ ዝተለመደ ነቶም አብ ቅርዓት ቅዱስ ጰጥሮስ ዝተአከቡ ምእመናን ትምህርተ ክርስቶስ ሂቦም ።
ቃለ ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ ኤውሮጳ ካብ እግዚአብሔር ክትፈርሕ የብላን ምንጪ ክርስርትንአ ከተሐድሶ አለዋ ንስድራ ቤት ክአ ክተከላኸለሎም ይግባእ ኢሎም።
እዚ ትማሊ በነዲክቶስ አብ ቅርዓት ቅዱስ ጰጥሮስ ንምአመናን ዝሀብዎ ሮብዓዊ ትምህርተ ክርስቶስ አብቲ ዝሕለፈ መወዳእታ ሰሙን አብ ክሮአጽያ ዘካየድዎ ናይ ክልተ መዓልቲ ሐዋርያዊ ዑደት ዘተኮረ ኢዩ ዝነበረ ።
ዝሐለፈ ሰንበት አብ ክሮአጽያ ብሀገር ደረጃ በዓል ዕለተ ካቶሊካውያን ስዳር ቤታት ተኸቢሩ ከም ዝውዓለን ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ አብ ናይ ክሮአጽያ ርእሰ ከተማ ዛጋብርያ 300 ሺ ሕ ህዝቢ አብ ዝተረኸበሉ ሥርዓተ ቅዳሴ ከም ዘዕረጉን ዝዝከር ኢዩ ።
ቅድስነቶም አብዚ ትማሊ ዝሀብዎ ትምህርተ ክርስቶስ እቲ አብ ክሮአጽያ ዘካየድዎ ናይ ክልተ መዓልቲ ሐዋርያዊ ዑደት ጽቡቅን አዎንታውን ከም ዝነበረ ጠቂሶም ፡ጊደ ወይ ክአ ተራ ክርስትያን ስድራ ቤት አብ ቤተ ክርስትያንን ሕብረተ ሰብን አዝዩ አጋዳሲን ቀላስን ከም ዝኾነ አገንዚቦም ።
ቃል ኪዳን አልዒሎም ክአ ሚስጢረ ቃል ኪዳን ክቡርን ክዕቀብ ዘለዎን ከም ዝኾነ ብቃል ኪዳንካ እሙን ኬንኳ ምንባር ምስክር ፍቅሪ መድኅን ክርስቶስ ከም ዝኾነ አመልኪቶም።
ኤውሮጳ ስዳራ ቤታት ክርስትያን ከም ዘድልያን ካብቲ ሐቅን ፍቅርን ዝኾነ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ክትርሕቅ ከም ዘይብላን ክአ ተላብዮም ።
ናይ ሎሚ ኤውሮጳ ብፍላይ ድልዱልን ምንጭን ክርስታናዊ ባህልን ዘለወን ሀገራት ኤውሮጳ አብ ቃል ኪዳን ዝተመሥረተ ክብሪ ስድራ ክዕቅባ ሐላፍነት ከም ዘለወን በነዲክቶስ አተሐሳሲቦም።
አብ ቃል ኪዳን ዝተመሥረተት ስዳራ ቤት አብ ዓውደ ማሕበራውን ትምህርትን ወሳኒ ጊደ ከም ዘለዋ ክአ ገሊጾም።
ቅዱስ አቦና በነዲክቶስ ነቲ ዝሐለፈ ሰንበት አብ ናይ ክሮአጽያ ርእሰ ከተማ አብ ዛጋብርያ 300 ሺሕ ዝኽውውን ህዝቢ ዘሳተፈ ዘካየድዎ ሥርዓተ ቅዳሴ ዘኪሮም ወላኳ አብ ስዳር ቤታት ፍትሕ ይሃሉ ድአምበር ጽኑዕ ቃል ኪዳናት ከም ዘሎን እዚ ፍቅሪ ክርስቶስ ስምስክር ከም ዝኾነን አመልኪቶም።
ምስ መንእሰያት ክሮአጽያ አብ ዝተራከብሉ ተድላን ሐጎስን እምነት፡ ከም ዝህበናእግዚአብሔር ወትሩ ከም ዘፍቅረና ክንርዳእ የኽእለና ብማለት ንመንእስያት ከም ዝገለጹሎም ክአ ዘኪሮም።
ቀጺሎም አብቲ አብ ውሽጢ ካተድራል ዛጋብርያ ዝርከብ መቃብር ብፁዕ ስተፊናክ ከም ዝጸለዩ ዘኪሮም ፡ ብፁዕ ስተፊናክ ጥንታዊን ክርስትናዊ ባህሊ ክሮአጽያ አብነት ከም ዝኾነ ገሊጾም።
ዜጋ ክሮአጽያ ብፁዕ ስተፋኒክ ጸረ ፋሺሽታውን ናዚን ሥርዓታት ዝቆሙ ድሐር ክአ ንክርስትያናዊ ሃይማኖት ዝጸረር ዝነበረ ናይ ኮሚኒስት ሥነ ሐሳብ በዲሆም ምእንቲ እምነቶምን እምነተ ክርስትናን ሕይወቱ ዘሕለፈ ብፁዕ ከም ዝኾነ ቅድስነቶም አዘኻኺሮም።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲቶስ አተሐሒዞም ነቲ ዝሐለፈ ሰሙን መወዳእታ አብ ክሮአጽያ ዘካየድዎ መበል 19 ሀገራት ሐቆፍ ሐዋርያዊ ዑደት ዘኪሮም አብ ዛጋብርያ ሀገራዊ ትያትር ምስ አባላት ቤርጌሳዊ ማሕበረ ሰብ ምስተራኸቡ ብዛዕባ”ቲ ቅድሚ ሰለስተ ክፍለ ዘመናት ዝነብር ዝነበረ ኢየሱሳዊ ምሁር ሳይንስ ቦስኮቪች አልዒሎም ባህሊ ክርስትና ክሮአጽያ ዘለዎ ታሪኻዊ ዕምቁትን ምሉእነት ካቶሊካውነትን ዘተኮረ ዲስኩር ከም ዝገበሩ አመልኪቶም።

እዚ ቅድሚ ክልተ ሺሕ ዓመታት ዝነበረ ባህሊ ክርስትና ኤውሮጳ ከይሀስስ ጥንቃቀ ከም ዘድሊ ካብ ፈጣሪ ምንጻል ናብ ጥፍአት ከም ዘምርሕ ክአ እተሐሳሲቦም።
እግዝእብሔር ከሃሌ ኩሉ ርሕሩሕ መሓሪ ተስፋ ብርሃን ከም ዝኾነ ክአ ቅድስነቶም አገንዚቦም።
አብ መወዳእታ ክአ ዝመጽእ ዘሎ ሰንበት ዕለተ ጰራቂሊጦስ ከም ዝኽነ ንምአምናን ብምዝኻካር ምእንቲ መንፈስ ቅዱስ ክወርድ ክጽልዩ ሐደራ ኢሎም።
ነቶም አብ ቅርዓት ቅዱስ ጰጥሮስ ዝሃብዎ ሮብዓዊ ትምህርተ ክርስቶስ ዝተኸታተሉ ህዝበ ክርስትያን ብዝተፈላለዩ ቋንቋታት ሰላም ኢሎም ሐዋርያዊ ቡራኬ ሂቦም ተፈንዮምውም ።








All the contents on this site are copyrighted ©.