2011-06-09 13:57:11

ብፁዓን ጳጳሳት ኮርያ፦ ወዲ ሰብ ነቲ ሥራሕ እግዚኣብሔር ዝኾነ ተፈጥሮ ከፍቅር


ከምቲ እግዚኣብሔር ንነፍሲ ወከፍ ሰብ ዘፍቅሮ ኣንሕና እውን ነቲ ናይዚ ንዅሉ ዘፍቅር እግዚኣብሔር ሥራሕ ዝኾነ ተፈጥሮ ምስ ነፍቅር ጥራሕ ኢዩ ሕይወትና ብዝለዓለ ከነመሓይሽን ናብ ዝበለጸ ደረጃ RealAudioMP3 ንኽንመርሕ እንኽእል ዝብል ቅዉም ነገር ዝሰፈረሉ መልእኽቲ ካብ ናይ ኮሪያ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ናይ ፍትሕን ሰላምን ድርገት ብምኽንያት ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ናይ ተፈጥሮ ከባቢ ናይ ሱዎን ሊቀ ጳጳስን ናይ ኮሪያ ብፁዓን ጳጳሳት ናይ ፍትሕን ሰላምን ድርገት ሊቀ መንበር ብፁዕ ኣቡነ ማቲያ ሪ ኢንጎ ሁ ፊርማ ዝተነበረሉ መልእኽቲ ንመላእ ህዝቢ ኮሪያ ከምዝተመሓላለፈ ክንገር እንከሎ እቲ ብዘይ ትዕቢትን ውናኔን ምስ ኩሎም ፍጥረታት ብሓባር ከም ፍጡራት ንንበር ብዝብል ኣርእስቲ ተመሪሑ ዝተመሓላለፈ መልእኽቲ ናይቲ ዝርኤ ናይ ከባቢ ተፈጥሮ ቅልውላው ቀንዲ ተሓታቲ ወዲ ሰብ ኢዩ። ናይ ብቃቔን ብህርፋንን ብሕሉፍ ሃብቲ ናይ ምድላብ ድላይ ዝተወጠረ ሰብ በዚ ውጥረት’ዚ ናይ ዝምራሕ ኤኮኖሚ ባርያ እናኾነ ዝኽተሎ ሜላ ምዕባለ ኣብዚ ውጥረት ዝተማእከለ ብምዃኑ ኣብ ተፈጥሮን ሰብን ዓቢይ ጉድኣት የኸትል ከምዘሎ ብፁዕ ኣቡነ ሪ ኣብ ዘተሓላለፍዎ መልእኽቲ ኣመልኪቶም፣ ስለዚህ እቲ ናይ ውዲ ሰብ ድርኾት ዘይቅንዕናን ትዕቢትን ምኽንያት ኣብ ልዕሊ ተፈጥሮን ፍጥረትን ዝወርድ ዘሎ ሓደጋ ንገዛእ ርእሱ ሓጢኣት ኢዩ፣ ነቲ ዝርኤ ዘሎ ናይ ባቢሎን ባህርይ ዘለዎ ኩለ መዳያዊ ቅልውላው ንኽውገድ ካብቲ እንኽተሎ ጉጉይ መገዲ ንመለስ ዝብል ሓሳብ እውን ዝሰፈረሉ ከምዝኾነን፣ ናይቲ ሥራሕ እግዚኣብሔር ዝኾነ ተፈጥሮ ተኸናኸንትን ሓብሓብትን ኣመሓደርትን እምበር መዝመዝትን ኣይኮናን። ነቲ ኣብ ዓለምና ዝርኤ ናይ ተፈጥሮ ምዝባዕን ክብታ ደረጃ ሙቐት ናይ ከባቢ ተፈጥሮ ኣየር ብከላን ዝኣመሰሉ ኣብ ተፈጥሮን ፍጥረትን ዓቢይ መጉዳእቲ የኸትል ከምዘሎ እውን ሓቢሮም ንኽንድሕን ተፈጥሮን ከባቢናን ነቲ ዅሉ ኣብ ዙርያና ዘሎ ዝተዓደልናዮ ተፈጥሮ እውን ክንሓስብ ይግብኣና ከምዘብሉ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።








All the contents on this site are copyrighted ©.