2011-06-09 13:52:24

ምስንዳዋት ንናይ 2011 ዓ.ም.ማድሪድ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንሰያት


እቲ በቢ ዓመቱ ብሓልዮት ኩላዊት ቤተ ክርስትያን ዝዳለው ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ተረኺቦም ንመንእሰይ ወለዶ መሪሕ ቃልን ምዕዳንን ኣሰምህሮን ዘቕርብሉ መደብ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንእሰያት RealAudioMP3 ለብዘበን ኣብ ማድሪድ ካብ ዕነት 16 ነሓሰ ክሳብ ዕለት 21 ነሓሰ 2011 ዓ.ም. ከም ዝካየድ ብተዳጋጋሚ ክምእተገልጸ ክፍለጥ እንከሎ፣ ነቲ ለብዘበን ዝካየድ መበል 26 ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንሰያት መሰናደዊ ዝተፈላለዩ መንፈሳውን ባህላውን መደባት ይካይዱ ከምዘለዉ እውን ክንገር እንከሎ፣ 25 ሺህ ካብ መላእ ኤውሮጳ ዝተዋጽኡ ናይቲ ነዮ ካተኩመናለ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ነቲ ዝተቐበልካዮ ናይ ጥምቀት ምሥጢር ዳግም ብዝተሃደሰ መንፈስ ምንባርን ዓቢይ ምሥጢራዊ ክብሩ ተገንዚብካ ከምቲ ዝተቐበልካዮ ጸጋ ጥምቀት ንኽትነብርን ማዕሪኡ ንኽትዓብን ብናይ ሓባር ጉዕዞ ክስትንተንን ክንበርን ዘነቓቕሕ ምንቅስቓስ ካቶሊክ ኣባላት መንእሰያት ኣብ ጀርመን ከተማ ዱሰልዶርፍ ኣብ ጸዋዕታ ዘማእከል ናይ ሓባር ርክብ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ግንቦት ከምዘካየዱ ክንገር እንከሎ፣ ኣብታ ናይታ ከተማ ኣደባባያትን ዓበይቲ ጎደናታታት ተረኺቦም መንፈሳዊ መዛሙርን ዝተፈላለዩ መንፈሳዊ መደባት ብምቅራብ ሓዋርያዊ ኣገልግሎት እውን ከምዝፈጸሙ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ። መንሰያት ኣብቲ መበል 26 ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንእሰያት ክሳተፉን ምስ ቅዱስ ኣቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ክራኸቡን ብምትብባዕ ብሓባር ናብ ማድሪድ ምስ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ናብ እግዚኣብሔር ንኺድ እናበሉ ናይ ክርስቶስ ወንጌል እናመስከሩ ነቲ ኣብ ጸዋዕታ ዘማእከለ ርክብ ብዘሕጉስን ብዘዕግብን መንፈስ ከምዝዛዘሙዎ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።








All the contents on this site are copyrighted ©.