2011-06-07 12:34:40

ፓኪስታን፦ ክርስትያንን ውሁዳን ክፍሊ ኅብረተሰብን


ጸረ ክርስትያንን ጸረ ውሁዳን ክፍሊ ኅብረተሰብ ዓመጽ ኣብ ፓኪስታን እናሰፍሔ ይኸይድ ከምዘሎን እዚ ጉዳይ’ዚ ኣዚዩ ዘተሓሳስብ እናኾነ ካብ ዕለት ናብ ዕለት ክብ እናበለ ዝኸይድ ዘሎ ዘርጊ ሰላማዊ RealAudioMP3 ናይ ሓባር ናብራ ተግባር ግቡእ መፍትሒ ክረክብ መንግሥቲ ፓኪስታን መሰልን ፍቓን ውሁዳን ክፍሊ ኅብረተሰብን ናይ ሃይማኖት ነጻነትን ዴሞክራስን ናይ ሕጊ ልኡላውነት ውሑስ ንምግባር ዝሕግዝ ውሳኔ ከረጋገጽ ጂናህ ተቛም ብዛዕባ ናይ እምነት ሕቶ ብዝብል ርእሰ ጉዳይ ኣብ ፓኪስታን ዝርኤ ዘሎ ጸረ ክርስትያንን ውሁዳን ክፍሊ ኅብረተሰብን ጉዳይ ኣማእኪሉ ኣብ ዘቕረቦ ሰነድ ብምትንታን ጻውዒት ከምዝቐረበ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።

እቲ ናይ ጂናህ ተቛም ሰነድ ኣብ ፓኪስታን ኣብ ቅዋም ሃገር ኣብ ናይ ገበነይና ምቕጽዒ ሕጊ ሰፊሩ ዘሎ ሃይማኖት ምርካስ ክሳብ ሞት የቕጽዕ ዝብል ዓንቀጽ ናይ ብዙሃን ሃይማኖት ንናይ ገዛእ ርእሱ ጥቒሚ ኣሚቱ ንኽጸድቕ ዝገበሮ ከምዝኾነን ኣብ ልዕሊ ካልኦት ሃይማኖታት ሰብዓብቲ ዓቢ ሓደጋ የስዕብ ከምዘሎን ኣብ ግምት ብምእታው እዚ ዓንቀጽ ክሕከኽን ኣብ ፓኪስታን ዘሎ እስላማዊ ቤት ፍርድታት በቲ ኣብ ኤውሮጳ ብዘሎ ናይ ዜጋታት ናይ ሰብኣዊ መሰልን ፍቓድን ሓልዮት ዝግደስን ዝጣበቕን ቤት ፍርድ ብዝመስል ዓይነት ቤት ፍርዲ ክትካእ ኣብቲ ሰነድ ጻዕዊት ከምዝቐረበ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት የመልክት።

ኣብ ፓኪስታን ጳጳሳዊ ናይ ተልእኾ ወንጌል ተግባር ኣመሓዳሪ ኣባ ማሪዮ ሮድሪገዝ እቲ ተቛም ዘቕረቦ ጻውዒት ኣዚዩ ኣገዳሲ ኢዩ ቢሎም፣ ኣብ ፓኪስታን ዝርኤ ዘሎ ጸረ ክርስትያንን ብሓፈሻኡ ጸረ ውሁዳን ክፍሊ ማኅበረሰብ ዓመጽ ንኽውገድ ዓቢ ናይ መንግሥቲ ጻዕሪ ዝሓትት ኢዩ፣ ማኅበረ ክርስትያንን ውሁዳን ክፍሊ ኅብረተሰብ ካብ ማኅበራዊ ጉዳያት ተነጺሎም ከም ካልኣይ ዜጋ ዝረኣይሉ ኩነት ክውገድ ብሔራውን ዓለም ሓቆፋዊ ጻዕሪ ይሓትት ከምዝበሉ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎ ሓቢሩ።







All the contents on this site are copyrighted ©.